ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ኣስናን

Tänder - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ኣስናንካ ኣብ ጥዕናኻ እተፈላለየ ጽልዋ ይገብሩ ኢዮም። ክትበልዕ ከሎኻን ምስ ካልኦት ሰባት ክትዛረብ ከሎኻን፡ ኣስናንካ ይጸልዉኻ ኢዮም።

ንኣስናንካ ብስርዓት ምስ ዘይትከናኸኖም፡ ቃንዛ ከስዕቡልካ ይኽእሉ ኢዮም።
ናይ ኣስናን ሕማም ንኣካላዊ ጥዕና ይጸልዎ ኢዩ።
ኣብ ግርጻንካ ባክተሪያታት ምስ ዚህልዉ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላትካ ኪውሕዙ ይኽእሉ ኢዮም።
ንኣብነት ናብ ልብን ናብ ሰራውር ደምን።

እዚ፡ ንኣስናንካ ጥዕና ይህብ፥

  • ኣብ ነፍስወከፍ ንግሆን ምሽትን ንኽልተ ደቓይቕ ኣስናንካ መውጽ ወይ ብራሽ ግበር።
  • ፍሎራይድ ዘለዎ ሳምና-ስንን መጽረዪ ፍትልን ተጠቐም።
  • መግቢ ኣብ ዘይትበልዓሉ ግዜ፡ ንኣስናንካ ዕረፍቲ ሃቦም።
  • ሽኾር ዘለዎም ነገራት ካብ ምብላዕ ወይ ካብ ምስታይ ተቖጠብ።
    መጸጽትን ሽኮራውያንን ዝኾኑ ሓይሊ ዚህቡ መስተታት ዘይምስታይ ኣገዳሲ ኢዩ።
  • ምስ እትጸምእ ማይ ስተ!
    ገለ ሰባት ኣብ ኣፎም ባክተርያ ስለ ዘለዎም ኣስናኖም ብቐሊሉ ይሕስኽ።
    ኣብ ኣፎም ባክተርያ ዘለዎም ሰባት ደጋጊሞም ናብ ሓኪም-ስኒ ኪኸዱ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብኡ ድማ ኣስናኖም ኪጸርየሎምን ዝያዳ ፍሎራይድ ኪረኽቡን ይኽእሉ ኢዮም።
    ኣብ ወብሳይት 1177.se ንኣስናንካ ብዝበለጸ መገዲ ንምክንኻን ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ብዛዕባ ምክንኻን ኣስናን ምኽሪ እንተ ደሊኻ ነዚ ኣድራሻ'ዚ ተጠቐም፥
1177.se/sa-haller-du-tanderna-rena/
እቲ ገጽ ብቐሊ ቋንቋ ሽወደን ኣይኮነን ቀሪቡ ዘሎ።

To the top of the page