ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ኣካላዊ ንጥፈት

Fysisk aktivitet - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ኣካላትካን ካልኦት ኣካላትን ንኺንቀሳቐሱ ኢዮም ተሰሪሖም። ምስ እንትቀሳቐስ፡ ዝነቓሕካን ዝሓየልካን ትኸውን። ልምምድ ክትገብር ከሎኻ ብኣካላዊ መገዲ ንጡፍ ኢኻ። ኩነታትካ ወይ ሓይልኻ ዝሓሸ ኪኸውን ድሌት ምስ ዚህልወካ፡ ብኣካላዊ መገዲ ንጡፍ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ምንቅስቓስ፡ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ኢዩ። ቅሩብ ወይ ብዙሕ ምስ እትንቀሳቐስ ብዘየገድስ።

ከምዚ ዚስዕብ ብርቱዕ ኣካላዊ ምንቅስቕስ ምግባር ጽቡቕ ኢዩ፥

  • ነቲ ምስትንፋስካን ትርግታ ልብኻን ዚውስኽ ምንቅስቓስ
    ምስ እትገብር ጽቡቕ ኢዩ።
  • ንኣብነት ከም ብእግሪ ምኻድ፡ ገዛ ምጽራይን
    ኣብ ስፍራ-ኣታኽልቲ ምዕያይን።
  • ነዚ ድማ ኣብ ሰሰሙን እንተ ወሓደ ክልተ ሰዓት ወይ ፍርቂ ሰዓት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
  • ብርቱዕ ልምምድ ክትገብር ምስ እትደሊ፡ ነቲ ምስትንፋስካን ትርግታ ልብኻን ኣዚዩ ዚውስኸሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
    ንኣብነት ምጕያይን ናይ ኵዕሶ ጸወታ ልምምድ ምግባር።
    ነዚ ድማ ኣብ ሰሰሙን ብውሕዱ ንሓደ ሰዓትን ርብዕን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ እንተ ገበርካ እውን ጽቡቕ ኢዩ፥

  • ነቲ ጭዋዳታትካ ዘጠንክር ምንቅስቓሳት ምግባር።
    ነዚ ድማ ኣብ ሰሰሙን ብውሕዱ ክልተ ግዜ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
  • ንሚዛንነትካ ዚምልከት ምንቅስቓስ ግበር።
    እዚ ድማ ዕድመኻ 65 ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን ብፍላይ ኣገዳሲ ኢዩ።

ንብዙሕ ግዜ ስቕ ኢልካ ኮፍ ኣይትበል
ብዙሕ ኮፍ ትብል እንተ ኾንካ ተንሲእካ ብውሕ ዱ
ኣብ ፈፍርቂ ሰዓት ተንቀሳቐስ።

እዚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ነዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ጽቡቕ ኢዩ፥

  • ልብን ኣካላትን፡ ተጻዋርነት ወይ ዓቕሚ ይውስኽ።
  • ሓንጎል ብዝበለጸ መገዲ ይሰርሕ።
  • ዝያዳ ትድቅስ።
  • ዝያዳ ሓጎስ ይስመዓካ።
  • ጭንቀት ኣየጥቅዓካን ኢዩ።

ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ብቐሊሉ ከም ዘይትትክዝን
ናይ ጭንቀት ሕማም ንኸይመጸካን ይሕግዝ ኢዩ።

ዝያዳ ምንቅስቓስ ንምጅማር ዚብርትዓካ ምስ ዚኸውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እቶም ኣብቲ ክንክን እትወሃበሉ ቦታ ዚሰርሑ ሰባት
ንምንቅስቓስ ኣካላት ዚምልከት መምርሒ ኪህቡኻ ይኽእሉ ኢዮም።
እቶም ኣብቲ ናይ ክንክን ቦታ ዚሰርሑ ሰባት
ንኣኻ ዚሰማማዕ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ ኢዮም።
ንኣብነት ገለ ናይ ቃዝኖት ሕማም፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ወይ ሕማም ሽኮር ደረጃ 2
ወይ ቅርጥማት ምስ ዚህልወካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይጠቕመካ ኢዩ።

ኣካላዊ ም ንቅስቓስ ንምሒር ርጕዲ እው ን ጽቡቕ ኢዩ።

To the top of the page