ክታበት ኣንጻር ኢንፍሉዌንዛ
Vaccinera dig mot influensa - tigrinskaThe content concerns Västerbottenኢንፍሉዌንዛ ብቫይረስ ዝመጽእ ኮይኑ ኣዝዩ ተላባዒ እዩ። ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ ኣብ ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ እዋን ክረምቲ ልሙድ እዩ። እቲ ቫይረስ ብኣየር ዝመሓላለፍ ኮይኑ ልዕሊ ኹሉ ዝሓመመ ሰብ እንተሰዓል ወይ እንተሃንጢሱ ይላባዕ። ብምኽታብ ካብ ኢንፍሉዌንዛ ንነብስኹም ክትከላኸለሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሓደ እዋን ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሕማማት ክትክተቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ገለ ሰባት ብኢንፍሉዌንዛ እንተ ተለኺፎም ከቢድ ሕማም ክሓምሙ ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ ድማ ጽቡቕ ዝኾነ መከላኸሊ ኣንጻር ኢንፍሉዌንዛ ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ፤ ክታበት ክወስዱ ድማ ይምከር።
መን እዩ ኣብ ክረምቲ 2024 ክኽተብ ዝምከር?
ካብዞም ዝስዕቡ ነገራት ገለ እንተሃልዩኩም ክታበት ክትወስዱ ይምከር፦
- ንስኻትኩም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ትመልኡ ዘለኹም።
- ጥንስኪ ኣለኪን ን12 ሰሙናት'ውን ከምኡ ኢኺ።
- ሕማም ወይ ካልእ ነገር ኣለኩም እዚ ድማ ንሓደጋ ብኸቢድ ናይ ምሕማምኩ ይውስኽ። እዚ ካብ 6 ወርሒ ዕድሚኡ ጀሚሩ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት እዩ።
- ምስ ሓደ ኣዝዩ ዝተዳኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዘለዎ ሰብ ሓቢርኩም ትነብሩ
ከቢድ ሕማም ንኽሓምም ዝገደደ ሓደጋ ከጋጥመኒ ዝኽእል እንታይ እዩ?
ንስኹም ብኢንፍሉዌንዛ ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋኹም ይውስኽ፦
- ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ኣለኩም፣ እዚ ድማ ንስትሮክ እውን የጠቓልል።
- ናይ ሳንባ ሕማም ኣለኩም ንኣብነት ከቢድ ኣዝማ።
- ሕማም ሽኮር ኣለኩም።
- ናይ ምክልኻል ዓቕምኹም ብሰንኪ ሕማም ወይ ሕክምና ኣዝዩ ዝተዳኸመ እዩ።
- ሕማም ጉበት ወይ ኩላሊት ኣለኩም።
- ኣዚዩ ብጣአሚ ገጂፍ ኢኹም።
- ሕማም ኒውሮሙስኩላር ኣለኩም እዚ ድማ ንኣተነፋፍሳኹም ይቸግረኩም እዩ።
- ብዙሕ ኣካላዊ ጉዳኣታት ኣለኩም።
- ዳውን ሲንድሮም ኣለኩም።
እቶም ለበዋታት ንዓኹም ከም ዓብይ ሰብ፣ ከምኡ’ውን ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት ይምልከት።
ንስኻትኩም ብኻልእ ምኽንያት ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋኹም ዝለዓለ ደረጃ ዘለኩም ክትክተቡ ይምከር። እቲ ገምጋም ዝገብር ሓኪምኩም እዩ።
ምስ ሓደ ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋ ዘለዎ ሰብ ሓቢርኩም ትነብሩ እንተኾንኩም፣ ንዕኡ ንምክልኻል ኣንጻር ኢንፍሉዌንዛ ክትክተቡ ይምከር። እዚ ንዓኹም እውን ይምልከተኩም እዩ ኣብ ከባቢ ሓደ ብኸቢድ ክሓምም ዝኽእል ሰብ ትሰርሑ እንተኾንኩም።
በብዓመቱ ክትኽተብ ኣለኩም
ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ ካብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዘሎ ቫይረስ ኢንፍሉዌንዛ ተኸላኺልኩም ኣለኹም። ክታበት ኣብ ዓመት ክውሰድ ኣለዎ፣ ካብ ቫይረስ ንምክልኻል።
ክታበት ኣንጻር ኒሞኮከስ
ክታበት ኢንፍሉዌንዛ ክትወስዱ ዝተመከረኩም ሰብ እንተድኣ ኮይንኩም ክትወስዱዎ ዝግብኣኩም ካልእ ክታበት
ኣሎ።
እዚ ክታበት ኣንጻር እቲ ኒሞኮከስ ዝበሃል እዩ። ኒሞኮከስ ናይ ባክተርያ ዓይነት ኮይኑ ብኒሞንያ ኣዝዩ
ክሓምመኩም ዝኽእል እዩ።
ነፍሰጾር ዲኺ፣ ኣንጻር ኒሞኮከስ ምኽታብ ኣየድልየክን እዩ።
ክታበይ ካበይ ክረክብ ይኽእል?
ኣብ ማእከል ጥዕና ወይ ኢንፈርማሪ ትኽተቡ። ኣብ Skellefteå ትነብሩ እንተድኣ ኮይንኩም፣ ክትባትኩም ኣብ
ማእከላይ ማእከል ክታበት Vaccinationscentrum Skellefteå ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣረጋዊ እንተድኣ ኮይንኩም ከምኡ'ውን ኣብ ኣረጋውያን መንበሪ ገዛ ትነብሩ እንተድኣ ኾይንኩም ከምኡ'ውን 24
ሰዓታት ሰራሕተኛታት እንተድኣ ኣለዉ ኣብኡ ክትክተቡ ኢኹም። ብሽወደንኛ ድማ särskilt boende ይብሃል።
እቲ ክታበት ብኸምዚ ይፍጸም
እቲ ክታበት ኢንፍሉዌንዛ ብሲሪንጅ ክትወስዱ ኢኹም። እቲ መርፍእ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ክሳድ እዩ
ዝወሃብ። ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ክታበት ኣብ ታፋኦም እዩ ዝወሃብ።
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያትን፡ ብመልክዕ ናይ ኣፍንጫ ስፕሬይ ክታበት ኣሎ።
ድሕሪኡ ኣብቲ መርፍእ ዝወሰድኩሉ ቦታ ቁሩብ ቀይሕን ዕብየትን ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ። ቁሩብ'ውን
ክስምኣኩም ይኽእል እዩ። ትኩሳት፣ ሕማም ርእስን ቃንዛ ጡንቻን ክመጸኩም ይኽእል እዩ። ቆልዑት ናይ መግቢ
ድሌት ክቅንስን ተቅማጥ ክህልዎምን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸገማት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት
ይሓልፍ።
መዓስ ክኽተብ ዘይግባእ?
ትኩሳት እንተሃልዩኩም ክትክተቡ የብልኩም።
ጥንስን ጡብ ምጥባውን
ንስኻትኩም ነፍሰጾር ዝኾንኩም ብኢንፍሉዌንዛ ኣዝዩ ክትሓምሙ ትኽእሉ ኢኹም። ንዓኹን ንውላድኹምን ንምክልኻል፣ ክታበት ክትወስዱ ይምከር።
ኣብ ማህጸን ንዘሎ ህጻን ዝጎድእ ኣይኮነን። እቲ ክታበት ነቲ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ጽቡቕ መከላኸሊ እውን ይህቦ።
ዋላ'ውን ጡብ ምጥባ ትህቡ እንተሃሊኹም ክታበት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። እንተወሓደ 12 ሰሙናት ጥንሲ
ምስ ሓዝኩም ክትኽተቡ ይመኽረኩም። ብተወሳኺ ሓኪምኩም ከም ዘድልየኩም እንተ ወሲኑ ኣቐዲምኩም ክትክተቡ ክምከረኩም ይኽእል እዩ።
እንታይ ዋጋ ኣለዎ?
ኣብ Västerbotten፣ እቲ ክታበት ነቶም ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋ ክቃልዑ ዝኽእሉ ሰባት ብነጻ እዩ።
ምስ ሓደ ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋ ዘለዎ ሰብ ትነብሩ እንተኾይንኩም ወይ ድማ ነቲ ክታበት ክትወስዱ ዘይተመኸረ ሰብ እንተኾይንኩም ግን ገና ክትክተቡ እንተደሊኹም SEK 350 ምክፋል አለኩም።
እንተ ሓሚምኩም
ክታበት ወሲድኩም እኳ እንተለኹም፣ ኢንፍሉዌንዛ እንተ ሂዝኩም፣ ምልክታት ሕማምኩም ቀሊል እዩ።
ትኩሳትን ሕማምን ክሳብ ዝስምዓኩም ኣብ ገዛ ኮፍ በሉ። ካልኦት ከይትሓምሙ ንምክልኻል ኣብ ሰኣልኩምን ሕንጥስኩምን አብ ክሳድኩም ግበሩ ካኡ ብዙሕ ግዜ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
ኢንፍሉዌንዛ እንተ ኣጋጢሙኩምን ንኽታበት ዝምከር ሰብ እንተኾይንኩም ምኽሪ ንምርካብ ምስ ጥዕና ማዕከል ክትራኸቡ ኣለኩም።
ኣብ ሓልዮትኩም ተጽዕኖ ግበሩን ተሳተፉን
ናይ ጥዕና ማዕከል ሰራሕተኛ እንታይ ከምዝብለኩ ክትርድኦን ኣገዳሲ እዩ። እንተዘይተረዲእኩም ሕቶታት ሕተቱ። ሽወደንኛ ዘይትዛረቡ እንተኾይንኩም ካብ ተርጓሚ ሓገዝ ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ግዜ ምብጻሕኩም፣ ቋንቋኹም ዝፈልጥ ተርጓሚ የድልየኩም እንተኾይኑ ኣመልኪትኩም ኣዘራርቡ።
ብተወሳኺ ናይ ተግባር ጸገም ምስ ዝህልወካ ናይ ትርጓሜ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።