ጥንሲ

ባህላዊት ክኢላ – ንጥኑሳት ዚውሃብ ደገፍ

Kulturdoula - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

እተን ኪሓርሳ ዚቐረባ ደቀኣንስትዮ፡ ካብ ባህላዊት ክኢላ ሓገዝን ደገፍን ኪረኽባ ይኽእላ እየን። ባህላዊት ክኢላ፡ ከምቲ እትዛረብዮ ቛንቋ እትዛረብን ከም ናትኪ ባህሊ ዘለዋን ጓልኣንስተይቲ እያ። ብገዛእ-ርእስኻ ናይ ምሕራስ ተሞክሮ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ሕርሲ እንታይ ከምዘጋጥምን ድሕሪ ሕርሲ ብዛዕባ ዘለዋ ናይ ፈለማ መዓልታትን ዚምልከት ሓበሬታ ድማ ክትህበኪ እትኽእል እያ።

Läs texten på svenska här.

ንባህላዊት ክኢላ ዝገለጽ ናይ ስዊድንኛ ቃል፡ kulturdoula እዩ።

ባህላዊት ክኢላ፡ ኲሉ ግዜ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰልጠነት እኳ እንተዘይኮነት፡ እቶም ሞያውያን ክንክን ጥዕና ንዚብልዎ ነገር ንኽትርድእዮ ግን ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ።

ምስ ባህላዊት ክኢላ፣ ስዊድንኛ ክትዛረቢ ዘይትኽእሊ እንተዄንኪ ድማ ምስ ኣስተርጓሚ ክትራኸቢ መሰል ኣለኪ።

ባህላዊት ክኢላ ክህልዋ እትኽእል ጓልኣንስተይቲ መን እያ፧

ጥንስቲ እንተዄንኪ፡ እሞ ኸኣ ሓንቲ ካብዘን ዚስዕባ ቛንቋታት፥ ዩክረይንኛ፡ ሩስያኛ፡ ሶማልኛ፡ ዓረብኛ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ዳሪ፡ ፋርሲ፡ ባዲናኒ፡ ኩርማንጂ፡ ሶራኒ ወይ ኡርዲ እትዛረቢ እንተዄንኪ፡ ምስ ባህላዊ ክኢላ ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ብባህላዊት ክኢላ ዚውሃብ ደገፍ፡ ብዘይ-ክፍሊት ብናጻ እዩ።

ምስ ባህላዊ ክኢላ ክራኸብ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ንፈለማ እዋን ኣብ መሕረሲት ንኽትርኣዪ ኣብ እትኸድሉ ግዜ፡ ብዛዕባ ባህላዊት ክኢላ ዚምልከት ምሉእ ሓበሬታ ክትውሃቢ ኢኺ።

ካብ ባህላዊት ክኢላ ደገፍ ክትቅበሊ ዚጥዕም እንተኾይኑ፡ ምስ መሕረሲት ኴንኪ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት፡ ኣብ መሕረሲት ኣብ እትርኣይሉ ዝቕጽል ግዜ፡ ምስ ባህላዊት ክኢላ ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ካብ ባህላዊት ክኢላ ክረኽቦ ዝኽእል ዓይነት ደገፍ እንታይ እዩ፧

ኣብ እዋን ጥንሲ ዚውሃብ ደገፍ፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ዚውሃብ ደገፍ ከምኡውን ኣብቲ ንዝወለድክዮ ዕሸል ኣብ ናይ ፈለማ እዋናት እትኣልይሉ ግዜ ዚውሃብ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

እዛ ክኢላ፡ ክንክን ጥዕና ኣብ ስዊድን ከመይ ከምዝሰርሕን ክትገልጸልኪ ከምኡውን እቶም ሞያውያን ክንክን ጥዕና ዝገልጹልኪ ነገር ንኽርድኣኪ ክትሕግዘኪ ትኽእል እያ።

እዛ ክኢላ፡ ኣብ እትገብርዮ ዚተፈላለየ ምብጻሓትን መርመራታትን ምሳኺ ብሓባር ኺትከይድ ትኽእል እያ። ኣብዚ ዚስዕብ ኪኸውን ይኽእል እዩ፥

  • ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ መሕረሲት ንኽትርኣዪ እትገብርዮ ምብጻሕ።
  • መርመራታት ማሕጸን ወይ ካብ ማሕጸን ዚውሰድ መርመራ ነጸርታ ማህጸን
  • ክትሓርሲ ኣብ ዝቐረብክሉን ኣብ እትሓርስሉን እዋን። 
  • ብጉጅለታት ኣብ ዝውሃብ ደገፍ ኣተዓባብያ-ቆልዑ ዘተኮረ ምኽሪ።
  • ናብ ማእከል ክንክን ቆልዑ ዚግበር ምብጻሓት።

ባህላውያን ክኢላታት ምስጢር ንኽሕልዉ ይምሕሉ እዮም

ካብ ባህላዊት ክኢላ እትሰምዕዮ ወይ ንዓኣ እትህብዮ ሓበሬታ ዚምልከት ኲሉ ነገር፡ ጥቡቕ ብዚኾነ ምስጢር ከምዚተሓዝ ኪኸውን እዩ። ካብ ባህላዊት ክኢላ እትሰምዕዮ ወይ ንዓኣ እትህብዮ ሓበሬታ ዚምልከት ኲሉ ነገር፡ ጥቡቕ ብዚኾነ ምስጢር ከምዚተሓዝ ኪኸውን እዩ።

To the top of the page