ናብሕክምናምኻድ

ክንክን ድሕሪ ሰቖቓ(ቶርቸር) 

Vård efter tortyr - tigrinskaThe content concerns Skåne

ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ኮነ ኢሉ ምስ ዘሳቕዮ፡ እዚ ሰቖቓ(ቶረቸር) ይበሃል። ሰብ ምፍርራሕ ወይ ምውራድ ኣብነት ናይ ሰቖቓ እዩ። ሰቖቓ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ልዕሌኻ ሰቖቓ እንተ ወሪዱካ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ሰቖቓ ብርቱዕ ቃንዛ፡ ከቢድ መጒዳእቲ ወይ ስቓይ የስዕብ። 

ሰቖቓ እንታይ እዩ?  

እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ሰቖቓ እዮም: 

  • ሓደ ሰብ ምስ ዝሃርመካ ወይ ዝቐልዓካ 
  • ሓደ ሰብ ንነዊሕ እዋን ከም ዘይትንቀሳቐስ ምስ ዝገብረካ 
  • ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ንኣብነት ነቲ ዘድልየካ ምግቢ፡ ድቃስ ወይ መድሃኒት ንኽይትረኽቦ ምስ ትእገድ።
  • ዓመጻዊ ምግሳስ ወይ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝወርደካ
  • ካልእ ሰብ ክሳቐ ከሎ ክትርኢ ምስ ትስግደድ

ሰቖቓ ሓደ ካብ’ቶም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውያን መሰላት እዩ።

ድሒሩ ሕማቕ ክስመዓካ ዝውቱር እዩ

ድሕሪ ሰቖቓ ሕማቕ ክስመዓካ ዝውቱር እዩ። 

ደድሕሪ እቲ ፍጻሜ ወይ ኣዝዩ ድሒሩ ሕማቕ ክስመዓካ ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ሰቖቓ ከም’ዚ ዓይነት ስምዒት ክስመዓካ ይኽእል እዩ፤

  • ድቃስ ምእባይን ዘባህርር ሕልሚ ምሕላምን ከጋጥመካ ይኽእል።
  • መብዛሕቱ ግዜ ፍርሒ ወይ ጓሂ ወይ ሕርቃን ይስመዓካ።
  • እቲ ዝወረደካ ሰቖቓ ጠንቁ ኣነ እየ ኢልካ ነብስኻ ትኸሳ ወይ ስለ ዝወረደካ ትሓንኽ።
  • ሕይወት ጸሊእኻ ሞት ትመርጽ ።
  • ኣብ ሕይወትካ ዘሐጒሰካ ነገር ኣይትረክብን ወይ ዝኾነ ይኹን ነገር ትርጒም ትስእነሉ።
  • ኣብ ርእስኻ ወይ ኣብ ካልእ ኣካላትካ የቐንዝወካ። እቲ ቃንዛ ኲሉ ግዜ ወይ መብዛሕቱ ግዜ ይህሉ።
  • ናይ ምስማዕን ምርኣይን ዓቕምኻ ይቕንስ። 
  • ልብኻ ካብ ንቡር ንላዕሊ ብፍጥነት ክትሃርም ትጅምር። 
  • ኣብ ካልኦት ሰባት ኣይትኣምንን ከምኡ’ውን ካልኦት ሰባት ካብ ምርኻብ ክትኽወል ትደሊ።
  • እቲ ዘጋጠመካ ሕማቕ ነገር ብዙሕ ግዜ ትሓስቦ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወትካ ዘጋጥሙኻ ነገራት ነቲ ዝወረደካ ከዘኻዂሩኻ ይኽእሉ። በዚ እቲ ዝወረደካ ሰቖቓ ከም ብሓድሽ ከም ይወርደካ ከም ዘሎ ኾይኑ ይስመዓካ።

እቲ ሕማቕ ስምዒት ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝቕጽል፡ ፒ.ቲ.ኤስ.ዲ (PTSD) ዝበሃል መኽሳእቲ ከተርኢ ትጅምር። PTSD ማለት ብሰንኪ ስምብራት ናይ’ቲ ዝወረደካ መጒዳእቲ ዝስዕብ ምልክት ናይ ጸቕጢ(ስትረስ) እዩ። ን PTSD ዝኸውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። 

ደገፍን ክንክንን ሕተት  

ሰቖቓ ምስ ዝወርደካ ንማእከል ክንክን-ጥዕና(ቮርድ ሰንትራለን) ተወከሶ። ምስ ክንክን-ጥዕና ብዝቐልጠፈ ምርኻብ ጽቡቕ እዩ። ድሒሩ’ውን ሕማቕ ምስ ዝስመዓካ ምስ ክንክን-ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ኣዚኻ ሕማቕ እንተለኻ ናብ 112 ደውል። ኣብ ናይ ሲካትሪ ክሊኒክ(ሕኽምና ስነኣእምሮ) እዉን ክንክን-ጥዕና ክወሃበካ ክትሕትት ትኽእል ኢኻ።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ምስ ዝኸውን

ዕሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት’ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ ናብ ክሊኒክ መንእሰያት(ኡንግዶም ሞታግኒንግ) ክትድውል ትኽእል ወይ ናብ’ቲ ኣብ ቤ/ት ዘሎ ክፍሊ ጥዕና ተምሃሮ ክትኸይድ ትኽእል ኢኻ።

ናብ’ቲ "En väg in" ዝብል ትካላ ሕክምና ብቊ.ተሌፎን 020-51 20 20 ብምድዋል ምኽሪ ክርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ንኽትረክብ ይሕግዙኻ። ንኣብነት ምስ ሓኪም ወይ ሳይኮሎጂስት ናይ ቈልዑ ወይ መንእሰያት ንኽትራኸብ ይሕግዙኻ።

ነቲ ዝወረደካ ሰቖቓ(ቶርቸር) ኣብ እንዳ ፖሊስ ኣመልክት

ሰቖቓ ኣብ እንዳ ፖሊስክ ኬድካ ምምልካት’ውን ጽቡቕ እዩ። ወላ’ኳ እቲ ሰቖቓ ኣብ ካልእ ሃገር እንተ ወረደካ፡ ኣብ’ዚ ኣብ እንዳ ፖሊስ ከይድካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። በዛ ቊ.ተሌፎን 114 14 ገይርካ ሓብር። ብሽወደንኛ ወይ እንግልዝኛ ገይርካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ምርመራ ብኸምዚ ይካየድ 

ምስ ሓኪም ወይ ነርስ ትራኸብ። ምርመራ ይካየደልካ። ከመይ ይስመዓካ ከም ዘሎ’ውን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።

ድሕሪኡ እንታይ ዓይነት ክንክን-ጥዕና ከም ዘድልየካ ይሕበረካ። ንኣብነት ነቲ ዘጋጠመካ ሰቖቓ ምስ ሓደ ክኢላ ሰብ ትዛረበሉ። ሓደ ሓደ ግዜ እዉን ካልኦት ዓይነታት ክንክናት ወይ መድሃኒታት ክወሃቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ኲሎም ኣብ ክንክን-ጥዕና ዝሰርሑ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡእ ኣለዎም። ማለት ብዛዕባኻ ካብ ሕክምና ወጻኢ ምስ ዝኾነ ሰብ ክዛረቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ማለት እዩ።

ቋንቋ ሽወደንኛ ኣይርደኣካን ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ ነቲ ክንክን-ጥዕና ዝህብ ትካል ሽወደንኛ ከም ዘይትኽእል ሓብሮ። ኣስተርጓማይ’ውን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግቡእ ኣለዎ።

ጽቡቕ ንኽስመዓኒ ባዕለይ ክገብሮ ዘለኒ እንታይ ኣሎ?

እንተ ተኻኢሉ ከመይ ይስመዓካ ከም ዘሎ ተዛርቦ ሰብ እንተለካ ጽቡቕ እዩ። እቲ ሰብ ሓደ ትፈልጦ ወይ ኣባል ክንክን-ጥዕና ክኸውን ይኽእል እዩ።

ነቲ ዘጋጠመካ ሰቖቓ ኣብ ጽሑፍ ከተስፍሮ ትኽእል። ከመይ ይስመዓካ ከም ዘሎ’ውን ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ።

እዞም ዝስዕቡ ድማ ክሕግዙኻ ዝኽሉ ካልኦት ነገራት እዮም፤

  • ኣብ ደገ ወጺኻ ምንቅስቓስ። ንኣብነት ብእግርኻ ምዝዋር።
  • ትድቅሰሉን ትበልዓሉን ፍሉጥ ሰዓታት ክኸውን ከም ዘለዎ።
  • ካብ ኣልኮላዊ መስተን ድራግን ምቚጣብ። ኣብ ፈለማ ምናልባት ዝሕግዙኻ ዘለዉ ኾይኖም ክስምዑኻ ይኽእሉ እዮም። ምስ ግዜ ግን ሕማቕ እንዳ ተሰማዓካ እዩ ዝኸይድ።

ግዳይ ሰቖቓ ዝኾነ ሰብ ትፈልጦ እንተ ኣሎ

ግዳይ ሰቖቓ ዝኾነ ሰብ ትፈልጦ ኣሎ ድዩ? ብሰኪ እዚ ሰብ ሕማቕ ክስመዓካ ስለ ዝኽእል ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ነዚ ዘድልየካ ሓገዝ ንኽትረክብ ንማእከል ክንክን-ጥዕና(ቮርድ ሰንትራለን) ተወከሶ። 

ዕሜካ ትሕቲ 18 ዓመት ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ ከም’ዚ ትገብር: 

  • ናብ ክሊኒክ መንእሰያት(ኡንግዶም ሞታግኒንግ) ደውል።
     
    ኣብ ዞባ ስኮነ ዝርከቡ ክሊኒካት መንእሰያት(ኡንግዶም ሞታግኒንጋር)
  • ናብ’ቲ ኣብ ቤ/ት ዘሎ ክፍሊ ጥዕና ተምሃሮ ኪድ።
  • ናብ “En väg in” ዝብል ትካላ ብቊ.ተሌፎን 020-51 20 20 ብምድዋል ምኽሪ ክርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ንምርካብ ይሕግዙኻ። ንኣብነት ምስ ሓኪም ወይ ሳይኮሎጂስት ናይ ቈልዑ ወይ መንእሰያት ንኽትራኸብ ይሕግዙኻ።
To the top of the page