መምርሕታትን መሰላትን

ካሕሳ ኣብ ጊዜ መጕዳእቲ ክንክን-ሕማም

Ersättning vid vårdskada - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

Läs texten på svenska här

ኣብ ጊዜ ክንክን-ሕማም፡ ኪውገድ ዚኽእል ዝነበረ መጕዳእቲ እንተ ኣጋጢሙካ፤ ናይቲ ዝወረደካ ስቓይ፡ ተደራቢ ወጻኢታት ወይ ውን ዘስዓበልካ ነባሪ ስንክልና (invaliditet)፤ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ብመሰረት ”ሕጊ መጕዳእቲ-ተሓከምቲ” (patientskadelagen) ዝተኻኸል እዩ። በዚ ምኽንያት ’ዚ ድማ፤ ኩሎም ወሃብቲ-ሕክምናን፤ ኣፍረይቲ-መድሃኒት ትካላት፤ ውሕስነት-ተሓከምቲ ክህልዎም ይግባእ እዩ።

ነቲ ምስ ምርመራ-ጥዕና፡ ክንክን-ሕማም ወይ ሕክምናዊ ኣተሓሕዛ፡ ዘጋጥመካ መጕዳእቲ - ዋላኳ እቲ ጕድኣት ብመን ከም ዝተፈጸመ ክረጋገጽ እንተ ዘይተኻእለ፤ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ምኽንያት መጕዳእቲ፤ ብጕድለት መሳርሒ-ሕክምና፡ ብግጉይ-መነጸርታ ወይ ብግጉይ ትእዛዝ-መድሃኒት፡ ብዘጋጠመካ ገለ ዓይነት ረኽሲ ወይ ሓደጋ፤ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ገለ እዋናት፡ ሓደጋታትን ምትሕልላኻትን ክትውግዶም ኣይክኣልን እዩ። ኣብዚ ኩነታት ’ዚ ግን፤ ካሕሳ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዝተኣዘዘልካ ቅኑዕ መድሃኒት ንዘጋጥም ጐድናዊ ሳዕቤናት ወይ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ባክተርያታት ንዘጋጥመካ ረኽሲ ‘ውን ከምኡ እዩ።

ምልክታ-መጕዳእትን ብዛዕብኡ ዚግበር መጽናዕትን

መታን ካሕሳ ክወሃበካ ክኽእል ግን፤ ናይቲ ዘጋጠመካ መጕዳእቲ፡ ወይ ንስኻ ባዕልኻ ወይ ብሓገዝ ሰራሕተኛታት ናይቲ ክንክን-ሕማም፤ ናብቲ ውሕስነት-ተሓከምቲ (Patientförsäkringen Löf) ምልክታ ክቐርብ ይግባእ። እቲ እተቕርቦ ምልክታ፤ ብሓደ ኣብ lof.se ወይ ኣብ ቤትስልጣን ኮሚቴ-ተሓከምቲ (patientnämnden) ዚርከብ፤ ፍሉይ ኦርኒክ ብምምላእ ክትግበር ይክኣል።

 ብብሕቶም ዚሰርሑ ግላውያን ዶክቶራትን፤ ሓካይም-ስኒን ድማ፤ ኣብ ግላውያን ናይ ውሕስነት ኩባንያታት፤ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሕስነት ኣሎዎም እዩ። ኣበየነይቲ ትካል ውሑሳት ምዃኖም፤ ሓበሬታ ክህቡ ድማ፡ ግዴታ ኣሎዎም እዩ። 

To the top of the page