ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ንጥዕና ኢልካ ብላዕ

Äta för att må bra - tigrinskaThe content concerns Östergötland

እቲ እትበልዖን ብዝሒ እትበልዖን ክንደይ እዋን ከም እትበልዕን ንጥዕናኻ ይጸልዎ ኢዩ። ኣብዚ፡ ንጥዕና ጽቡቕ ዝኾነ ምግቢ ምኽሪታት ብዚምልከት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ምኽሪ ንመብዛሕትኦም ኣባጽሕ ዚሰማማዕ ኢዩ።
ገለ ሕማም ምስ ዚህልወካ፡ ካልእ
ምኽሪ ከድልየካ ኢዩ።
ንሓደ ንጥዕናኻ ጽቡቕ ዘይኮነ ናይ መግቢ ልምዲታት ምስ እትልውጦ
ኣብ ጥዕናኻ ዓቢ ለውጢ ኪገብር ይኽእል ኢዩ።

  • ኣብ መመዓልቲ ብውሑዱ ፍርቂ ኪሎ ፍረታት ወይ ኣሕምልቲ ብላዕ።
  • ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ዓሳ ወይ ናይ ባሕሪ ፍርያት ብላዕ።
  • ዘይተጻረየ እኽሊ ዘለዎ ምግቢ ብላዕ።
  • ኣብ ክንዲ ጠስሚ፡ ዘይቲ ኣዘውትር።
  • ኣብ ሰሙን ካብ ፍርቂ ኪሎ ዚዛይድ ቀዪሕ ስጋ ኣይትብላዕ።
  • ብዙሕ ሽኮር ወይ ጨው ዘለዎ ምግቢ እንተ ዘይበላዕካ ይምረጽ።
  • ብእተኻእለ መጠን ኣብ ውሱን ሰዓታት ብላዕ።
  • ኣብ መጠቕለሊኡ ናይ መፍትሕ ንዃል ስእሊ ዘለዎ መግቢ ምረጽ።

ናይ መፍትሕ ንዃል ስእሊ፡ እቲ ምግቢ ዝወሓደ ሽኮርን ጨውን፡
ዝያዳ ዘይተጻረየ እኽልን ጽሕግን ከምኡውን ውሑድ ስብሕን ወይ ድማ
ዝያዳ ጥቕሚ ዘለዎ ስብሒ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

እንታይ ከም እትበልዕን ከመይ ከም እትበልዕን ዚምልከት ጽቡቕ
ልምድታት ምስ ዚህልወካ፡
ብቐሊሉ ሓድሓደ ዓይነት
ሕማማት ኸይትሓምም ይሕግዘካ ኢዩ።
ናይ ልብን ናይ መትንታት ልብን ሕማማት፡
ሕማም ሽኮር ደረጃ 2 ከምኡውን እተፈላለየ ዓይነታት ካንሰር ኣሎ።
እንታይ ከም እትበልዕን ብኸመይ መገዲ ከም እትበልዕን ብዚምልከት
ጽቡቕ ልምዲ ምስ ዚህልወካ፡
ዝያዳ ክብደት ንኸይትውስኽ ይሕግዘካ ኢዩ።

ነቲ ዓይነት እትበልዖን ንኣበላልዓኻን ኽትልውጦ ድሌት እንተሎካ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፥

  • ምስ ማእከል ጥዕናኻ ተራኸብ።
  • ኣብ ወብሳይት 1177.se ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
    ኣብቲ ልክዕ ናይ ወብሳይት ገጽ ንምእታው ነዚ ኣድራሻ'ዚ ተጠቐም፥
    1177.se/ata-sunt
    እቲ ገጽ ብቐሊሉ ብእትርድኦ ሽወ ደን ኣይኮነን።
    ኣብቲ livsmedelsverket.se ዚብል ወብሳይት Matvanekollen ዚብል ገጽ
    ኣሎ።
  • ኣብቲ ናይ Matvanekollen ገጽ፡ እንታይ እንተ በላዕካ ንጥ ዕናኻ ጽቡቕ ከም
    ዝኾነ ክትርእይ ትኻእል።
    ኣብቲ ናይ Matvanekollen ገጽ ነቲ እትበልዖን እትሰትዮን ከመይ ጌር ካ ከም
    እትቕይሮ ክትመሃር ትኽእል።
To the top of the page