ጥንሲ

ዕግርግር ኣብ እዋን ጥንሲ

Att må illa under graviditeten - tigrinska

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኽሉ እዋን ዕግርግር ክብለክን ከተምልሲን ንቡር እዩ። እዚ ዋላ’ዃ ደስ ዘይብል ይኹን፡ ንዓኺ ይኹን ነቲ ዕሸል ግን ዝጎድእ ኣይኮነን። ጽቡቕ ንኽስምዓኪ ክትገብርዮ ትኽእሊ ሓደ ሓደ ነገራት ድማ ኣሎ።

ምዒ ዕግርግር ኣብ መጀመርታ ጥንሲ ብዝያዳ ዝውቱር እዩ መብዛሕትአን ንስትዮ ኣብ ከባቢ መበል 20 ናይ ጥንሲ ሰሙን እቲ ናይ ዕግርግር ስሚዒት ይሓድገንገሊኤን ድማ ኣብ ምሉእ ናይ ጥንሲ እዋን ዕግርግር ይብለን

Du kan läsa texten på svenska här.

ከመይ ክስምዓኪ ከም ዝኽእል

ገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ሓደ እዋን ዕግርግር ክብለን ከሎ ካልኦት ድማ ኩሉ ግዜ ዕግርግር ይብለን። ሓደ ሓደ ጨናታት ነቲ ዕግርግር ከጋድዶ ንቡር እዩ። 

ገሊኤን ክሳብ ዘምልሰን ዕግርግር ከብለን ይኽእል እዩ። 

ካብንቡር ንላዕሊስምዒት ዕግርግር 

ገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ዕግርግር ይብለንን ኣዚዩ ብዙሕ ግዜ የምልሳን። ኣብ ከምዚ ኵነት ነቕጺ ከጋጥመንን ሕጽረት ናይ መኣዛ ክገብረለንን ሓደጋ ኣሎ።  

ክሳብ ክንድኡ ዕገርግር ዘብለኪ ምስ ዝኸውን ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሆስፒታል ክንክን ከድልየኪ ይኽእል እዩ። 

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

መብዛሕትኣን ኣብ እዋን ጥንሲ ዕግርግር ዘብለን ናብ ሕክምና ምካድ ኣየድልየንን እዩ። ሕቶ ምስ ዝህልወኪ ወይ ምኽሪ ምስ ዘድልየኪ ምስ ሓንቲ ማሕረሲት (barnmorska ) ተዛረቢ። 

መግቢ ወይ ፈሳሲ ምሓዝ ምስ ዘጸግመኪ ምስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ርክብ ግበሪ።  

ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ፦ 

  • ምስ ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን (barnmorskemottagning) 
  • ምስ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና 
  • ምስ ሓደ ክፉት ተረኛ ክሊኒክ። 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ። 

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ባዕለይ እንታይ ክገብር እኽእል?

ሓደ ሓደ ክሕግዝ ዝኽእል ምኽርታት እንሆ፦ 

  • ንጹህ ኣየር ውሰዲን ተንቀሳቐሲን። 
  • ኣዕርፊ።. 
  • ጭንቀት ኣወግዲ። 
  • ልክዕ ምስ ተበራበርኪ ገለ ነገር ክትበልዒ ፈትኒ። 
  • ጸጸኒሕኪ ብልዒ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ግዜ ግን ነናእሽቱ ዓቐን ብልዒ። 
  • ስቡሕ፡ ቀመም ዝበዝሖ ወይ ዝተጠብሰ መግቢ ኣወግዲ።  
  • ቁሩብ ጅንጅብል ዘለዎ ሻሂ ክትሰትዪ ወይ መግቢ ክትበልዒ ፈትኒ። 

ብዙሕ ተምልሲ እንተ ዄንኪ ቁሩብ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ምስታይ የድልየኪ እዩ።  

ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ 

ኣብ እዋን ጥንሲ ዕግርግር ክብለክን ከምልሰክን ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣድካሚ እዩ። ብዛዕባ እቲ ጸገማት ምስ ሰብ እንተ ተዛረብክሉ ዝሓሸ ከም ዝስምዓኪ ክገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት ምስ ሓንቲ መሕረሲት ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ሕክምና

ክሕግዝ ዝኽእል መድሃኒት ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ንኣብነት መድሃኒት ጸረ ሕማም ጕዕዞ (ብመኪና፡ መርከብ ወይ ነፋሪት ክትጕዓዝ ከለኻ ዝስምዓካ ዕግርግር) ክወስዱ ከለዉ ይሕሾም እዩ።  

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኽሉ እዋን ቅድሚ መድሃኒት ምጥቃምኪ ምስ ሓኪም፡ መሕረሲት ወይ ሰራሕተኛታት ቤት መድሃኒት ተዘራረቢ። 

ንገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ ፍወሳ ብኣኩፓንክቸር (Akupunktur) ክሕግዘን ይኽእል እዩ።  

ገሊኤን ኣብ ሆስፒታል ኣትየን ክንክን ከድልየን ይኽእል እዩ 

ካብ ንቡር ንላዕሊ ዕግርግር ዝብለክን ዘምልሰክን እንተ ኾይኑ ኣብ ሆስፒታል ኣቲኺ ክንክን ክግበረልኪ ከድልየኪ ይኽእል እዩ። ሽዑ ኣብ ደምኪ ብቐጥታ ዝኣቱ ብነጠብጣብ መኣዛ ትወሃቢ። 

ጠንቂ ስምዒት ዕግርግር ኣብ እዋን ጥንሲ እንታይ እዩ?

ምኽንያት ዕግርግር እቶም ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ ኣካላትኪ ዘለዉ ሆርሞናት እዮም። ገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ናይዞም ሆርሞናት ግብረ-መልሲ የርእያ። 

ደኺምኪ፡ ተጨኒኺ ወይ ዝኾነ መግቢ ኣብ ዘይበላዕክሉ እዋን እቲ ዕግርግር ክገድድ ይኽእል እዩ። 

ብፍላይ ካብ ሓደ ቈልዓ ንላዕሊ ጥንሲ ምስ ትሕዚ እቲ ስሚዒት ዕግርግር ብዝያዳ ልሙድ እዩ። 

ጐዳኢ ኣይኮነን 

ዕግርግር ክብለክን ከምልሰክን ንዓኺ ይኹን ነቲ ዕሸል ጐዳኢ ኣይኮነን። እቲ ዕሸል እቲ ዘድልዮ መኣዛ ይረክብ እዩ። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page