ናብሕክምናምኻድ

ኣካላትካ መከላኸሊ ተላባዕቲ ሕማማት ኣለዎ ድዩ?

Allmänna vaccinationsprogrammet - Sörmland - tigrinskaThe content concerns Sörmland

ኲሎም ነበርቲ ሽወደን ክታበት ጸረ ንፍዮ፡ ሩቤላ፡ ጽግዕ፡ ዲፍተርያ፡ ቴታኑስ፡ ፖልዮን ትኽቲኽታን ክኽተቡ ይምከሩ እዮም። ኣብ ሽወደን ዝዉለዱ ኲሎም፡ ጸረ ናይ’ዞም ተላባዕቲ ሕማማት ክታበት ክወስዱ ይቐረበሎም እዮም። ኲሎም እቶም መከላኸሊ ዘይብሎም፡ ዕድሜኦሞ ብዘይገድስ፡ ኣብ ማእከል ክንክን-ጥዕና ከይዶም ነጻ ክታበት ክወስዱ ይሕበሩ እዮም።

ንፍዮ፡ ሩቤላ፡ ጽግዕ፡ ዲፍተርያ፡ ቴታኑስ፡ ፖልዮን ትኽቲኽታን ከበድቲ ሕማማት እዮም። ንህይወት እዉን ኣስጋቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ክታበት ከይተረኽበ ከሎ ኣብ ሽወደን ብሰንኪ እዞም ሕማማት ብዙሓት ቈልዑን ዓበይትን ኣደዳ ከበድቲ ሕማማትን ሞትን ይኾኑ ነይሮም እዮም።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ዝውለዱ ዳርጋ ኲሎም ቈልዑ ይኽተቡ እዮም። ስለ’ዚ እዩ ድማ ኣብ ሽወደን ዝርገሐ ሓደገኛ ተላባዕቲ ሕማማት ሒደት ዝኾነን ሞት ናጽላ ወይ ሕጻውንቲ ኣዝዩ ሒደት ዘጋጥም።

ሎሚ እዞም ሕማማት ኣብ ሽወደን ልሙዳት ስለዘይኮኑ፡ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛታት ምዃኖም ክንርሰዖም ቀሊል እዩ። ክኽተብ ዝኽእል ኲሉ ሰብ፡ ክኽተብ ኣገዳሲ እዩ። እንተ ዘይኮይኑ እቲ ለብዒ ዳግም ክዝርጋሕ ክጅምር ይኽእል።

ክታበት ምስ ትወስድ፤

  • ነብስኻ መከላኸሊ ትፈጥረሉ ኣለኻ ማለት እዩ።
  • ነቶም ክታበት ክወስዱ ዘይክእሉ ሰባት፡ ንኣብነት ሓድሽ ዝተወልደ ናጽላ፡ ትከላኸለሎም ኣለኻ ማለት እዩ።
  • እቶም ሕማማት ንኸይዝርጒሑ፡ እጃምካ ተበርክት ኣለኻ ማለት እዩ።

ናይ ክታበት ቆጸራ ንምሓዝ፡ ንማእከል ክንክን-ጥዕና ተወከሶ!

ቆልዑ ክታበት ንኽወስዱ፡ ኣብ ማእከል ክንክን-ጥዕና ቆጸራ ምሓዝ ኣየድልምን እዩ። ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቆልዑ፡ ክታበት ክወስዱ ኣብ ቤት ትምህርቶም ይሕተቱ። ንኣሽቱ ቈልዑ ድማ ኣብ ማእከል ክንክን-ጥዕና ቈልዑ(ቤቤሴ) ክታበት ክወስዱ ይኽእሉ።

ሕቶታትን መልስታቶምን

ክታበት እንታይ እዩ?

ክታበት ካብ ሓደገኛታት ሕማማት ዝከላኸል ዓይነት መድሃኒት እዩ። ክታበት ምስ ትወስድ፡ ከቢድ ሕማም ንኽወርደካ ዘሎ ስግኣት ይንኪ።

ተኸቲበን ዘይተኸተብኩን ምዃነይ ኣይፈለጥኩን። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ምኽሪ ንምርካብ ንማእከል ክንክን-ጥዕና ተወከሶ።

በዞም ሕማማት ብሓዲኦም ወይ ካብ ሓዲኦም ንላዕሊ ሓሚመ ነይረ። ክታበት ክወስድ የድልየኒ ድዩ?

ጸረ እቶም ዘይሓመምካዮም ሕማማት ዝኸውን ክታበት ክትኽተብ እወ የድልየካ እዩ።

ንፍዮ እንታይ እዩ?

ንፍዮ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም ኮይኑ፡ ልዑል ረስንን ኣብ መላእ ኣካላት ሹፍታን፡ ገለ ካብ’ቶም ዘኸትሎም ምልክታት ሕማም እዮም። እዚ ሕማም ኣዝዩ ጽንኲርን ወላ’ውን ክሳብ ሞት ከኸትል ዝኽእል እዩ። እዚ ሕማም ናብ ነድሪ ሳምቡእ(ኒሞንያ) ወይ ነድሪ ሓንጎል ከምርሕ ይኽእል።

ሩቤላ(ንፍዮ ጀርመን) እንታይ እዩ?

ሩቤላ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ተላባዒ ሕማም እዩ። መብዛሕቱ ግዜ እዚ ሕማም ቅልል ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ሓንቲ ነፍሰጾር በዚ ሕማም ምስ ትልከፍ ግን፡ ኣብ ማህጸና ኣብ ዘሎ ዕሸል ከቢድ ማህሰይቲ ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። እቲ መጒዳእቲ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ዕሸል ልቢ፡ ሓንጎል፡ ምርኣይን ምስማዕን ይወርድ ።

ጽግዕ እንታይ እዩ?

ጽግዕ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ኣዝዩ ተላባዒ ዝኾነ ሕማም እዩ። ሳሕቲ ጽግዕ ኣንቅጺ(መኒንጂያቲስ) ወይ ነድሪ ፍረነብሲ ከስዕብ ይኽእል፡፡ እዚ ግን ብርቂ ወይ ሳሕቲ እዩ።

ዲፍተርያ እንታይ እዩ?

ዲፍተርያ ባክተርያ ብዝፍንዎ መርዚ ዝኽሰት ሕማም እዩ። እዚ መርዚ ንብዙሓት ብልዕትታት ኣካል፡ ንኣብነት ከም ልብን ኩሊትን፡ ክጎድኦም ይኽእል እዩ። ዲፍተርያ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጎሮሮ ብዘጋጥም ረኽሲ ይጅምር። ድሕሪኡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጎሮሮን ናይ ምውሓጥ ጸገምን ክፈጥረልካ ይኽእል። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ዓኽታ ዘለዎ ሰዓል፡ ደም ዝተሓወሶ ንፋጥን ጸገም ምስትንፋስን ከጋጥመካ ልሙድ እዩ። ዲፍተርያ ክንክን እንተዘይተገይሩሉ ንህይወትካ ኣስጋኢ እዩ።

ቴታኑስ እንታይ እዩ?

ቴታነስ ብባክተርያ ዝመጽእ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ቁስሊ ረኽሲ ኮይኑ፡ ምጭብባጥ ጭዋዳታትን ጸገም ምስትንፋስን የኸትል። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ረኽሲ ዝጅምር ሓደ ቁስሊ ኣብ ሓመድ ምስ ዝርከቡ ባክተርያታት ምስ ዝራኸብ እዩ። ቴታኑስ ብዓንተበኡ ክንክን እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ንህይወት ሓደገኛ እዩ።

ፖልዮ እንታይ እዩ?

ፖልዮ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ መልመስቲ ዘስዕብ ሕማም እዩ። ንመብዛሕትኦም ሰባት ከም ረስኒ፡ ድኻም፡ ሕማም ርእሲ፡ ዕግርግርን ተምላስን ዝኣመሰሉ ቅልል ዝበሉ ምልክታት የጋጥሞም። ሳሕቲ ጭዋዳታት ክለምሱ ይኽእሉ። ንምስትንፋስ እዉን ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ከም’ዚ ምስ ዝኸውን ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወት ኣብ ስግኣት ትኣቱ።

ትኽቲኽታ እንታይ እዩ?

ትኽቲኽታ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ፡ ከቢድን ናይ ነዊሕ እዋን ሰዓልን ዘኸትል፡ ተላባዒ ሕማም እዩ። ትኽቲኽታ ንንኣሽቱ ህጻናት፡ ኣዝዩ ከቢድን ሳሕቲ ድማ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን፡ ሕማም ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ከቢድ ናይ ሰዓል መጥቃዕቲ፡ ምቁራጽ እስትንፋስን ሕጽረት ኦክስጅንን የስዕበልካ። ካልኦት ከበድቲ ምልክታት ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ድማ፡ ምንፍርፋርን(ምኽምትማትን) ምጥፋእ ወንን እዮም።

To the top of the page