ትግርኛ/Tigrinska

ክታበት ኣንፃር ሳዓል

Vaccinera dig mot influensa - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

ኢንፍሉዌንዛ ቡቫይረስ ዝመፅእ እንትኾን ቡጣዓሚ ተመሓላላፊ እዩ። ኢንፍሉዌንዛ ቫይረስ በቢዓመቱ ኣብ ስዊድን ኣብ ክረምቲ ዝተለመደ እዩ። እቲ ቫይረሱ ብአየር ይመሓላለፍ ብተወሳኪ ዝሓመመ ሰብ ከሀንጥስ ወይ ከዓ ክስዓል ከሎ ብዝገደደ ድማ ይመሓላለፍ።  ብክታባት ባዓሎም ካብ ሕማም ስዓል ክኮላከሉ ይክእሉ እዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ንቡዙሓት ሕማማት ክታበት ክኽተቡ ይክእሉ እዬም።

ሓድ ሓደ ሰባት ሰዓል እንተ ሒዞም ብጣዓሚ ክሓሙ ይኽእሉ እዬም። ንዓዓቶም ብፉሉይ መልክዑ ንሰዓል ዝከዉን ፁቡቅ መከላከሊ ምህላዉ ኣገዳሲ እዩ። ከሙኡዉን ክኽተቡ ይምከር። 

Läs texten på svenska här.

ካብዝም ነገራት ዉሽጢ ንዓኣም ዝግብኦም እንተኮይኑ እቲ ክታበት ክወስድዎ ይምከሩ፦

  • ንሶም 65 ወይከዓ ካቡኡ ንላዓሊ ድዮም። 
  • ካብ 12 ሰሙን ጥንሲ ንድሓር ጥንስቲ ዲኪ፣ ቅድሚ ሐዚ ብካሊእ መክንያት ክታበት ክኽተቡ ተመኪሮም ነይሮም ድዮሞ። 
  •  ናይ ካርዲዮቫስኩላር ሕማም ኣለካ ንኣብነት ስትሮክ. 
  • ናይ ሳንባ ሕማም ኣለካ ንኣብነት ከቢድአስም 
  • ሕማም ሹካርያ ኣለካ። 
  • ብሕማም ወይ ብሕክምና ምክንያት ናይ ሕማም መክልካሎ ስርዓት ተዳኪሙ። 
  • ናይጉበት ወይ ናይ ኩላሊት ውድቀት ኣለዎም። 
  • ብጣዓሚ ኮብ መጠን ንላዓሊ ሮጊድ ድዮም። 
  • ኣተናፋፍሳኦም ዝጎድእ ናይኒውሮሞስኩላር ሕማም ኣለዎም። 
  • ብዙሕ ናይአካል ጉዳኣት ኣለዎም። 
  • ዳውን ሲንድሮም ኣለዎም። 

እዚ ምክሪ ንዓበይትን ነህፃናት ልዕሊ ሹድሽተ ወርሒ ይትግበር። 

ካሊእ ምክንያት ናይ ምሕማም ዕድል እናወሰከ እንድሕር ሃሊዩ ንክኽተቡ ይምከር። ግምግሞ ዝገብር እቲ ሓኪም እዩ። 

ምስ ብጣዓሚ ዝሓሙ ሰባት ዝነብሩ እንተኾይናም ናይ ኢንፍሉዌንዛ ክታባት ክወስድ ይምከረ። ምስ ብጣዓሚ ዝሓሙ ሰባት ዝሰርሑ እንተኮይናም ንዓዐም እዉን ይሰርሕ እዮ።  

በቢዓመቱ ክኽተቡ ኣለዎም 

ኣብ ዓመት ሓደ ሻዓ እንተተከቲቦም ካብ ኢንፍሉዌንዛ ቫይረስ ነፃ እዮም። ካብዚ ቫይረስ ንምክልካል በቢዓመቱ ክታበት ምዉሳድ የድሊ።  

ክታበት ኣንፃር ኒሞኮኮስ 

ናይ ሰዓል ክታበት ተተኣዝዙልካ ካሊእ ዓይነት ክታበት ክትወስዶ ዘለካ ክታበት ኣሎ። 

ኒሞኮኮስ ተባሂሉ ዝፅዎዓ ክታበት እዩ። ኒሞኮኮስ ዓይነት ባክተርያ ኮይኑ ሳንባ ምቺ ከሕምም ዝክእል ሕማም እዮ። 
ጥንስቲ ድኪ? በብዝሓ ግዜ ናይ ሳንባ ምቺ ክታበት ኣየድልን። ሓኪም ደስ ዝበሎ ክግምግም ይክእል ነኣብነት ሓደ ዓይነት ሕማም ኣለዋም ዶ።  

ክታበት ኣበይ ከግኒ ይክእል?

ኣብ ጥዓና ጣብያ ወይ ኣብ ሆስፒታል ዶዮም ክኽተቡ። ኣብ Skellefteå ዝነብሩ እንተካይናም ኣብማእከላዊ ናይ ክትባት ማእከል Vaccinationscentrum Skellefteå ዉሽጢ ክታበት ነክወስድ እኑካዓ ዳሕናመፁ። 

ክታበቱ ዝካናወነሉ በዚመንገድ እዚ እዮ

ናይ ሰዓል ክታበት ብሲሪንጋ እዮም ክወስዱ። እቲ ክታበት ኣብ ላዓለዋይ ኢድና እዩዝዉሰድ። ህፃናት ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ንዝኮነ ኣብ ሸለፍም ይክተቡ። ካብ ክልተ ዓመት ንላዓሊ ንዝኮኑ ህፃናትን እስኮዓ 18 ዓመቶም ነዝካኑ መናእሰያት ብኣፍንጫ ዝርጨ መድሓኒት ኣሎ። 

መርፍእ ኣብ ዝወሰዱሉ ባታ ኑኡሽተን ቀይሕ ደም ካቡኡ ዉንክሓብጥ ይክእል እዮ። ንእሽተን ሕማም ክስምዓም ይክእል። ትኩሳት፣ ርእሲ ሕማም ብተወሳኪ ድማ ናይ ቅልፅም ሕማሞ ክህልዮም ይክእል። ህፃናት ዱኩም ናይ ምግቢ ድልየትን ተቅማጥ ክህልዮም ይክእል። በብዝሓ ግዜ ችግራት ኣብ ሓፂር ግዜ ይሓልፉ እዮም።  

መዓዘ ክኽተብ የብለይን?

ቱኩሳት ተሃልዩካ ትክተብ የብልኻን።   

ናይኢንፍሉዌንዛ ክታበት ካብ ኡንቁላሊሕ ዉሽጢ ዝግነ ንጥረ ነገር ዝሓዘ እዮ። ብከቢድ ኣላርጂክ ምክንያት ካብ ኡንቁላሊሕ ዝመፁ ንጥረ ነገራት ዝሓዙ ምግብታት ምብላዓ ተዘይኪኢሎም ናይ ዓሶ ክታበት ምዉሳድ ኣይክኣልን። 

ጥንሲን ጡብ ምጥባይን

ጥንስቲ ዝኾነት ብሳዓል ብጣዓሚ ክትሓምም ትክእል እያ። ባዕሎምን ደቆምን ንምሕላዉ ክታበት ንክወስዱ ይምከር።  

ኣብ ማህፀን ንዘሎ ህፃን ጎዳኢ ኣይካነን። እቲ ክታበት ንሓዱሽ ዝተወለደ ህፃን ፁቡቅ መኸላከሊ ይዉሃብ። 

መጡበይት ክታበት ክትወስድ ትክእል እያ። ቢያንስ ን12 ሶሙናት ጥንሲ እንተበፂሐን ክታበት ክኽተባ ይምከር። እቲ ሓኪም ክታበት ከምዘድል እንተፈሊጡ ኣቀዲሙ ንክትክተብ ክመከር ይክእል።   

ዋጋኡ ክንደይ እዮ?

ኣብ Västerbotten ንከቢድ ሕማም ኽገለፁ ዝክእሉ ሕሙማት ክታበቱ ብነፃ እዩ።  

ምስ ብጣዓሚ ዝሓሙ ዝነብሩ እንተኮይኖም ከሙኡዉን ክታበት ንክወስዱ ዘይተኣዘዙ እንተኾይናም ነገር ግና ክወስዱ እንተደልዮም SEK 250 ይክፈሉ። 

እንተሓሚሞም

ክታበት ወሲድካ ስዓል እንተሒዙኮ ምልክታት በብዝሓ ቅልል ዝበሉ እዮም።  

ትኩሳት እስኮዓ ዘለዎም ከሙኡዉን ሕማም ተተሰሚዓዎም ካብ ገዛ ኣይዉፁኡ። ኢድም ቡዙሕግዜ ክሕፀቡ ብተወሳክ ድማ ከሀንጡሱን ክስዓሉ ከለዉ ኢዶም ብምዓፃፍ ከሀንጡሱ የምከር። 

ስዓል እንተሒዝዎም ብተወሳኪ ድም መክሪ ናይ ክታበት ተደልዮም ናብ ጥዓናሞኮነን ክተዛርብዎም ትክእሉ። 

ኣብ ጥዓናኣም ተሳትፍን ተፅዕናን ይግበሩ

ናይ ጥዓና ሰራሕተኛታት ዝብልዎም ነገር መርዳእ የድሊ እዩ። ተዘይተረዲኡኩም ሕቶ ክትሓቱ ትክእሉ ኢኩም። ስዊድንኛ ዘይዛረቡ እንተኮይናም ካብ መተርጎምቲ ሓገዝ ከግንዩ ይክእሉ እዬም። 

ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ክኽተቡ ነምዓድ

፡ኣቱም ናይ ስዓል ክታበት ነኽትክተቡ ተኣዘዘልኩም ከሙኡ ዉን ብተወሳክ ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ንክትወስድ ንመክር። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ምግባር ይክኣል። ዋላ እንተተከተብኩም ካቪድ 19 ክሕዛም ይክእል። ግን ክታበት ሓደገኛ ሕማም ንከይካን ይቅንስ።  

To the top of the page