ትግርኛ/Tigrinska

ሕርሲ

Förlossning - tigrinska

Content - ሕርሲ

Visa innehåll som:
  • ብርሕሚ ቈልዓ ምውላድ

    Att föda barn genom slidan - tigrinska

    ሓደ ሕርሲ መብዛሕት ግዜ ብቃንዛ ሕርሲ ወይ ካብ ርሕሚ ማይ ብምፍሳስ ይጅምር። እቲ ቃንዛ ሕርሲ እና ነውሐ ይኸይድን ብተደጋጋሚ ይመጽእን። ሕርሲ ብዒሕታ ነቲ ህጻን ብርሕሚ ደፊእኪ ብምውጻእ ይዛዘም። ሕርሲ ካብ ካብ ሒደት ሰዓታት ክሳብ ገለ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

  • መዓስ እየ ናብ ክፍሊ መወልዳን ክኸይድ ዘለኒ?

    När ska jag åka till förlossningsavdelningen? - tigrinska

    ኣብቲ መጀመርታ ክፋል ናይ ሕርሲ ኣብ ገዛኺ ክትጸንሒ ኣዚዩ ልሙድ እዩ። ቃንዛ ሕርሲ ዝያዳ ምስ በርተዓን ብብዝሒ ብተደጋጋሚ ምስ መጸን፡ ናብ ክፍሊ መወልዳን ናይ ሆስፒታል ትኸድሉ ግዜ በጺሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ክፍሊ መወልዳን – ቈልዓ ክትወልዲ ምስ ቀረብኪ ናብዚ ትመጺ

    Förlossningsavdelningen - hit kommer du när du ska föda barn - tigrinska

    ቈልዓ ክትወልዲ ምስ ቀረብኪ ናብ ሓደ ክፍሊ መወልዳን ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ። ምስ ሓንቲ መሕረሲት ተራኺብኪ ድማ ትምርመሪ። ናይ በይንኺ ክፍሊ ክወሃበኪ እዩ።

  • ምቅልጣፍ ሕርሲ

    Igångsättning av förlossningen - tigrinska

    ሓደ ሓደ ግዜ ሕርሲ ናይ ግድን ብሕክምና ከም ዝብገስ ይግበር እዩ። ንሕርሲ ተቐላጥፈሉ ብዙሕ ሜላታት ኣሎ። መስርሕ ምብጋስ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣብዚ ክትፈልጢ ኢኺ።

  • ኣቋውማ ሕርሲ

    Ställningar att föda i - tigrinska

    ኣብ እዋን ሕርሲ ክትጥቀምሎም እትኽእሊ ዝተፈላለዩ ኣቋውማ ኣለዉ። ምእንቲ ኣዚኺ ከይትደኽሚ ጸጸኒሕኪ ኣቋውማ ክትቅይሪ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ቈልዓ ንታሕቲ ገጹ ንኽወርድን ክወጽእን ከቃልለሉ እውን ይኽእል እዩ።

  • መድመይቲ ድሕሪ ሕርሲ

    Blödningar efter förlossningen - tigrinska

    ድሕሪ ሕርሲ ኵለን ካብ ርሕመን መድመይቲ ይገብረለን እዩ። እቲ ደም ካብ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቁስሊ እዩ ዝመጻእ። መዳሕንቲ ካብ ማህጸን ክትለቅቕ ከላ እዩ እቲ ቁስሊ ዝፍጠር። ገለ ካብተን ናይ መድመይቲ ጸገም ዝገብረለን ናብ ሕክምና ምካድ ከድልየን ይኽእል እዩ።

  • ምትርባዓት ኣብ እዋን ሕርሲ

    Bristningar vid förlossningar - andra språk - tigrinska

    ቈልዓ ክውለድ ከሎ ኣብ ርሕሚ ቁስሊ ከጋጥም ልሙድ እዩ። እቶም ክስፈዩ ዘድልዮም ቁስሊ ምትርባዕ ተባሂሎም ይጽውዑ። ናእሽቱ ምትርባዓትን ዓበይቲ ምትርባዓትን ኣለዉ። እቶም ምትርባዓት ድሕሪ ሕርሲ ሽዑንሽዑ ብመሕረሲት (barnmorska) ወይ ሓኪም ይሕከሙ።

  • ረኽሲ ኣብ ማህጸን ድሕሪ ሕርሲ

    Infektion i livmodern efter förlossning - tigrinska

    ገሊኤን ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ማህጸነን ረኽሲ ይገብረለን እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኣብ ማህጸን ባክተርያ ስለ ዝኣተዉ እዩ። ፍወሳ ንኽትረኽቢ ናብ ሕክምና ኪዲ።

  • ካብ ሆስፒታል ምውጻእን ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ መጀመርታ ግዜን

    Att lämna sjukhuset och första tiden efter en förlossning - tigrinska

    ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል ክንደይ ከም ትጸንሒ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ኣብ’ቲ ንስኽን እቲ ቈልዓን እንታይ ዓይነት ክንክንን ሓገዝን ከም ዘድልየኩም ዝተሞርኮሰ እዩ። ዋላ ምስ ውላድኪ ናብ ገዛኹም ምስ ከድኩም፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ምስ እቲ ሆስፒታል ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

  • ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል

    Framfall efter att du har fött barn - tigrinska

    ዝልሓጠ ክፍሊ ኣካል ክብሃል ከሎ ብኽፍተት ርሕሚ ገለ ነገር ይቕልቀል ማለት እዩ። እቲ ዝቕልቀል ማህጸን ወይ ውሽጣዊ ክፋል ርሕሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘይምቹእነት ክስምዓኪ ይኽእል እዩ፡ ክሕግዘኪ ዝኽእል ሕክምና ግን ኣሎ።

  • ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ዝግበር ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን

    Besök på barnmorskemottagningen efter du har fött barn - tigrinska

    ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ናብ’ታ ኣብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ትሰርሕ መሕረሲት ክትበጽሒ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ሕርስኽን ድሕሪኡ ዝነበረ ግዜን ከመይ ከም ዝነበረ ክትዛረባ ኢኽን። ክትምርመሪ ኢኺ፡ ሕቶታት እውን ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።

  • ብዛዕባ ተመኩሮ ሕርስኺ ዘለኪ ስሚዒት

    Hur du upplevde din förlossning - tigrinska

    ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ብዙሕ ስሚዒታት ክስምዓኪ ንቡር እዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሕርስኺ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ክትዛረቢ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዘድልየኪ ተወሳኺ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

  • ጽግያት ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ

    Mens efter du har fött barn - tigrinska

    ድሕሪ ቈልዓ ምውላድ እቲ ወርሓዊ ጽግያት መዓስ ከም ዝምለስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ወርሓዊ ጽግያት ቅድሚ ምምላሱ ጥንሲ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።

  • ኣካላዊ ምውስዋስን ምንቅስቓስን ድሕሪ ጥንሲ

    Att träna och röra på sig efter förlossningen - tigrinska

    ነፍሰ ጾር ምዃንን ቈልዓ ምውላድን ንኣካላት ይጸልዎ እዩ። ድሕሪ ሕርሲ ኣካላት ክሓዊ የድልዮ። ኣካላትኪ ምስ ሓወየ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብሪ ጽቡቕ እዩ። እዚ ፊልም ክትገብርዮ እትኽእሊ ሓሙሽተ ምንቅስቓሳት የርኢ።

To the top of the page