ንጥዕናኻ ዚምልከት መምርሒ

ወሲባዊ ጥዕና ምህላው

Att må sexuellt bra - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ወሲባዊ ጥዕና ንምርካብ ንእተፈላለየ ነገራት ይምልከት። ከምቲ እትደልዮ ዓይነት ህይወት ንኽትነብር ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ምዃን ጽቡቕ ይስመዓካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዚምልከት እውን ኢዩ።

ኣካላት ከመይ ከም ዚሰርሕ ምስ እትፈልጥ፡ ወሲባዊ ጥዕና ኺህልወካ ቀሊል ኢዩ።
ኣብ ግዜ ወሲብ እንታይ ከም እትደልን እንታይ ከም ዘይትደልን ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።
ከምኡውን እቲ ምሳኻ ወሲብ ዘካየድ ዘሎ ሰብ እንታይ ከም ዚደልን ከም ዘይደልን ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።
ነንሓድሕድኩም ጽን ኢልኩም ብዛዕባ'ቲ እትደልዩዎን ዘይትደልዩዎን ነገራት ምስ እትዘራረቡ ውሑስ ወሲብ
ንኺህልወኩም ቀሊል ኢዩ።
ምስ እትሰማምዑን ምስ እትዘራረቡን፡ ሓደ ሰብ ነቲ ዘይደልዮ ኪገብር ኪግደድ ከም ዘይብሉ እውን ክትፈልጡ
ኢኹም።
ናይ ወሲብ ጸገም ምስ ዚህልወካ ወይ ድማ ጽቡቕ ወሲብ ንኺህልወካ ምኽሪ ምስ እትደሊ፡ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብወሲባዊ መገዲ ጥዕና ንኽትረክብ፡

እዚ ኣገዳሲ ኢዩ።

  • ናትካ ጾታ እንታይ ምዃኑ ባዕልኻ ወስንን ግለጽን።
  • መኣስ ጾታዊ ርክብ ከም እትገብርን ምስ መንን ባዕልኻ ወስን።
  • ውላድ ትደሊ እንተ ኾንካን መኣስን ክንደይን ባዕልኻ ወስን።
  • ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ ዕውፈትን ኣካላት ከመይ ከም ዚሰርሕን ብተወሳኺ
    ተመሃር።
  • ብዛዕባ ብወሲብ ዚመጽእ ሕማማት ተመሃርን ተኸላኸሎን።

ኣብዚ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፥

  • ኣብቲ ማእከል ጥዕና ታነፉሽ (Tannefors) ናይ ሊንሾፒንግ፡ ንወሲብ ዚምልከት ምኽርታት ዚህብ ክሊኒክ ኣሎ።
    እቶም ኣብ ኦስተርዮትላንድ ዚቕመጡ ኣባጽሕ ኣብኡ ከይዶም ሓገዝ ኪሓቱ ይኽእሉ ኢዮም።
  • ጥዕና ደቀንስትዮ (Kvinnohälsan)። እዚ ንደቀንስትዮ ጥራይ ዚምልከት ክሊኒክ ኢዩ።
    ኣብቲ ክቪኖሀልሳን ንጥኑሳት ወይ ንጸረ-ጥንሲ ዚምልከት ሓገዝ ኣሎ።
  • ናይ መንእሰያት ክሊኒክ (Ungdomsmottagningen)። እዚ ነቶም ኣብ መንጎ 13ን 25ን ዕድመ ዘለዉ መንእሰያት ዚምልከት ክሊኒክ ኢዩ።
    ኣብ ሊንሾፒን፡ ኖርሾፒን፡ ሙታላን ካልኦት ናይቲ ወረዳ ነኣሽቱ ከተማታት፡
    ናይ መንእሰያት ክሊኒካት ኣሎዉ።
  • ኣብቲ ወብሳይት 1177.se ንወሲባዊ ጥዕና ዚምልከት ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል። ኣብዚ ኣድራሻ'ዚ ምኽሪ ትረክብ፥
    1177.se/sexuell-halsa እቲ ገጽ ብቐሊል ቋንቋ ሽወደን ኣይኮነን።
To the top of the page