ትግርኛ/Tigrinska

ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

Din guide till hälsa - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

Visa innehåll som:
  • ኣካላዊ ንጥፈት

    ኣካላትካን ካልኦት ኣካላትን ንኺንቀሳቐሱ ኢዮም ተሰሪሖም። ምስ እንትቀሳቐስ፡ ዝነቓሕካን ዝሓየልካን ትኸውን። ልምምድ ክትገብር ከሎኻ ብኣካላዊ መገዲ ንጡፍ ኢኻ። ኩነታትካ ወይ ሓይልኻ ዝሓሸ ኪኸውን ድሌት ምስ ዚህልወካ፡ ብኣካላዊ መገዲ ንጡፍ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ምንቅስቓስ፡ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ኢዩ። ቅሩብ ወይ ብዙሕ ምስ እትንቀሳቐስ ብዘየገድስ።

  • ንጥዕና ኢልካ ብላዕ

    እቲ እትበልዖን ብዝሒ እትበልዖን ክንደይ እዋን ከም እትበልዕን ንጥዕናኻ ይጸልዎ ኢዩ። ኣብዚ፡ ንጥዕና ጽቡቕ ዝኾነ ምግቢ ምኽሪታት ብዚምልከት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  • ጭንቀት

    ንገዛእ ርእስኻ ብስጋውን ስነልቦናውን መገዲ ስራሕ ምስ እተብዝሓላ፡ ኣካላትካ ኪጭነቕ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ብዙሕ ምስ እትጎዪ፡ ወይ ምስ እትሓርቕ፡

  • ድቃስ

    ምእንቲ ኣካላትካን ሓንጎልካን ከዕርፍ፡ ድቃስ የድልየካ ኢዩ። ድቃስ ነቲ ኣካላት ጥዕና ይህቦ ኢዩ።

  • ተንቀሳቐስ

    ንጡፍ ምስ እትኸውንን ገለ ነገር ምስ እትገብርን ዝያዳ ትሕጎስን ንከበድቲ ናይ ህይወት ነገራት ድማ ከም ቀሊል ጌርካ ትወስዶምን። ስለዚ ድማ ኣብ ግዜ ጭንቅን ጓህን ንነገራት ቀለልቲ ጌርካ ንኽትወስዶም ይሕግዘካ።

  • ትምባኾ

    ሽጋራን ትምባኾን (ስንቀን)፡ ኒኮቲን ዚብሃል ቀመም ኣለዎም። ኒኮቲን ብቐሊሉ ወልፊ ዘትሕዝ መርዚ ኢዩ። ኒኮቲን ንሓንጎል ስለ ዚጸልዎ ናይ ምትካኽን ምቝሓም-ትምባኾን ድሌት የምጽኣልካ።

  • ኣልኮል

    ኣልኮላዊ መስተ ንኣካላትካ ፈጺሙ ጽቡቕ ኣይኮነን። ወላ'ውን ቅሩብ ኣልኮል ምስታይ ጽቡቕ ኣይኮነን። ጥኑሳት፡ ኣልኮላዊ መስተ ኪወስዳ ብፍጹም ኣይግባእን።

  • ወሲባዊ ጥዕና ምህላው

    ወሲባዊ ጥዕና ንምርካብ ንእተፈላለየ ነገራት ይምልከት። ከምቲ እትደልዮ ዓይነት ህይወት ንኽትነብር ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ምዃን ጽቡቕ ይስመዓካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዚምልከት እውን ኢዩ።

  • ኣስናን

    ኣስናንካ ኣብ ጥዕናኻ እተፈላለየ ጽልዋ ይገብሩ ኢዮም። ክትበልዕ ከሎኻን ምስ ካልኦት ሰባት ክትዛረብ ከሎኻን፡ ኣስናንካ ይጸልዉኻ ኢዮም።

  • ሓ ድ ሽ ል ምዲ ወ ስኽ

    ምእንቲ ጽቡቕ ኪስመዓ ካልእ ጽቡቕ ኣመል ም ውሳኽ ከምቲ ዚመስለካ ዘይኮነስ ኣዚዩ ቀሊል ኢዩ። ሓድሽን ጽቡቕን ኣመል ንምውሳኽ ዘገልግል ኣገባብ፡ ነቲ ክትልውጦ እትደሊ ዘሎኻ ኣመል፡ ውጥን ከተውጽኣሉ ከሎኻ ኢዩ።

To the top of the page