ምክንኻን ቈልዓ

መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደን ወሰኽ መኣዛዊ መግብን (tillskottsnäring)

Bröstmjölksersättning och tillskottsnäring - tigrinska

ጸባ ጡብ ኣደ ዘይረኽቡ ቈልዑ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ክወሃቦም የድሊ እዩ። ጸባ ጡብ ኣደ ከም ዝመስለ ተገይሩ እዩ ተሰሪሑ። እቲ ቈልዓ ልሙድ መግቢ ክበልዕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ክንዲ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ እቲ ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ ዝብሃል ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

ንሓደ ቈልዓ ከምዚ ጌርኪ ብቺቸቶ ትምግብዮ

ገሊኦም ቈልዑ ክልቲኡ ጸባ ጡብ ኣደን መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደን ክወህቡ ከለዉ ካልኦት ድማ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ጥራይ ይወሃቡ

Läs texten på svenska här.

መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ

ጸባ ጡብ ኣደ፡ ነቲ ቈልዓ ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘድልዮ ኵሉ ትሕዝቶ ኣለዎ። ብዝተኻእለ መጠን ምስ ጸባ ጡብ ኣደ ዝመሳሰል እዩ።  ይኹን’ምበር ልክዕ ከምቲ ጸባ ጡብ ኣደ ዝህቦ መከላኸሊ ጸረ ረኽሲ ኣይህብን እዩ። 

እቲ ብሽወደንኛ ”Bröstmjölksersättning” ማለት ”መተካእታ ጸባ ጡብ” ከም ”modersmjölksersättning” ማለት ”መተካእታ ጸባ ኣደ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እቲ መተካእታ እውን ከም ወሰኽ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ግን ”መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ” ተባሂሉ ኣሎ።

ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ (Tillskottsnäring)

እቲ ቈልዓ እንተ ቐልጠፈ ዕድሚኡ ካብ ከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ኰነ፡ ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ ክወስድ ክጅምር ይኽእል እዩ። እዚ ነቶም ልሙድ መግቢ ክበልዑ ዝጀመሩ ቈልዑ ይወሃብ። ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ፡ ነቲ ቈልዓ እንኮ መግቢ ንኽኸውን ተባሂሉ ዝተሰርሓ ኣይኮነን።  

ካብ ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ ንላዕሊ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ምሃብ ክትቅጽሊ እንተ መሪጽኪ፡ ከም’ኡ ክትገብሪ እውን ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ግን እቲ ቈልዓ ቁሩብ ተወሳኺ ሓጺን ክወስድ ከድልዮ ይኽእል እዩ።

ንኽወሃብ ፍቑድ ዝኾነ መተካእታ ጥራይ ተጠቀሚ

ነቲ ቈልዓ ንዕድሚኡ ተባሂሉ ዝተሰርሓ መተካእታ መግቢ ጥራይ እዩ ክወሃብ ዘለዎ። መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደን ወሰኽ መኣዛዊ መግብን ካብ ግሮሰሪ ወይ ቤት መድሃኒት ክትገዝኢ ትኽእሊ ኢኺ።   

ኣብ ሽወደን ፍቑድ ዝኾነ መተካእታ ጥራይ ተጠቀሚ። 

ምስ ማይ ዝሕወስ ከም ሓርጭ መልክዕ ዝተዳለወ መተካእታ መግቢ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ’ዉን ድሉዉ ዝተሓዋወሰ መተካእታ መግቢ’ዉን ኣሎ።

ቺቸቶን ጥርሙዝ ቺቸቶን

እቲ ብዝያዳ ዝውቱር መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ንቘልዓ ብቺቸቶ ጥርሙዝ ዝወሃብ እዩ። ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ቺቸቶን ጥርሙዝ ቺቸቶን ኣሎ።  

ነቲ ቈልዓ ዝሰማምዖ ዓይነት ፈቲንኩም ርኸቡ። 

ንቺቸቶን ጥርሙዝ ቺቸቶን ንዝምልከት ነዚ ዝስዕብ ኣብ ግምት እንተ ኣእተኹሞ ጽቡቕ እዩ፦  

  • እንተ ወሓደ 250 ሚሊ ሊተር ዝሕዝ ጥርሙዝ ምረጹ።  
  • ኣብ ቺቸቶ ነቓዕ ከይህሉ ርኣይዎ። 
  • እቲ ጥሙዝ እንተ ተላሕጺጹ ቀይርዎ። 
  • ምስ ዕድመ ናይቲ ቈልዓ ዝመጣጠን ዓቐን ዘለዎ ቺቸቶ ምረጹ።

ነቲ መተካእታ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ትሓዋውስዮ

መተካእታ ኣብ ትሓዋውስሉ እዋን ብዛዕባ ጽሬት ጥንቂቕቲ ክትኮኒ ኣገዳሲ እዩ።  

እዚ ዝስዕብ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ፦

  • መጀመርታ ኣእዳውኪ ተሓጸቢ። ከባቢኺ ጽሩይ ምህላዉ ኣረጋግጺ።  
  • ቺቸቶን ጥርሙዝ ቺቸቶን ጽሩይ ምህላዉ ኣረጋግጺ።
  • ዝሑል ማይ ካብ ቡምባ ተጠቀሚ። ካብ ዒላኺ እንተ ዄንኺ ማይ ትጥቀሚ፡ መጀመርታ ጽሬት ናይ’ቲ ማይ ምርግጋጽ ይግብኣኪ እዩ።
  • ኣብቲ መዓሸጊ ዘሎ ዓቐን ተኸተሊ። ዝበዝሓ ወይ ዝወሓደ ሓርጭ ኣይትውሰዲ።  
  • እቲ መተካእታ ልብጥ ዝበለ ክኸውን ኣለዎ። ሒደት ነጠብጣብ ኣብ ቅልጽምኪ ብምፍሳስ ዋዒ ናይ’ቲ ፈሳሲ ፈትኒ።
  • ነቲ መተካእታ ኣብ ማይክሮወይቭ ምውዓይ ኣወግዲ።
  • ንነፍስ ወከፍ መኣዲ ሓድሽ መተካእታ ወይ ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ ኣዳልዊ። ዝተሓዋወሰ መተካእታ እንተ ነውሓ ንሓደ ሰዓት ዕቖርዮ።

ነቲ ቈልዓ ብኸምዚ ኣገባብ ትምግብዮ

ነቲ ቈልዓ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ብቺቸቶ ትምግብዮ፦

  • ነቲ ቈልዓ ናብ ኣካላትኪ ኣጥቢቕኪ ሓዝዮ። ቆርበትክን ቆርበት እቲ ቈልዓን እንተ’ተተናኸፈ ዝበለጸ እዩ።
  • በቲ ቺቸቶ ጌርኪ ናይቲ ቈልዓ ኣፍ ተንክፍዮ። እቲ ቈልዓ ኣፉ ከፊቱ ነቲ ቺቸቶ ክደልዮ ከሎ ነቲ ቺቸቶ ኣብ ኣፍ ናይቲ ቈልዓ ኣእትውዮ።
  • ብምልኡ ጫፍ ናይ ቺቸቶ ምእንቲ ክመልእ ነቲ ጥርሙዝ ኣቕንንዮ። እንተ ዞይኮነ እቲ ቈልዓ ንፋስ ክውሕጥ ይኽእል እዩ።
  • ንቺቸቶ ከየንቀሳቐስኪ ብምሓዝ፡ እቲ ቈልዓ ናህሪ ባዕሉ ክውስን ግደፍዮ። እቲ ቈልዓ ዕረፍቲ ምስ ዘድልዮ ዕረፍቲ ውሰዱ።
  • እቲ ቈልዓ ክሳብ ባዕሉ ጫፍ ቺቸቶ ዝገድፎ ክጠቡ ግደፍዮ።

ንጥርሙዝ ቺቸቶን ጫፍ ቺቸቶን ብከምዚ ዝስዕብ ጌርኪ ተጽርይዮ

ንጥርሙዝ ቺቸቶን ጫፍ ቺቸቶን መሕጸብ ኣቑሑት ሳሙና ኣብ ውዑይ ማይ ብምእታው ሕጸብዮ።

ንጥርሙዝ ኣብ መሕጸቢት ብያቲ ማሽን ክትሓጽብዮ ትኽእሊ ኢኺ። ነቲ ጫፍ ቺቸቶ ግን ኣብኡ እንተ ዘይሓጸብክዮ ይምረጽ።

ምኽርን ሓገዝን ምስ ዘድልየኪ

ብጥርሙዝ ቺቸቶ ምምጋብ ክሳብ ከምቲ ዝድለ ዝኸውን ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩትዕግስቲ እውን ከድልየኪ እዩሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ወይ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (BVC) ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ ኣብ ዘላ ቀዳመይቲ ሰሙን ምስ ክፍሊ መወልዳን (BB) ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page