ናብሕክምናምኻድ

ንጸረ ኢንፍሉዌንዛ፡ ኮቪድ-19ን ፕኔውሞኮከር(ነድሪ ሳምቡእ፡ እዝንን ሶርኖን ዝፈጥር ባክተርያ) ንዝኸውን ክታበት ኣብ ዞባ ሰርምላንድ ንምውሳድ ቆጸራ ሓዝ

Boka tid för vaccination mot influensa och covid-19 i Sörmland - tigrinskaThe content concerns Sörmland

ዕድሜኻ 65 ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን ኢንፍሉዌንዛን ኮቪድ-19ን ፕኔውሞኮከር ከቢድ ሕማም ክፈጥሩልካ ይኽእሉ እዮም።

ካብ እዚኣቶም ንምክልኻል እቲ ዝቐለለ ክታበት ምውሳድ እዩ። እዚ ክታበት ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ እዩ።

ካልእ ሓዳሪ ሕማም ዘለካ ሰብ ምስ ትኸወንን፡ ንኣብነት ሽኮርያ፡ ሕማም ልቢ፡ ሕማም ሳምቡእ፡ ሕማም ኲሊት ወይ ሕማም ጸላም ከብዲ፡ ነዚ ክታበት ክትወስዶ ትምከር። ብሰንኪ ካልእ ሕማም ወይ ብሰንኪ ክንክን ነብስኻ ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምስ ዘይህልዎ፡ እዚ ክታበት ይምልከተካ እዩ። ዘድልየካን ዘየድልየካን ርግጸኛ ምስ ዘይትኸውን ንሓኪምካ ተወከሶ።

ነዚ ክታበት ዝኸውን ግዜ ኣብ መካነ-መርበብና(ዌብሳይትና) ኣቲኻ ወይ ብቊጽሪ ተሌፎን 016-10 40 44 ደዊልካ(ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና) ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ቆጸራ ኣብ’ዚ ሓዝ

Drop in

Eskilstuna

Vårdcentralen Achima Care Eskilstuna i Ekeby

  • tisdagar klockan 13-15
To the top of the page