Undersökningar och prover - ምርመራታት/ቅምሶታት

መደብ ምትእትታው Västerbotten፣ VHU

Västerbottens hälsoundersökningar - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

ናይ Västerbotten ናይ ጥዕና ምርምር፣ Västerbottens hälsoundersökningar፣ VHU፣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ምምሕዳራት እቲ ኣውራጃ ነበርቲ ንዝኾንኩም ይቐርበልኩም። ዕድሜኹም 40፡ 50 ወይ 60 ዓመት ትመልኡ ዘለኹም፣ ንኽልተ ምብጻሕ ንዕድመኩም። እቲ ቀዳማይ ምብጻሕ ናይ ጥዕና መርመራ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ውልቃዊ ናይ ጥዕና ዝርርብ እዩ።

ስለምንታይ እየ ክሳተፍ ዘለኒ?

ዕላማ ናይቲ መደብ ምትእትታው Västerbotten ፡ ጽቡቕ ስምዒት ንኽስምዓኩምን በብቑሩብ ኣብ ቀረባ መጻኢ ናይ ምሕማም ሓደጋኹም ንምንካይን እዩ።

ጽቡቕ ልምዲ መነባብሮኹም ብምምሕያሽ ወይ ብምዕቃብ፡ ኣብ መጻኢ ንሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ሕማም ሽኮርን ንዝህልወኩም ሓደጋ ከተጉድሉ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣሽቱ ለውጥታት እውን ከይተረፉ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም።

እቲ መርመራ ንሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ልዑል ሓደጋ ዘለዎምን ሕክምናዊ ፍወሳ ዘድልዮምን ሰባት ንምርካብ እውን ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።

መን እዩ ክሳተፍ ዝኽእል?

ኩልኹም ኣብታ 40፡ 50 ወይ 60 ዓመት እትመልኡላ ዓመት ኣብ መደብ ምትእትታው Västerbotten ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ዝቕጽል ዓመት እውን ዝበቅዕ እንተኾይኑ ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ ዞባ Västerbotten ዕድመ ምስ ቆጸራ ማእከል ክንክን ጥዕናኹምወይ ጎጆ ሆስፒታል ክትረኽቡ ኢኹም።

ምርምር ጥዕና Västerbotten ከምዚ ኢሉ እዩ ዝሰርሕ

ናብ ማእከል ክንክን ጥዕናኹም ወይ ኣብ ሆስፒታል ክልተ ግዜ ክትበጽሑ ክትዕደሙ ኢኹም። ናይ መጀመርታ ምብጻሕኩም ናይ ጥዕና መርመራ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ዝርርብ ጥዕና እዩ።

ገለ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ጎጆ ሆስፒታላትን ብቪድዮ ናይ ጥዕና ዝርርብ የቕርባ። ኣብኡ ዘለኹም እቲ ናይ ጥዕና ዝርርብ ማእከል ክንክን ጥዕናኹም ወይስ ካብ ገዛኹም ብኮምፒተር፣ ስማርት ሞባይል ወይ ታብሌት ክትገብሮ ትደልዩ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ቪድዮ ምብጻሕ ኣብ Region Västerbotten ዝያዳ ኣንብቡ (ጽሑፍ ሽወደን)

ብዛዕባ ጥዕናኹምን ከመይ ከም እትነብሩን ንዝቐርቡ ሕቶታት ትምልሱ

ቅድሚ መርመራ ጥዕናኹም፣ ብዛዕባ ልምዲ መነባብሮኹምን ጥዕናኹምን ዝምልከት ሕቶታት ዝሓዘ ዲጂታላዊ ቅጥዒ ክትረኽቡ ኢኹም። ኣብ 1177.se ምስ ኣተኹም ነቲ ቅጥዒ ኣብ ኢንቦክስኩም inkorg ክትረኽብዎ ኢኹም። እቲ ቅጥዒ ብቋንቋ ሽወደን እዩ። ቅድሚ ናይ መጀመርታ ምብጻሕኩም ንዝቐርቡ ሕቶታት ትምልሱ። ኣብ ፎርም ዘሎ ሕቶታት ብቋንቋ ሽወደን ክትምልሱ እንተዘይክኢልኩም ፡ ምስቲ ናይ ጥዕና ዝርርብ ብዝተኣሳሰር ካብ ተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ተርጓሚ ብተሌፎን ይሳተፍ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕኩም ተርጓሚ ከም ዘድልየኩም ንሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ንገሩ።

ኣብዚ ብምእታው ከመይ ጌርኩም ቅጥዒ ከም እትመልኡ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክቡ ኢኹም(ጽሑፍ ሽወደን)።

ቀዳማይ ምብጻሕ – ውልቃዊ መርመራ ጥዕና

ንግሆ ኣብ ማእከል ጥዕና ወይ ሆስፒታል ቆጸራ ክትረኽቡ ኢኹም።

ኣብ እዋን ምብጻሕኩም ዝፍጸም እዚ እዩ፤

  • ኣብ ደም ዘሎ ሊፒድን ሽኮር ደምን ንምምርማር ናሙና ደም ትህቡ።
  • ጸቕጢ ደም፣ ናህሪ ደምን ምዕቃን ሕቝፍን ክትዕቅኑ ኢኹም።
  • ክብደትኹምን ቁመትኹምን ብምዕቃን፣ ንBMIን ቦዲማክስ ኢንዴክስን የስልጡ።

እቲ ምብጻሕ ኣስታት 30 ደቓይቕ ይወስድ።

ቅድሚ እቲ ናይ ጥዕና መርመራ

ቅድሚ እቲ ናሙና ምውሳዱ እንተወሓደ ን9 ሰዓታት ዝኾነ ነገር ክትበልዑ የብልኩምን። ማይ ብውሑድ መጠን ምስታይ ጽቡቕ እዩ።

ኣብተን ቅድሚ ናሙና ምውሳዱ ኣብ ዘልዉ ሰዓታት፣ ብኣካል፣ ብሽክለታ ወይ ብእግሪ ክትጽዕሩ የብልኩምን። ሽጋራ ከተትክኹ ወይ ስኑፍ ክትጥቀሙ የብልኩምን።

ስሩዕ መድሃኒታትኩም ከምቲ ልሙድ ንግሆ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዘይካ ንሕማም ሽኮር ዝውዕሉ መድሃኒታት ንኹሎም መድሃኒታት ይምልከት።

ካልኣይ ምብጻሕ – ውልቃዊ ዝርርብ ጥዕና

ኣብ ካልኣይ ምብጻሕ፡ ንስኹምን ሓንቲ ነርስን ውጽኢት መርመራኹምን ነቲ ቅዲ መነባብሮን ቅጥዒ ጥዕናን ዝሃብኩምዎ መልስታትን ትምርምሩ።

ብዛዕባ ጽቡቕ ስምዒት ንኽስምዓኩም ባዕልኹም እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉን ንጥዕናኹም ዘይጎድኡ ልምድታት ብኸመይ ክትዕቅቡ ወይ ከተመሓይሾ ከም እትኽሉን ትዛረቡ።እዚ ንኣብነት፣ ብጥዑይ ኣመጋግባ ምጅማር፣ ምውሳኽ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ውሑድ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ድማ ነቲ ናይ ትምባኾ ወይ ነቲ ልምዲ ምትካኽ ሽጋራ ወይ ወልፊ ኒኮቲን ምግዳፍ ከጠቓልል ይኽእል።እቲ ዝርርብ ኣገዳሲ ኣካል ናይቲ መደብ ምትእትታው Västerbotten እዩ።

እቲ ምብጻሕ ካብ 30–60 ደቓይቕ ይወስድ።

ናይ ገዛእ ርእስኹም ኮኾብ ዘለዎ ፕሮፋይል ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም

እቲ ኮኾብ ዘለዎ ፕሮፋይል ወይ ንጥዕና ወይ ንሓደጋ ዘስዕቡ ረቛሒታት ከመልክት ይኽእል።

እቲ ናይ ጥዕና ዝርርብ ብዛዕባ ውልቃዊ ፕሮፋይል ጥዕናኹም እዩ። ናይ መለክዒ ክብርታትኩም፣ ውጽኢት ፈተናን መልስታትኩምን ኣብቲ ቅጥዒ ብኮኾብ ብዘለዎ ፕሮፋይል ዝበሃል stjärnprofil ይቐርቡ። እተን ነጥብታት ናይቲ ኮኾብ ጸቕጢ ደምኩም፡ ሽኮር ደምኩም፡ BMIን መለክዒ ሕቝፍኹምን ከምኡውን ብዛዕባ ኣመጋግባኹም፡ ጥዕናኹም፡ ኣካላዊ ምንቅስቓኹም፡ ልምድታት ኣልኮላዊ መስተኹምን ኣጠቓቕማ ትምባኹምን እትህቡዎ መልስታት ይውክሉ።

እቲ መርመራ ምክትታል መርመራታት ወይ ተወሳኺ ደገፍ ከምዘድልየኩም ከርኢ እንተኾይኑ ክቐርበልኩም ይኽእል እዩ።

እንታይ ዋጋ ኣለዎ?

እቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ምስ መርመራ ጥዕናን ናሙና ምውሳድን SEK 300 እዩ። እቲ ክፍሊት ኣብቲ ልዑል ወጻኢታት ዝሓትት መከላኸሊ ኣይካተትን እዩ።

ብዛዕባ እቲ ልዑል ወጻኢታት ዝሓትት መከላኸሊ ዝያዳ ኣንብቡ (ጽሑፍ ሽወደን)

እቲ ካልኣይ ምብጻሕ ምስ ናይ ጥዕና ዝርርብ ብነጻ እዩ።

To the top of the page