ሕርሲ

ካብ ሆስፒታል ምውጻእን ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ መጀመርታ ግዜን

Att lämna sjukhuset och första tiden efter en förlossning - tigrinska

ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል ክንደይ ከም ትጸንሒ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ኣብ’ቲ ንስኽን እቲ ቈልዓን እንታይ ዓይነት ክንክንን ሓገዝን ከም ዘድልየኩም ዝተሞርኮሰ እዩ። ዋላ ምስ ውላድኪ ናብ ገዛኹም ምስ ከድኩም፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ምስ እቲ ሆስፒታል ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

Läs texten på svenska här.

እንተ ቐልጠፈ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓት ናብ ቤትኩም ክትከዱ ትኽእሉ

ኣብ ሆስፒታል ክንደይ ከም ትጸንሑ ዝውስኖ፡ ጥዕናኽን ጥዕና እቲ ቈልዓን እዩ። ከምኡ’ውን ንዓኽን ነቲ ቈልዓን ክንደይ ዝኣክል ሓገዝ ከም ዘድልየኩም ይውስኖ እዩ።

ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ ኵሉ ግዜ እንተ ወሓደ ንሽዱሽተ ሰዓታት ኣብ ሆስፒታል ክትጸንሒ ኣለኪ። እዚ፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና ምእንቲ ጥዕናኽን ጥዕና እቲ ቈልዓን ጽቡቕ ምህላዉ ንኸረጋግጹ እዩ።

ገለ ገለ ሓራሳት ንሒደት መዓልታት ምጽናሕ የድልየን እዩ።

ኣቐዲምኩም ናብ ቤትኩም ምስ እትኸዱ

ቅድሚ ሕጂ ዝወለድኪ እንተ ኴንኪ ቀልጢፍኪ ካብ ሆስፒታል ክትወጺ ኣዚዩ ልሙድ እዩ።

ቀልጢፍኩም ናብ ቤትኩም ዝኸድኩም እንተ ዄንኩም፡ ንመርመራ ክትምለሱ ከድልየኩም ይኽእል እዩ።

ቅድሚ ካብ ሆስፒታል ምውጻእኩም

ቅድሚ ካብ ሆስፒታል ምውጻእኩም፡ እተን ሰራሕተኛታት ምምጋብ ናይቲ ቈልዓ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ክምርምራ እየን። እዚ ምጥባው ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ወይ ንቈልዓ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ  ምሃብ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ክኸውን ይኽእል።

ምስ ዘድልየኪ ካብተን ሰራሕተኛታት ሓገዝን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ቅድሚ ናብ ቤትኩም ምኻድኩም እቲ ቈልዓ ክምርመር እዩ

ቅድሚ ናብ ቤትኩም ምኻድኩም ብሓደ ሓኪም ህጻናት እቲ ቈልዓ ይምርመር።

ናብ ገዛኹም ምስ ተመለስኩም ምስ BVC (ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ) ርክብ ግበሪ

ንገዛ ምስ ተመለስኩም ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ BVC ርክብ ግበሪ።

ኣብ BVC (ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ) ኵሉ ብዛዕባ ቈልዓ ክትፈልጥዮ እትደልዪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ንኣብነት ከመይ ጌርካ ንሓደ ቈልዓ ከም እትከናኸኖን ወላዲ ምዃን ከመይ ምዃኑን ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ((BVC) ትሰርሕ ኣላዪት ሕሙማት ነቲ ቈልዓ ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎን ከመይ ይዓቢ ከም ዘሎን ክትምርምሮ እያ።

ኣብ’ዚ ማእከላት ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክትረክብ ትኽእል። እቲ ሓበሬታታት ብሽወደንኛ እዩ።

ድሕሪ ናብ ቤትኩም ምምላስኩም ዝግበር መርመራታት

ናብ ቤትኩም ምስ ተመለስኩም እቲ ቈልዓ ኣብ BVC (ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ) ክምርመር እዩ።

ክትምርመሪ ኢኺ

ኵለን ቈልዓ ዝወለዳ ኣዴታት ድሕሪ እቲ ቈልዓ ምውላዱ ናብ መሕረሲት ንምብጻሕ ቆጸራ ይግበረለን እዩ። ኣብቲ ምብጻሕ ኣብ ውሽጢን ከባቢን ርሕምኺ ክትምርመሪ ኢኺ።

ገሊኤን ቅድሚኡ ምምርማር እውን ከድልየን ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ኣብ ምስ ሕርሲ ዝተተሓሓዘ ገለ መጉዳእቲ ዘጋጠመኪ ምስ ዝኸውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ነቲ ቈልዓ ኣብ ምምጋብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

ነቲ ቈልዓ ኣብ ምምጋብ ካብቲ ዝሓረስክሉ ሆስፒታል፡ ካብ BVC (ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ) ወይ ካብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራት ሓራሳትን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።  ኣብ ምጥባው ወይ ብቺቸቶ ምምጋብ ይሕግዙኺ።

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ገለ ካብ’ዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ግበሪ፦

  • እቲ ቈልዓ ምስ ዝሓምም።
  • ድሕሪ ሕርሲ ጸገማት ምስ ዝገብረልኪ።
  • ብዛዕባ ጥዕና እቲ ቈልዓ እንተ ተሻቒልኪ።

ድሕሪ ሕርሲ ኣብ’ተን ቀዳሞት ሸውዓተ መዓልታት ናብ ሕክምና ኪዲ

ድሕሪ ሕርሲ ኣብ’ተን ቀዳሞት ሸውዓተ መዓልታት ንስኺ ወይ እቲ ቈልዓ ሕክምና ምስ ዘድልየኩም፡ ናብ ሕክምና ኪዲ።
ምስቲ ዝሓረስክሉ ክፍሊ መወልዳን ወይ ሆስፒታል ርክብ ግበሪ።  ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት ናብ ሕክምና ኪዲ

ንስኺ ወይ እቲ ቈልዓ ሕክምና ምስ ዘድልየኩም ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ፦

  • ነቲ ቈልዓ፡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ, BVC።
  • ንዓኺ፡ ምስ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን።
  • ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና።
  • ምስ ተረኛ ክሊኒክ።

ህጹጽ ምስ ዝኸውን

ንሕክምና ናብ ሓደ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኪዲ

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ዘድሊ እንተ ኮይኑ ናበየናይ ሕክምና ከም ትኸዲ ክሕብራኺ ይኽእላ እየን።

እተን ኣለይቲ ሕሙማት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። .

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page