ጥንሲ

ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥሙ ልሙዳት ጸገማት

Vanliga besvär under en graviditet - tigrinska

ነፍሰ ጾር ኣብ እትህልውሉ እዋን ኣካላትኪ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጽሎ እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ከስዕብ ይኽእል። እቲ ጸገማት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሕርሲ ይጠፍእ እዩ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሒደት ካብቶም ኣዝዮም ልሙዳት ዝኾኑ ጸገማት ዝምልከት እዩ

Läs texten på svenska här.

ዕግርግር ክብለኪ ንቡር እዩ

ብዙሓት ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለዋሉ እዋን ዕግርግር ይብለንገሊኤን ድማ የምልሳ.

ኣዚኺ ክትደኽሚ ትኽእሊ ኢኺ

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኽሉ እዋን ድኻም ክስምዓኪ ንቡር እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ድኻም ብሰንኪ ዋሕዲ ደም ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ እያ እታ መሕረሲት ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትበጽኺ ከለኺ ንፍቕዲ ደምኪ (blodvärde) ትምርምሮ። እቲ ፍቕዲ ደም ኣዚዩ ትሑት ምስ ዝህሉ፡ ናይ ሓጺን ከኒና ክትወስዲ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ኣብ ከብድኺ ቃንዛ ክህልወኪ ይኽእል እዩ

ከብድኺ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከቐንዝወኪ ይኽእል እዩ። ማህጸን ስለ ዝዓቢ ዘሎን እቲ ቈልዓ ስለ ዝንቀሳቐስን። ከምኡ’ውን ምጭባጥን ምዝርጋሕን ማህጸን ገይሩልኪ ክህሉ ይኽእል።

ኣብ ጎሎኽን ሕቖኽን ቃንዛ ክህልወኪ ይኽእል እዩ

ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ ኣካላት ዘለዉ መላግቦታት ብዝያዳ ይልምልሙ እዮምቃንዛ ኣብ ከባቢ ጎሎኽ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖኽን ክገብረልኪ ይኽእል

ብቐሊሉ ጕንፋዕ ክሕዘኪ ይኽእል

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣካላትኪ ይዳኸም እዩኣብ ከምዚ ኵነት ብቐሊሉ ጕንፋዕ ክሕዘኪ ይኽእል

ኣጥባትኪ ተኣፈፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ

ኣብ መጀመርታ ጥንሲ ኣጥባት ይዓብዩ እዮም። ጸባ ምፍራይ ንኽኽእሉ ይዳለዉ።  

እዚ ኣብ ምሉእ እዋን ናይ ጥንሲ ኣብ ኣጥባትኪ ናይ ቃንዛን ምውጣርን ስሚዒት ክገብረልኪ ይኽእል እዩ።

ነዝዕታት (Flytningar) ካብ ርሕሚ

ኣብ እዋን ጥንሲ  ያዳ ነዝዒ ክፈሰኪ ንቡር እዩነዝዒ (Flytning)ካብ ርሕሚ ወጽእ ፈሳሲ እዩ

ድቃስ ክኣብየኪ ይኽእል እዩ

ኣብ እዋን ጥንሲ ድቃስ ክኣብየኪ ንቡር እዩ። እዚ ንኣብነት ክትድቅስሉ እትኽእሊ ምቹእ ኣደቓቕሳ ንኽትረኽቢ የሸግረኪ ይኸውን። ገሊኤን ነፍሰ ጾራት ብተደጋጋሚ ተንሲኤን ምሻን ከድልየን ይኽእል እዩ።

ምሽምቃቕ ጭዋዳ ኣብ ዳንጋ 

ገሊኤን ምሽምቃቕ ጭዋዳ ኣብ ዳንገኣን ገይሩለን ክበራበራ ይኽእላ። ሽዑ ንሓጺር ግዜ ብርቱዕ ቃንዛ ክገብረልኪ እዩ። ሓደገኛ ግን ኣይኮነን። 

ጠጠው እንተ ኢልኪ ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን እንተ ገደፈኪ ንዳንጋኺ ምድራዝ ክትፍትንዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣፍንጫኺ ክትዕበሲን ነስሪ ደም ክገብረልክን ይኽእል

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኽሉ እዋን ኣብ ኣካላትኪ ብዙሕ ፈሳሲ ኣሎ። እዚ ንልፋጫዊ መምብራና ከም ዝሓብጥ ስለ ዝገብር ብቐሊሉ ክትደምዪ ትኽእሊ።  

ንኣብነት ነስሪ ደም ክገብረሊ ይኽእል። ኣፍንጫኺ ክትዕበሲ እውን ንቡር እዩ። 

ርእስኺ ክብ ኣቢልኪ ደቅሲ 

ኣፍንጫኺ ምስ ትዕበሲ ርእስኺ ክብ ኣቢልኪ ክትድቅሲ ፈትኒ። 

ኣብ ኣፍንጫኺ ጨዋም ማይ (koksaltlösning) ምግባር እውን ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ። ካብ ቤት መድሃኒት ክትገዝእዮ ትኽእሊ ኢኺ። 

ሓኪም ዘይኣዘዞ ኣብ ኣፍንጫ ዝንፋሕ መድሃኒት (näsdroppar) ካብ ዓሰርተ መዓልቲ ንላዕሊ ምጥቃም ኣወግዲ።

ኣእጋርክን መራግጾ እግርን ክሓብጥ ይኽእል እዩ

ኣብ መወዳእታ እዋን ናይ ጥንሲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣእጋርን መራግጾ እግርን ይሓብጡ እዮም። ኣብ ከምዚ ኵነት ጨቢጡ ዝሕዝ ካልሲ (stödstrumpor) ክሕግዝ ይኽእል እዩ።  

ኣእጋርኪ ኣልዕል ኣቢልኪ ምድቃስ እውን ፈትኒ።

ቆርበት ይቀያየር

ንገሊኤን ኣብ ቆርበተን ምልክት ምጥጠት ይገብረለን እዩእዚ ኣብ ቆርበት ከም ናእሽቱ መስመራት ዝመስል እዩእዚ ምልክት ኣይጠፍእን እዩ ድሕሪ ሕርሲ ግን ክሃስስ ይኽእል እዩ

ጓሂ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ

ነፍሰ ጾር ምዃን ንኵነተ-ኣእምሮ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ገሊኤን ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ብቐሊሉ ይጉህያ ወይ ኩሉ ግዜ ጓሂ ይስምዓን።

ብዛዕባ ዝስምዓኪ ስምዒት ምስ መሕረሲት ተዛረቢ።

ጽርውሩው ክብለኪ ይኽእል እዩ

ኣብ መጀመርታ ናይ’ቲ ጥንሲ ጸቕጢ ደም ክትሕት ይኽእል እዩ። ሽዑ ጽርውሩው ክብለኪ ይኽእል እዩ። 

ኣብ ዳሕራይ እዋን ናይቲ ጥንሲ እቲ ጸቕጢ ደም መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ንቡር ይምለስ እዩ። 

እታ መሕረሲት ንጸቕጢ ደምኪ ብስሩዕ ክትመዝነኪ እያ።

ድርቐት

ኣብ እዋን ጥንሲ ድርቐት ክገብረልኪ ንቡር እዩDet är vanligt att få förstoppning under en graviditet. ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ መዓናጡ ብዝያዳ ቀስ ኢሎም ስለ ዝሰርሑ እዩ ማይ ምስታይን ምንቅስቓስን ኣይትረስዒ

ኣብነታት ናይ ካልኦት ጸገማት

ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥሙ ልሙዳት ዝኾኑ ተወሰኽቲ ሓደ ሓደ ጸገማት ኣብዚ እነሆ፦ 

  • ቃንዛ ኣብ ሕቖ 
  • ሃርሃርታ ሰራውር ደም 
  • ጀርባዶ (ኦሞሮዶዮ) 
  • ቀሓር 
  • ፈርፈርታ ልቢ 
  • ሕጽረት እስትንፋስ 
  • ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ።

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ምስ ትሻቐሊ ወይ ሕቶታት ዝህልወኪ ምስ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ህጹጽ ምስ ዝኸውን  

ኣብ ከብድኺ ብርቱዕ ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ግበሪ። 

ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ፦ 

  • ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ፡ ምስ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት።   
  • ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ፡ ምስ ሓደ ክፍሊ መወልዳን።

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።  እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ   

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ኣስተርጓሚ ናይ ምርካብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ክትሕዚ እንከለኺ፡ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page