ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ትምባኾ

Tobak - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ሽጋራን ትምባኾን (ስንቀን)፡ ኒኮቲን ዚብሃል ቀመም ኣለዎም። ኒኮቲን ብቐሊሉ ወልፊ ዘትሕዝ መርዚ ኢዩ። ኒኮቲን ንሓንጎል ስለ ዚጸልዎ ናይ ምትካኽን ምቝሓም-ትምባኾን ድሌት የምጽኣልካ።

ሽጋራ ምትካኽ፡ ነቲ ብገለ ሕማማት ንኽትጥቃዕ ዘሎ ዕድላት ይውስኸሉ።
እቶም ሕማማት ከኣ ካንሰር፡ ኣዝማን፡ ረኽሲ ሳምቡእ፡

ሕዱር ሕማም ሳንቡእ፡ ኤምፊሰማን ሕማም ልብን ሰራውር ደምን ኢዮም።
ሽጋራ ምትካኽ ነቲ ብናይ ቅርጥማትን ሕማም ሽኮር ደረጃ 2ን፡
ነቲ ብምስብባር ዓጽምን (osteoporosis) ንኽትጥቃዕ
ዚህሉ ዕድላት የብዝሖ ኢዩ።
ኣካላትካ ጥዑይ ኮይኑ ኪቕጽል እንተ ደሊኻ፡ እቲ ዝበለጸ መገዲ ሽጋራ
ዘይምትካኽን ትምባኾ ዘይምቝሓምን ኢዩ።
ይኹንምበር፡ ሽጋራ ምትካኽን ትምባኾ ምቝሓምን ክትገድፎ ምስ ዘይትደሊ፡ ነቲ ዝውታረኻ ካብ ናይ ቀደም ከተጕድሎ ትኽእል ኢኻ።
መጥባሕቲ ክትገብር እንተ ኾንካ ቅድሚ መጥባሕቲ ኣርባዕተ ሰሙናት፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ድማ ኣርባዕተ ሰሙናት ሽጋራ ከተትክኽ ወይ ትምባኾ ክትቁሕም የብልካን።
ኣብ ግዜ ጥንስን ኣብ ግዜ ምጥባው ህጻንን ሽጋራ ምትካኽ ወይ ትምባኾ ምቝሓም ኣይግባእን።

ንዝውተራ ሽጋራን ትምባኾን ደው ንምባል ብኸምዚ መገዲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፥

ሽጋራ ምትካኽን ትምባኾ ምቝሓምን ክትገድፎ እንተ ደሊኻ ዚሕግዘካ ሰብ ኣሎ።
እቲ ሰብ፡ ኣግዳፊ ወልፊ ትምባኾ (tobaksavvänjare) ይብሃል።
ኣግዳፊ ወልፊ ትምባኾ ንኣብነት ኣብ ናይ ሽጋራ-ምትካኽ-ኣቋርጽ መስመር (sluta
röka-linjen) ይሰርሕ።
ንሽጋራ-ምትካኽ-ኣቋርጽ መስመር (sluta röka-linjen) ብእተፈላለየ መገዲ ክትረኽቦ
ትኽእል።
ናብዚ ቁጽሪ'ዚ ክትድውል ትኽእል፥ 020 - 84 00 00
ናብዚ ወብሳይት'ዚ ክትኣቱ ትኽእል፥ slutarokalinjen.se.
ብመገዲ ንሽጋራ-ምትካኽ-ኣቋርጽ መስመር (sluta röka-linjen) ሓገዝ ንምርካብ
ኣይክፈሎን ኢዩ።

ሽጋራ ምትካኽን ትምባኾ ምቝሓምን ንምግዳፍ ሓገዝ ምስ እትደሊ
ነቲ ማእከል ጥዕናኻ እውን ክትውከሶ ትኽእል ኢኻ።
ኣብቲ ማእከል ጥዕና፡ እቶም ኣግደፍቲ ወልፊ ትምባኾ እውን ይሰርሑ ኢዮም።
ኣገደፍቲ ወልፊ ትምባኾ ኣብ ናይ መንእሰያት ክሊኒካትን ኣብ ህዝባዊ ናይ ስኒ
ሕክምናን እውን ይርከቡ ኢዮም።
ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ነቶም ዕድሚኦም ካብ 13 ክሳዕ 25 ዝኾኑ ዘገልግል ክሊኒክ
ኢዩ።

ብመገዲ ሞባይል ጌርካ እውን ዲጂታላዊ ክንክን ይርከብ ኢዩ።
እቲ ዲጂታላዊ ክንክን ንትምባኾ ዚምልከት ረድኤት (Tobakshjälpen) ይብሃል።
ነቲ Tobakshjälpen ንምርካብ ነቲ ቁጽሪ ተለፎን 070-195 89 19፡ FRI ዚብል ቃል
ብምውሳኽ ኤስ.ኤም.ኤስ ግበር።

To the top of the page