ሕርሲ

ብዛዕባ ተመኩሮ ሕርስኺ ዘለኪ ስሚዒት

Hur du upplevde din förlossning - tigrinska

ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ብዙሕ ስሚዒታት ክስምዓኪ ንቡር እዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሕርስኺ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ክትዛረቢ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዘድልየኪ ተወሳኺ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ንሕርሲ ብኸመይ ከም ትሙከሮ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕርሲ ዝምልከት ናይ ምዝራብ ኣድላይነትን ድልየትን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

Läs texten på svenska här.

ምስ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዘላ መሕረሲት ወይ ሓኪም ተዛረቢ

ድሕሪ ቈልዓ ምውላድኪ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዘለኽሉ እዋን፡ ብዛዕብኡ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓኪም ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ሕቶታት ክትሓትን መልሲ ክትረኽብን ትኽእሊ።

መጻምድትኺ ወይ መቕርብኪ ኣብቲ ዝርርብ ምሳኺ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ እታ መሕረሲት ሕቶታት ክትሓትት እያ

ድሕሪ ገሊኡ ሕርስታት መብዛሕትኡ ግዜ እታ መሕረሲት ነታ ኣደ ጥዕናኣ ከመይ ከም ዘሎን ብዛዕባ እቲ ሕርሲ ከመይ ይስምዓ ከም ዘሎን ትሓታ እያ።

እዚ ንኣብነት እቲ ቈልዓ ኣቐዲሙ ብዘይውጥን ብመጥባሕቲ ምስ ዝውለድ ክኸውን ይኽእል። ካልእ ኣብነት ድማ፡ እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ ዝያዳ ክንክን ኣድልይዎ ምስ ዝነብር እዩ።

ድሮ ባዕሎም ዘይሓተቱኺ ምስ ዝኾኑ፡ ክትዛረቢ ከም ትደልዪ ነቶም ሰራሕተኛታት ሓብርዮም ኢኺ።

ናብ ቤትኪ ድሕሪ ምምላስኪ

ሒደት ሰሙናት ድሕሪ ናብ ቤትኪ ምምላስኪ ምስ መሕረሲት ንኽትራኸቢ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳት ክትበጽሒ ኢኺ።

ሽዑ ብዛዕባ ናይ ሕርሲ ተመኩሮኽን ከመይ ይስምዓኪ ከም ዘሎን ክትዛረባ ኢኽን።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕክምናዊ መዝገብ ብዛዕባ ሕርስኺ ሰፊሩ ዘሎ ክተንብባን ክትዘራረባሉን ኢኽን። ሕክምናዊ መዝገብ ማለት፡ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸናሕክሉ እዋን እቶም ሰራሕተኛታት ዝጸሓፍዎ መዘኻኸሪታት እዩ።

ዝያዳ ደገፍን ሓገዝን ምስ ዘድልየኪ

ድሕሪ ሕርስኺ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናኺ ጽቡቕ ምስ ዘይህሉ፡ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ደገፍን ሓገዝን ኣሎ።

ምስ ዘድልየኪ፡ እታ መሕረሲት ምስ ሓኪም ንኽትራከቢ ክትሕግዘኪ እያ።  ከምኡ’ውን ንኣብነት ምስ ሓደ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ (psykolog) ወይ ክኢላ ስነ ምንቅስቓስ ኣካላት/ፊዝዮተራፒ ንኽትራኸቢ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ድሕሪ ሕርስኺ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን፡ ምስ ዝሓረስክሉ ሆስፒታል ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምስ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትራኸቢ ትኽእሊ። ኣብዚ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትረኽቢ ትኽእሊ። እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ።

 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page