Undersökningar och prover - ምርመራታት/ቅምሶታት

መርመራ መዓንጣ ብኮሎኖስኮፒ

Koloskopi I Västerbotten - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

koloskopi ክትገብር ቀሪብኹም ኣለኹም፡ ኮሎኖስኮፒ ብመሃንቱስ መኽፈቲ ኣቢሉ ልስሉስ ቱቦ ብምእታው ዝግበር መርመራ መዓንጣ እዩ። እቲ ምርመራ ምእንቲ ክፍጸም ኣቐዲምኩም ንነብስኹም ከተዳሉ ኣገዳሲ እዩ። ኣምዑትኹም ጽሩይ ክኸውን ኣለዎ።

ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ንዓኹም ዝምልከት እንተኾይኑ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ክትረኽቡና ይግባእ:

ካብዞም ዝስዕቡ መድሃኒታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ትጥቀም:

  • waran
  • pradaxa
  • xarelto
  • eliquis
  • lixiana.

ብድሕሪኡ ናብ antikoagulationsmottagningen ክትድውሉ ይግባእ። ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 66 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።


ካብዞም ዝስዕቡ ዝኾነ ይኹን ንዓኹም ዝምልከት እንተኾይኑ:

  • ፔስሜከር ወይ ካልእ ኤሌክትሮኒካዊ ምትካል ኣለኹም#
  • plavix/Clopidogrel ትወስዱ ኣለኹም
  •  efient ትወስዱ ኣለኹም
  • brilique ትወስዱ ኣለኹም
  •  ጠኒስኪ ወይ ጥንስቲ ከምዝኾንኺ ይመስለኪ።

ምስ endoskopienheten ክትራኸቡዎ ይግባእ ብስልኪ ቁጽሪ 090-785 93 03 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ፈተና ኣብ Skellefteå ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ብ 090- 785 91 50 ክትድውሉ ይግባእ ኣብ Lycksele ክትገብርዎ እንተኾይንኩም ድማ ብ 090- 785 44 60 ክትድውሉ ይግባእ።

ንመርመራኹም ምድላው

እዚ ቅድሚ ፈተና ኣብ ገዛኹም ክትገብሩዎ ዝግበኣኹም እዩ።

ቅድሚ መርመራ 5 መዓልታት

  •  ጽሕግን ዘርእን ዘለዎ መግቢ ክትበልዑ ኣይፍቀደልኹምን እዩ። ንኣብነት ምሉእ መግቢ ባኒ፡ ሱር ኣሕምልቲ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ክኸውን ይኽእል።
  •  ናይ ሓጺን መድሓኒት ኸይክትወስዱ ትከዕሉ ኢኹም።
  •  NSAID ዝዓይነቱ ናይ ቃንዛ መድሓኒት ክትጥቀሙ የብልኹምን። ካብዚኦም voltarenን iprenን treoን diklofenakን ይርከብዎም።

ቅድሚ እቲ ፈተና ዘሎ መዓልቲ

  •  ቁርስን ምሳሕን ከምቲ ልሙድ ምብላዕ። ድሕሪ ሰዓት 12 ግን ዝኾነ ነገር ኣይትብልዑ።
  • ካብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚርኹም መሕጸቢ መድሃኒት ክትሰትዩ ክትጅምሩ ይግባእ። ሓደ ዓይነት ጨው ኮይኑ ኣብ ፋርማሲ ክትረኽቡዎም ትኽእሉ። ድሮ ነቲ ዘድልየኩም ናይ ኤሌክትሮኒክስ ትእዛዝ ኣለኩም። ነፍሲ ወከፍ ቦርሳ ናይቲ ወኪል ኣብ ሓደ ሊትሮ ውዑይ ማይ ኣፍስሶ።
  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቒቕ ሓደ ብርጭቆ ስተዩ። ምሉእ መጠን 4 ሊትሮ ኣብ ውሽጢ 6 ሰዓት ክትሰትዮ ኣለኹም።
  • ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንጹር መስተታት ከም ማይ፡ መረቕ፡ ንጹር ሾርባ፡ ጽማቝ ብዘይ ፓልፕ፡ ንጹር ጽማቝ፡ ሶዳ ወይ ንእሽቶ መጠን ጸሊም ቡን ወይ ሻሂ ክትሰትዩ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ድሕሪ 1-3 ሰዓት ውጽኣት ኸስዕብ እዩ።

ኣብታ መርመራ ዝተገብረላ

  • ንግሆ 2 ሊትሮ ተወሳኺ ናይቲ መሕጸቢ ክትሰትዩ ይግባእ።
  •  መግቢ ክትበልዑ ኣይፍቀደልኹምን እዩ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ መርመራ ንጹር መስተ ክትሰትዩ ትኽእሉ ኢኹም።
  •  እንተደሊኹም ዲክስትሮስ ክትበልዑ ትኽእሉ ኢኹም። 

እዚ እዩ ኣብ ምርመራ ዝፍጸም

  •  ኣብ ቅልጽምኹም መርፍእ ክትረክቡ ኢኹም። ኣብ ሰራውር ደም ዝኣቱ ቀጢን ሻምብቆ እዩ። ኣብኡ ድማ መደንዘዚ ወይ መቐነሲ ቃንዛ እንተደሊኹም ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ናብ ሕሙም ካምቻ ክትቀየሩ ኢኹም።

ድሕሪኡ እንታይ ይኸውን?

  • ድሕሪ መርመራ ከም ልሙድ ከም ብሓድሽ ምብላዕን ምስታይን ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም።
  •  መድሃኒት እንተተቐቢልኹም ን24 ሰዓታት መኪና ክትዝውሩ ኣይፍቀደልኹምን እዩ።
To the top of the page