Besök 1177.se, logga in för personliga e-tjänster eller ring 1177 för sjukvårdsrådgivning.
ንስኻ ወዲ 40 ዓመት ትመልእ ዘለኻ፣ ኣብ ማእከል ጥዕናኻ ብነጻ ምድውዋል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ኣለይቲ ሕሙማት ብዛዕባ ጥዕናኻን መዓልታዊ ልምድታትካን ክትዛረብ ትኽእል። እቲ ዕላል ጥዕናኻ ብኸመይ ከተመሓይሽን ኣብ መጻኢ ናይ ምሕማም ሓደጋ ከተጉድልን ከም እትኽእል ዝምልከት እዩ። እቲ ደወል ኣስታት ሓደ ሰዓት ይወስድ።