Undersökningar och prover - ምርመራታት/ቅምሶታት

መርመራ መዓንጣ ብሲግሞይዶስኮፒ

Sigmoideoskopi-andra språk - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

sigmoideoskopi ክትገብሩ ቀሪብኹም ኣለኹም፡ ሲግሞይዶስኮፒ መርመራ ታሕተዋይ ክፋል መዓንጣ እዩ። ብመንገዲ መኽፈቲ መሃንቱስ ኣቢሉ ብዝተኣታተወ ልስሉስ ቱቦ እዩ ዝግበር። እቲ ምርመራ ምእንቲ ክፍጸም ኣቐዲምኩም ንነብስኹም ከተዳሉ ኣገዳሲ እዩ።

ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ይኹን ዝምልከተኩም እንተኾይኑ ቅድሚ እቲ ፈተና ኣጸቢቕኩም ክትረኽቡና ይግባእ:

ካብዞም ዝስዕቡ መድሃኒታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ትጥቀም:

  • waran
  • pradaxa
  • xarelto
  • eliquis
  • lixiana.

ብድሕሪኡ ምስ antikoagulationsmottagningen ትራኸቡ። ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 66 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ይኹን ንዓኹም ዝምልከት እንተኾይኑ:

  • ፔስሜከር ኣለኹም
  • plavix/Clopidogrel ትወስዱ ኣለኹም
  • efient ትወስዱ ኣለኹም
  • brilique ትወስዱ ኣለኹም
  • ጠኒስኪ ወይ ጥንስቲ ከምዝኾንኺ ይመስለኪ።

ምስ endoskopienheten ክትራኸቡዎ ይግባእ ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 03 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ንመርመራኹም ምድላው

እዚ ቅድሚ ፈተና ኣብ ገዛኹም ክትገብሩዎ ዝግበኣኹም እዩ።

ከምቲ ልሙድ ክትበልዑን ክትሰትዩን ትኽእሉ ኢኹም ከምኡ’ውን ብዘይካ ውሑዳት መድሃኒታትኹም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

  • ቅድሚ 5 መዓልታት መርመራ፡ NSAID ዝዓይነቱ ናይ ቃንዛ መድሓኒት ክትጥቀሙ የብልኹምን። ካብዚኦም voltarenን iprenን treoን diklofenakን ይርከብዎም።
  •  ቅድሚ መርመራ 5 መዓልቲ፡ ጽማቝ ሓጺን ክትወስዱ የብልኹምን።
  • ቅድሚ እቲ መርመራ መዓንጣኹም ክጽረግ ኣለዎ። መሕጸቢ መድሃኒት ፡klyx lavemang 240 ሚሊሊተር፡ቅድሚ መርመራ ምሸት ብምውሳድ ከምኡ ትገብሩ። ኣብ ፋርማሲ ክዕደግ ይከኣል።
  •  ቅድሚ መርመራ 2 ሰዓታት ካልእ klyx lavemang ክትወስዱ ኢኹም። ብዛዕባ እቲ ኢነማ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም፡ በጃኹም ን endoskopienheten ተወከሱ።

ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 03 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

To the top of the page