ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ኣልኮል

Alkohol - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ኣልኮላዊ መስተ ንኣካላትካ ፈጺሙ ጽቡቕ ኣይኮነን። ወላ'ውን ቅሩብ ኣልኮል ምስታይ ጽቡቕ ኣይኮነን። ጥኑሳት፡ ኣልኮላዊ መስተ ኪወስዳ ብፍጹም ኣይግባእን።

መጥባሕቲ ትገብር እንተ ኾንካ፡ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ቅድሚ መጥባሕቲ፡
ኣልኮላዊ መስተ ኣይትውሰድ።
ድሕሪ መጥባሕቲ እውን ንኣርባዕተ ሰሙናት ኣልኮላዊ መስተ ኣይትውሰድ።
ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም፡ ወይ ድማ ናይ መስተ ውሉፍ ዝኾነ ናይ ቀረባ ዘመድ ምስ ዚህልወካ ወይ ድማ ባዕልኻ ንመስተን ንኻልእ ድሮጋን ውሉፍ ኔርካ ምስ እትኸውን፡
ኣልኮላዊ መስተ ፈጺምካ ኣይትውሰድ።
ኣልኮል ንኣካላትካ ብእተፈለለየ መገዲ ኢዩ ዚጸልዎ።

ወላ'ውን ውሑድ ኣልኮል እንተ ሰተኻ ነቲ ኣእምሮኻ የዘናብሎ ኢዩ፡

ዝኽርኻ ይበላሾ፡ ፈዘዝ ድማ ትብል።
ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንሕማም ቃዝኖት፡ ካንሰርን ረኽስታትን
ብቐሊሉ ከም እትቃላዕ ኪገብረካ ይኽእል ኢዩ።
ብተወሳኺ ድማ ንሓደጋታት ትቃላዕ፡ ኣልኮል ምስ ሰተኻ ድማ
ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ግርጭትን ባእስን ትኣቱ።

ናይ ኣልኮል ወልፍኻ ንምልዋጥ በዚ መገድ'ዚ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፥

  • ኣብ ወብሳይት 1177.se ናይ ኣልኮል ኣመላትካ ንምቕያር ብዚምልከት እንታይ ክትገብር ከም
    እትኽእል ከተንብብ ትኽእል።
  • ኣብቲ alkoholhjalpen.se. ዚብል ወብሳይት ኣንብብ።
  • በዚ ዚስዕብ ቁጽሪ ተለፎን ጌርካ ናብ Alkohollinjen ደዉል፥ 020-84 44 48
  • ነቲ ማእከል ጥዕናኻ ረኸቦ።
  • ነቲ ናይ ወልፊ ክሊኒክ ተወከሶ።
  • ነቲ ኣብቲ እትቕመጠሉ ኮሙን ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከሶ።
  • ናይ ኣልኮል ጸገማት ብዚምልከት ዘማኽር ማሕበር ተወከስ። ንኣብነት Al-anon ከምኡውን
    Alateen ወይ ድማ Anonyma alkoholister.
  • ነቲ ኣብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ዘሎ (Företagshälsovården) ትካል ክንክን ጥዕና ተወከሶ።
    (Företagshälsovården) ትካል ክንክን ጥዕና፡ ብመገዲ ናይቲ እትሰርሓሉ ትካል ዚወሃበካ
    ክንክን ኢዩ።
To the top of the page