ጥንሲ

ኣልኮላዊ መስተን ጥንስን

Alkohol och graviditet - tigrinska

ነፍሰ-ጾር ከለኺ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዪ። ኣልኮላዊ መስተ ነቲ ኣብ ከብድኺ ዘሎ ህጻን ክጎድኦ ዝኽእል ትሕዝቶ ናይ ሓደገኛታት ባእታታት ኣለዎ። ኣልኮላዊ መስተ ካብ ምስታይ ንሙቁራጽ ከቢድ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኪ፡ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

Här kan du läsa den här texten på svenska.

ጥንሲ ንምሓዝ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ’ውን ኣልኮላዊ መስተ ክትሰትዪ የብልክን  
ኣልኮላዊ መስተ ጥንሲ ንምሓዝ ዝኸበደ ክገብሮ ይኽእል እዩ 

ባዕለይ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ተዘውትሪ እንተ ዄንኪ፡ ዘይምስታይ ዘይባህርያዊ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ።   
ይዅን’ምበር ልምድታትካ ምቕያር መብዛሕትኡ ግዜ ካብ’ቲ ትሓስቦ ንላዕሊ ዝቐለለ እዩ። 

ንዓኺ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለኪ ምቍራጽ ምስታይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።  

ግን ምቍራጽ ይከኣል እዩ። እቲ ዘገድስ ካብ ናትኪ ድልየት ዝተበገሰ ምስ ዝኸውን እዩ። 

ጥዕና ናይ’ቲ ቆልዓ ብዝተኻእለ መጠን ጽቡቕ ክኸዉን ኣለዎ ኢልኪ ምስ እትሓስቢ፡ ንሙቁራጽ ዝቐለለ ክገብሮ ይኽእል። እቲ ጥንሲ እውን ባዕሉ ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ከም ዘይትብህጊ ክገብር ይኽእል እዩ። 

ኣብ ኣካላት እንታይ እዩ ዘጋጥም?

ኣልኮላዊ መስተ ትሕዝቶ ናይ ሓደገኛታት ባእታታት ኣለዎ 

ኣልኮላዊ መስተ ክትሰትዪ ከለኺ ሓደገኛታት ባእታታት ናብ ደምኪ ይኣትዉ።  
ደምኪ ናብ መዳሕንቲ ይኣቱ እዩ። እቶም ሓደገኛታት ባእታ ካብ መዳሕንቲ ናብቲ ቈልዓ ይኣትዉ እዮም።  
እቶም ሓደገኛታት ባእታ ኣብቲ እቲ ህጻን ዝሰትዮ ማንታ ርእሲ እውን ይኣትዉ እዮም።  

ብተደጋጋምን ብዙሕ ዓቐንን ኣልኮላዊ ምስተ ክትሰትዪ ከለኺ እቲ ህጻን ንኽጕዳእ ዘሎ ተኽእሎ ዝዓበየ እዩ። 

ኣልኮላዊ መስተ ብኸምዚ ዝስዕብ ክጸልወኪ ይኽእል፦

ነፍሰ-ጾር ከለኺ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ትሰትዪ እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል፦ 

  • ጥንሲ ንኽኸይድ ወይ እቲ ህጻን ኣብ ማህጸን ንኽመውት ዘሎ ተኽእሎ ይዓቢ። 
  • እቲ ህጻን ከም ዝግብኦ ኣይዓብን። ስለዚ እቲ ህጻን ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ ዝደቐቐ ይኸውን። 
  • ሓንጎል ናይቲ ህጻን ክጕዳእ ይኽእል። እዚ ኣብ ባህሪ ናይቲ ህጻንን እቲ ህጻን ብኸመይ ከም ዝምዕብልን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። 

ሓደ ህጻን ብኣልኮላዊ መስተ ክጕዳእ እንከሎ fetalt alkoholsyndrom, FAS (ዕሸላዊ ምልክታት ሕማም ኣልኮላዊ መስተ) ተብሂሉ ይጽዋዕ። 

ብዝተኻእለ መጠን ጽቡቕ ምህላው

ኣብ እዋን ጥንስኺ ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኺ እንተ ዄንኪ ምናልባት ሕማቕ ይስምዓኪ ይኸውን። 
ከሕፍረካን ጣዕሳ ክስምዓካን ንቡር እዩ። 

እቲ ዘገድስ ግን ነቲ ህጻን ንኣልኮላዊ መስተ ብዝያዳ ዘይምቅልዑ እዩ።  
ካብ ሕጂ ጀሚሩ ብዝተኻእለ ምጠን ከመይ ገይሩ ጽቡቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ሕሰቢ። 

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንምቍራጽ ሓገዝ ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ ናብ ሕክምና ኪዲ።  
ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፦ 

  • ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን 
  • ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ እንተ ዄንኪ ኣስተርጓሚ ናይ ምርካብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ቆጸራ ክትሕዚ እንከለኺ፡ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።  

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደዊልኪ ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኺ ምኽሪ ምስ ትደልዪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ።  

እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ሽወደንኛን እንግሊዝኛን  ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቍጽሪ ተለፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ፍወሳ

ንስኺ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንምቍራጽ ዝኸብደኪ ሕክምና ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ  
 
ብዙሕ ዓይነት ፍወሳ ኣሎ  
ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ምኽራዊ ዝርርብ ምርካብ ልሙድ እዩ 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page