ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ጭንቀት

Stress - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ወይ ምስ እትሓርቕ፡
ወይ ብዙሕ ዚስራሕ ምስ ዚህልወካ።
ንቅሩብ ግዜ ምስ እትጭነቕ፡
እዚ ንኣካላትካ ሓደገኛ ኣይኮነን።
ንነዊሕ ግዜ ጭንቀት ምስ ዚስምዓካን ብዙሕ ምስ ዘይትድቅስን ምስ ዘይተዐርፍን
ወይ ደስ ዚብለካ ነገር ምስ ዘይትገብር ግን ክትሓምም ትኽእል ኢኻ።
ሽዑ ሓገዝ ንምርካብ ሕክምና ክትደሊ ኢኻ።

ሰባት ብብዙሕ መገዲ ኢዮም ኣብ ነብሶም ጭንቀት ዝፈጥሩ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ስራሕን ኣብ ገዛን ብዙሕ
ዚዕመም ነገራት ምስ ዚህሉዎም ይጭነቑ።
ሰባት በዞም ዚስዕቡ ምኽንያታት ጭንቀት ከሕድሩ ይኽእሉ ኢዮም፥
ብዛዕባ ነብሶም ኣዚዩ ላዕሊ ዝኾነ ኪበጽሑዎ
ዘለዎም መደብ ወይ ዕላማ ምስ ዚህሉዎም፡ወይ ድማ ካልኦት ሰባት ካብኦም ብዙሕ ዚጽበዩ ምስ ዚኾኑ።

ኣዚኻ ንኸይትጭነቕ ዘገልግል ምኽሪ፥

  • ኣብ መንጎ እተፈለለየ ንጥፈታት ዕረፍቲ ውሰድ።
  • ነቲ ዘጨንቐካ ነገራት ፍለጦ ወይ ኣስተብህለሉ።
    ምልክት ጭንቀት ኪኸውን ዚኽእል ኣብ ኣካልካ ገለ ለውጢ ከይህሉ ኣቓልቦ ግበር።
    ምልክት ጭንቀት ንኣብነት ቅሳነት ዘይምህላው፡
    ናይ ልቢ ቅልጡፍ ትርግታ ወይ ናይ ምርሳዕ ኣጋጣሚታት ኪኸውን
    ይኽእል።
    መዓልቲ መዓልቲ ተንቀሳቐስ።
  • መዓልቲ መዓልቲ ተንቀሳቐስ።
  • ኣብ ወብሳይት 1177.se ባዕልኻ ክትገብሮ እትኽእል ናይ ኣስተንትኖ (Mindfulness)
    ልምምድ ኣሎ።
    ኣስተብህሎ (Mindfulness) ኣብ ዝመጽእ ወይ ኣብ ዝሓለፈ ኩነታት ዘይኮነስ
    ኣብቲ ዘሎኻሉ ግዜ ምትኳር ዚምልከት ናይ ኣተሓሳስባ ልምምድ ኢዩ።
    ጭንቀት ንኸይህልወካ ትደሊ እንተ ኾንካ
    ካብቲ ማእከል ጥዕናኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንኣብነት ብሓገዝ ኮምፕዩተርካ፡ ታብለትካ ወይ ሞባይልካ እትገብሮ ዲጂታላዊ
ክንክን ኣሎ።
እዞም ዲጂታላውያን ክንክናት፡
ስትረስየልፐን (Stresshjälpen) ከምኡውን ሊቭስባላንሰን (Livsbalansen)ይብሃሉ።

To the top of the page