ሕርሲ

ጽግያት ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ

Mens efter du har fött barn - tigrinska

ድሕሪ ቈልዓ ምውላድ እቲ ወርሓዊ ጽግያት መዓስ ከም ዝምለስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ወርሓዊ ጽግያት ቅድሚ ምምላሱ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።

Läs texten på svenska här.

እቲ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ መጀመርታ ግዜ ዝርኣ ደም ወርሓዊ ጽግያት  ኣይኮነን።

ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘሎ መጀመርታ ግዜ ደም ካብ ርሕሚ ይወጽእ እዩ። እዚ ወርሓዊ ጽግያት ኣይኮነን።

ወርሓዊ ጽግያት ቅድሚ ምምላሱ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

ወርሓዊ ጽግያት ተመሊሱ ቅድሚ ምምጽኡ ዝወስዶ ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ዘይተጥብዊ እንተ ዄንኪ፡ ወርሓዊ ጽግያት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ይምለስ እዩ።  

ተጥብዊ እንተ ዄንኪ መብዛሕትኡ ግዜ ካብኡ ንላዕሊ ዝነውሓ ግዜ ይወስድ። ይኹን’ምበር መብዛሕትአን ዘጥብዋ ኣዴታት መብዛሕትኡ ግዜ ጽግያተን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ይምለሰን እዩ።

ንገሊኤን ግን ክሳብ ጽግያተን ተመሊሱ ዝርኣየን ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ።

እቲ ጽግያት ከም’ዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦

እቲ ዝመጸኪ ጽግያት ምስ’ቲ ቅድሚ ምጥናስኪ ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ፡ ካብ’ኡ ዝበዝሓ ወይ ዝወሓደ ክኸውን ልሙድ እዩ። ከምኡ’ውን ካብኡ ዝበርትዓ ወይ ዝፈኾሰ ቃንዛ ክገብረልኪ ልሙድ እዩ።

ጽግያት ቅድሚ ምምላሱ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ

ዋላ’ኳ ጽግያትኪ ተመሊሱ ኣይምጻእ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።

ቅድሚ’ቲ ናይ መጀመርታ ጽግያትኪ ምምጽኡ እንቋቑሖ ክትጸፍዪ ኢኺ። እዚ ድማ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ ማለት እዩ።

ጥንሲ ንምክልኻል ዝሕግዝ መከላኸሊ ጥንሲ

ጥንሲ ክትሕዚ ምስ ዘይትደልዪ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቀሚ።

ኵለን ቈልዓ ዝወለዳ ኣዴታት ድሕሪ ቈልዓ ምውላዱ ናብ መሕረሲት ንምብጻሕ ቆጸራ ይግበረለን እዩ። እንተ ደሊኺ ሽዑ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ክትዛረባ ትኽእላ ኢኽን።

ነዝዕታት (Flytningar) – ፈሳሲ ካብ ርሕሚ

እቲ ነዝዕታት ካብ ርሕሚ ዝወጽእ መላግ ፈሳሲ እዩ። እዚ ናብ ጻዕዳ ዘበለ ወይ ብርሁው ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ነዝዕታት እዚ ባህርያዊ እዩ። መዓልታዊ ነዝዕታት ክወጻኪ ልሙድ እዩ።

እቲ ነዝዕታት ንገሊኤን ምስ’ቲ ቅድሚ ምጥናሰን ክነጻጸር ከሎ ዝበዝሓን ዝሓፈሰን ክኸውን ይኽእል እዩ።

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ድሕሪ ምሕራስኪ ድሕሪ ሓደ ዓመት ጽግያትኪ ተመሊሱ ምስ ዘይመጻኪ ናብ ሕክምና ኪዲ።

ምስ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ወይ ሓደ ሓኪም ጥዕና ማህጸን (gynekolog) ርክብ ግበሪ።

እቲ ነዝዕታት ኣዝዩ ሕማቕ ሽታ ምስ ዝህልዎ ወይ ኣብ ብልዕትኺ ብዙሕ ምስ ዘሕክኸኪ ምስ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ርክብ ግበሪ። ምልክት ናይ ረኽሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ዘድሊ እንተ ዀይኑ ናበየናይ ሕክምና ከም ትኸዲ ክሕብራኺ ይኽእላ እየን።

እተን ኣለይቲ ሕሙማት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። .

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ኴንኪ ኣብቲ ናብ ኣገልግሎት ሕክምና ትገብርዮ ምብጻሓት ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ናይ ምብጻሕ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page