ሕርሲ

መዓስ እየ ናብ ክፍሊ መወልዳን ክኸይድ ዘለኒ?

När ska jag åka till förlossningsavdelningen? - tigrinska

ኣብቲ መጀመርታ ክፋል ናይ ሕርሲ ኣብ ገዛኺ ክትጸንሒ ኣዚዩ ልሙድ እዩ። ቃንዛ ሕርሲ ዝያዳ ምስ በርተዓን ብብዝሒ ብተደጋጋሚ ምስ መጸን፡ ናብ ክፍሊ መወልዳን ናይ ሆስፒታል ትኸድሉ ግዜ በጺሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ክፍሊ መወልዳን፡ ንቈልዓ ዝወልዳ ዝኸውን ክፍሊ እዩ።

ኵሉ ክፍሊ መወልዳን ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

Läs texten på svenska här.

ቅድሚ ናብኡ ምኻድኪ ተሌፎን ደውልሎም

ቅድሚ ናብ ክፍሊ መወልዳን ምኻድኪ ተሌፎን ደውልሎም።

ሽዑ ከም ትመጺ ፈሊጦም ክዳለዉ ይኽእሉ።

እታ ተዘራርበኪ መሕረሲት (Barnmorskan) ምኽሪ ክትህበኪ ትኽእል እያ። ሓደ ሓደ ግዜ ንቑሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ገዛኻ ምጽናሕ ዝሓሸ እዩ።

ናበይ እየ ክድውል?

ኣብዚ ኣብ ምሉእ ሽወደን ንዘለዋ ክፍሊ መወልዳን ትረኽብየን። እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ።

ምስ ኣየናይ ክፍሊ መወልዳን ከም ትራኸቢ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፡ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብኡ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ዝዛረባ ኣለይቲ ሕሙማት ይሰርሓ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ተለፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።

ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ትኸዲ እንተ ዄንኪ፡ ናበይ ከም ትድውሊ ሓበሬታ ክወሃበኪ እዩ።

እቲ ክትከድዮ ትደልዪ ክፍሊ መውልዳን ምሉእ ምስ ዝኸውን፡ ናብ ካልእ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።

መዓስ እየ ናብ ክፍሊ መወልዳን ክኸይድ ዘ`ለኒ?

ገለ ካብዚ ዝስዕብ ልክዕ ምስ ዝኸውን ናብ ክፍሊ መወልዳን ምኻድ ከድልየኪ ይኽእል እዩ፦

  • እቲ ቃንዛ ሕርሲ ብስሩዕ ምስ ዝመጽእን ብርቱዕ ቃንዛ ምስ ዝገብረልክን። ኣብ መንጎ ነፍስ ወከፍ ቃንዛ ሕርሲ ዘሎ ግዜ 2–3  ደቓይቕ ምስ ዝኸውን።
  • እቲ ቃንዛ ሕርሲ ኣስታት ሓደ ደቒቕ ንውሓት ምስ ዝህልዎ።
  • ቅድሚ ሕጂ ዝወለድኪ ምስ ትኾኒ እቲ ሕርሲ ክቕልጥፍ ይኽእል እዩ።
  • ናብ ክፍሊ መወልዳን ርሑቕ ምስ ዝከውን
  • ካብ ርሕሚ ማንታ ርእሲ ምስ ዝፈስስ። ብሕልፊ እቲ ፈሳሲ ሕማቕ ሽታ ዘለዎን ብናዊ ወይ ናብ ብናዊ ዝከደ ሕብሪ ምስ ዝህልዎ።
  • ብርሕሚ ደም ምስ ዝወጽእ።
  • ቀጻሊ ቃንዛ ምስ ዝገብረልኪ።
  • እቲ ቃንዛ ሕርሲ ብርቱዕ ዘይኮነ ግን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሓ ምስ ዝኸውን። ንኸተዕርፍን ሓይሊ ክትመልስን መድሃኒት ምውሳድ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

መዓስ ኢኺ ኣብ ክፍሊ መወልዳን ትጸንሒ?

ኣብቲ ክፍሊ መወልዳን ሓንቲ መሕረሲት ክትቅበለኪ ኢኺ።

እቲ ሕርሲ ብግቡእ ጀሚሩ እንተድኣ ኾይኑ ክትምርመሪ ኢኺ።

እታ መሕረሲት ንኣብነት እቲ ኣፍ ክሳድ ማህጸን ክንደይ ተኸፊቱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ክትምርምር እያ።

እታ መሕረሲት እቲ ሕርሲ ቅሩብ ግዜ ተሪፍዎ ኣሎ ኢላ ምስ እትግምግም፡ ተመሊስኪ ናብ ገዛ ምኻድ ከድልየኪ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ልሙድ እዩ።

ኣብ ገዛ እንታይ ክገብሪ ትኽእሊ?

ኣብ ገዛ እንታይ ክትገብሪ ከም ትኽእሊ ሓደ ሓደ ምኽርታት እንሆ፦

  • የዕርፊ ከምኡ’ውን ካብ ኣድካሚ ስራሕ ተቘጠቢ።
  • ሓይሊ ንኽትረኽቢ ብልዕን ስተይን።
  • ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ ትሕዝቶ ፓራሰታሞል ዘለዎ መድሃኒት ውሰዲ።
  • ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ ምድራዝን (ማሳጅ) ሙቐትን ተጠቀሚ። ንኣብነት ብውዑይ ማይ ነብስኺ ክትሕጸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ምሳኺ ሒዝክዮ ትኸዲ

ናብ ክፍሊ መወልዳን ዝኾነ ነገር ምምላእ ኣየድልየክን እዩ። እቲ ዘድሊ ነገራት ኣብኡ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ብዙሓት ኣብ ሻንጣ ናተን ነገራት ይማልኣ እየን።

ምሳኺ ሒዝክዮ ክትመጺ ናይ ትኽእሊ ገለ ኣብነታት እንሆ፦

  • ንዓኽን ንውላድክን ዝኸውን ክዳውንቲ
  • ገለ ጥዑም ዝብላዕ ነገር
  • መመወጺ ስኒ፡ መመሸጥን ንጽርየትኪ ዝኸውን ነገራትን።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page