እኩብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብትግርኛ
ክታበት ጸረ ኮቪድ-19
Vaccination mot covid-19 - tigrinskaኮቪድ-19 ሓደ ተላባዒ ሕማም እዩ። ክታበት ብብርቱዕ ንኸይትሓምም ወይ በዚ ሕማም ንኸይትመውት ተወግደሉ ዝበለጸ ኣድማዕነት ዘለዎ ኣገባብ እዩ።

እቲ ትነብረሉ ዞባ እዩ ሓላፍነት ናይዚ ክታበት ዘለዎ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ እንታይ ከም ዘገልግል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።
ንኽታበት ጸረ ኮቪድ-19 ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ።
ክትክተብ እንተ ዄንካ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን።
ኣብዚ ጽሑፍ ዘሎ ሓበሬታ ንቈልዑን ዓበይትን ዝምልከት እዩ።