ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ድቃስ

Sömn - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ምእንቲ ኣካላትካን ሓንጎልካን ከዕርፍ፡ ድቃስ የድልየካ ኢዩ። ድቃስ ነቲ ኣካላት ጥዕና ይህቦ ኢዩ።

ኣባጽሕ፡ ነፍስወከፍ ለይቲ ካብ 6 ክሳዕ 9 ሰዓታት ኪድቅሱ ይግባእ።
እተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ ናይ ድቃስ ሰዓታት የድልዮም።
ጽቡቕ እትድቅስ፡ ኣብ መዓልቲ ንጡፍ ምስ እትኸውንን ጽቡቕ ምስ ዚስመዓካን ኢዩ።
እኹል ድቃስ ምስ እትድቅስ፡ ብቐሊሉ ገለ ሕማማት ከየጥቅዓካ ይኽእል ኢዩ።
ንኣብነት ናይ ልብን ሰራውር ደምን ሕማም፡
ናይ ጸቕጢ ደምን ናይ ሕማም ሽኮር ደረጃ 2 ሕማማትን፡
ናይ ቃዝኖት ሕማምን ድኻምን።

ጽቡቕ ንኽትድቅስ ዘገልግል ምኽሪ፥

  • ኣብ ግዜ መዓልቲ ተንቀሳቐስ።
  • ዕረፍቲ ውሰድ።
  • ለይቲ ለይቲ ምስ እትሕርንኽ፡ ክብደትካ ከተጕድል ፈትን።
  • ቅድሚ ምድቃስካ ቅልል ዝበለ ም ንቅስቓስ ኣካላት ግበር።
  • ኣብ ግዜ ምሸት፡ ቡን ወይ ኣልኮላዊ መስተ ከምኡውን ሽጋራ ወይ ትምባኾ
    ኣይተዘውትር።
  • ቅድሚ ምድቃስካ ወይ ለይቲ እንተ ተበራቢር ካ፡ ሞባይልካ፡

ታብለትካ ወይ ኮምፕዩተርካ ወይ ተለቪዥንካ ኣይትርአ።
ነቶም ንድቃስ ዚምልከቱ ኣመላት ወይ ልምድታት ንምልዋጥ ሓገዝ
ምስ እትደሊ፡ ካብቲ ናትካ ማእከል ጥዕና ሓገዝ ክትረክብ
ትኽእል ኢኻ።
ንኣብነት ብሓገዝ ኮምፕዩተርካ ወይ ሞባይልካ እትገብሮ ዲጂታላዊ ክንክን
ኣሎ።
እዚ ዲጂታላዊ ክንክን'ዚ፡ ሶቭህየልፐን (Sovhjälpen) ይብሃል።
በቶም ኣብ ማእከል ጥዕና ዘለዉ ኣማኸርቲ ወይ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓከምቲ
እውን
ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

To the top of the page