ናብሕክምናምኻድ

ጸረ ኢን ፍሉዌንዛ ክታበት ውሰድ

Influensavaccination i Sörmland - tigrinskaThe content concerns Sörmland

ሕማም ኢንፍሉዌንዛ ዚበዝሕ እዋን ሓደገኛ ኣይኮነን። ሕዱር ሕማም ልብን ሳምቡእን ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማማት እንተሎካ: ወይ’ውን ነፍሰ-ጾራት ዝኾናን: ኣብ 65 ዓመት ዚበጽሑን ልዕሊኡ ዚርከቡን ግን እንተ ተኸተቡ እዩ ኣውራ ዘተኣማምን። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ጕጅለ ሰባት ትርከብ እንተ ኾይንካ: ዚግበረልካ ክታበት ካብ ክፍሊት ናጻ’ዩ።

ኢንፍሉዌንዛ እንታይ’ዩ፧

ኢንፍሉዌንዛ: ዚበዝሕ እዋን ኣብ መፋርቕ ዓመት ክራማት ኣብ ሽወደን ልሙድዝኾነ ሕማም ቫይረስ’ዩ። ልሙድ ኢንፍሉዌንዛ: ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ተባሂሉ’ውንይጽዋዕ’ዩ። ዓይነታት ኢንፍሉዌንዛ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይፈላለዩ፤ እቲ ዚወሃብክታበት ከኣ ከከም ወቕቱ ይተኻኸል። ምእንት’ዚ: ጽቡቕ ምክልኻል እዋናዊኢንፍሉዌንዛ ኪህልወካ: ቀውዒ-ቀውዒ ክታበት ክትወስድ ኣገዳሲ’ዩ።

ኢንፍሉዌንዛ ኪሕዘካ ሓደገኛ ድዩ፧

ነቶም ዚበዝሑ ብኢንፍሉዌንዛ ዚሓሙ ሰባት ልዑል ረስኒ: ሰዓል: ሕማም ርእስንመዓጽፎን የስዕበሎም። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ትሓዊ። ነቶም ኣብኣስጋኢ ጕጅለ ዘለዉ ግን ሕማም ኢንፍሉዌንዛ ጽኑዕ ሕማም የስዕበሎም።

መን’ዩ ኪኽተብ ዚግብኦ፧

65 ዓመት ዚመልኡን ልዕሊኡ ዚርከቡ ሰባትን፤ ነፍሰ-ጾራት (መበል 16 ሰሙንጥንሲ ዚሓለፋ) ከምኡ’ውን ኵላቶም እቶም ኣብዚ ታሕቲ ዚጥቀሱ ኵነታት ሕማምዚርከቡ/ ወይ ሕማማት ዘሎዎም: ዕድመ ብዘየገድስ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነኣገልግሎት ክታበት ይወሃቦም:-

  • ሕዱር ሕማም ልብን ሳምቡእን
  • ክትፍውሶ ዘጸግም ሕማም ሽኮር
  • ምግደራ ዘስዕብ ጽኑዕ ሕማም ኣዝማ
  • ኣዝዩ ዝተዳኸመ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ረኽሲ (ብምኽንያት ሕማም ወይ መድሃኒት ምውሳድ)
  • ሕዱር ድኻም ኵላሊትን ጸላም ከብድን
  • ምስትንፋስ ዚጸሉ መትነ-ጭዋዳዊ ሕማም
  • ብዙሕ ምግደራ ዘሎዎም ቈልዑ
  • ልዕሊ 40 ቢ.ኤም.ኢ. (BMI) ዘሎዎም ልዕሊ-ሚዛን ዝኾኑ ሰባት

ኣብዚ ኣስጋኢ ጕጅለ እቱው ምዃንካ ርግጸኛ እንተ ዘይኮይንካ ኵሉሳዕ ምስሓኪምካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣዕጋቢ ምክልኻል ዚህብ ዘተኣማምን ክታበት

ካብ 1970ታት ንንየው ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተኸቲቦም’ዮም። ብዘዕግብኣገባብ ካብ ኢንፍሉውዌንዛ ዚከላኸል ዘተኣማምን ክታበት ከኣ’ዩ። እዚ ክታበት:ኣብቲ መርፍእ ዚውግኣሉ ክፍሊ ኣካልካ ሕበጥን ቂሒን ከስዕበልካ ይኽእል’ዩ፤ቍሩብ’ውን ከቐንዝወካ ይኽእል’ዩ። ስሕት ኢሉ’ውን ረስኒ ይገብረልካ። እዚ ዅሉግን ድሕሪ ሓደ-ክልተ መዓልታት ይገድፈካ።

ኣብዞም ዚስዕቡ ቦታታት ምኽታብ ይከኣል

ኣብቲ ዝተመዝገብካሉ ማእከል ኣገልግሎት ጥዕና (ቮርድሴንትራል) ክትክተብትኽእል ኢኻ። ካብ መፈለምታ ወርሒ ሕዳር: ማእከላት ኣገልግሎት ጥዕናናይዚ ኣውራጃ: ብዘይ ቈጸራ (drop-in-tider) ዚወሃብ ፍሉይ ኣገልግሎትኪህልወን’ዩ። እቲ ጊዜ ዘይጥዕም እንተ ኾይኑ ግን: ኣብ ክንድኡ ብስልኪ ወይብመርበብ ኢንተርነት ኣብ ቮርድሴንትራል ቈጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ድሮፕ-ኢን ጊዜን ሓበሬታ ርክብን ኣብ 1177.se ኣሎ።

To the top of the page