ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ተንቀሳቐስ

Gör en aktivitet - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ንጡፍ ምስ እትኸውንን ገለ ነገር ምስ እትገብርን ዝያዳ ትሕጎስን ንከበድቲ ናይ ህይወት ነገራት ድማ ከም ቀሊል ጌርካ ትወስዶምን። ስለዚ ድማ ኣብ ግዜ ጭንቅን ጓህን ንነገራት ቀለልቲ ጌርካ ንኽትወስዶም ይሕግዘካ።

ክትነጥፈሎም እትኽእል ብዙሓት እተፈላለዩ ነገራት ኣለዉ፥

  • ናይ እግሪ ጕዕዞ ግበር፡ ወይ ድማ ኣብ ናይ ስፖርታዊ ልምምድ ተሳተፍ።
  • ሳዕስዕ ወይ ድማ ምስ መዘምራን ዘምር።
  • ምስ ገለ ሰብ ተዛረብ።
  • ሰኣል፡ ወይ ድማ ወጣሪ ጸወታ (ፓዝል) ተጻወት።
  • መጽሓፍ ኣንብብ ወይ ድማ እተመሳቐሉ-ቃላት ፍታሕ።
  • ዮጋ ግበር፡ ኣስተንትኖ ግበር፡ ወይ ድማ ኣብ ናይ ቤትክርስትያን ቅዳሴ ተሳተፍ።

ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ንጥፈታት ኣካይድ

ካልኦት ሰባት ብምርካብ ብሓደ ኴንካ ምስራሕ ደስ የብል ኢዩ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ንኣብነት ተመሳሳሊ ዝንባሌታት ዘለዎም ጉጅለታት
ወይ ማሕበራት ምህላው ደስ የብሎም ኢዩ።
ነንሓድሕዶም ዚፋለጡ ሰባት ከምኡውን ብሓደ ኮይኖም ዚነጥፉ ሰባት
ኣብ ካልእ ጉዳያት እውን ይተሓጋገዙ ኢዮም።
ንኣብነት ንሓደ ሰብ ምስ ዚሓዝን ድጋፍ ምሃብ።

ነቶም ምስ ካልኦት ሰባት እተገብሮም ምንቅስቓሳት ዚምልከቱ ምኽርታት፥

  • እንተ ተኻኢሉ ምስ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ተራኸብ።
  • መጻሕፍቲ ኣንብብ እሞ ብዛዕባ'ቲ ዘንበብካዮ መጽሓፍ ምስ ካልኦት ሰባት ኣዕልል።
  • ኣብቲ እትቕመጠሉ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ንጥፈታት ኣካይድ።
  • ኣብ ገለ ማሕበር ኣባል ኩን።

ንኣኻ ኣገዳሲ ዝኾነ ገለ ነገር ግበር

ሓደ ኣገዳሲን ኣዘናጋዕን ኢዩ እትብሎ ነገር ምስ እትገብር፡
ህይወት ትርጉም ከም ዘለዎን ኣገዳሲ ምዃኑን ዝያዳ ኪስመዓካ ይኽእል።
ሓደ ንኽትገብሮ ኣሸጋሪ ዝኾነ ስራሕ ብዓወት ምስ እትዛዝሞ፡
ምስ ወዳእካዮ ዝበዝሕ ግዜ ሓጎስ ኢዩ ዚስመዓካ።
ንኻልኦት ሰባት ምስ እትሕግዝ፡
ንስኻን እቶም ዚሕገዙ ሰባትን ኪሕጎሱ ይኽእሉ።

ንኣኻን ንኻልኦት ሰባትን ኣገድስቲ ንዝኾኑ ምንቅስቓሳት ዚምልከቱ ምዕዶታት

  • ኮርስ ውሰድ እሞ ገለ ሓድሽ ነገር ተመሃር።
  • ንጎረቤትካ ሓግዝ ወይ ድማ ንኻልኦት ሰባት ዚሕግዝ ነገራት ስራሕ።
  • ሓደ ከቢድ ዝኾነ ግን ከኣ ክትዕወተሉ እትኽእል ንጥፈት ኣካይድ።
To the top of the page