ናብሕክምናምኻድ

ኣብ ስኮነ ዝተባላሽዉ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ መከላኸሊ ጥንሲ

Trasiga kopparspiraler i Skåne - tigrinskaThe content concerns Skåne

ሓደ ስፒራል ነሓስ መከላኸሊ ጥንሲ ንኸይትጠንሲ ሓደ መከላኸሊ እዩ። ሓደ ውሱናት ሰባት ኣብ ስኮነ ጌጋ ከምዘለዎ ዝተራእየ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተዋሂበን። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ጥሪ 2015ን ሓጋይ 2018ን እዩ ተገይሩ። እንድሕር ሽዑኡ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተገዩልኪ ኾይንኑ እሞ ተሻቒሊ ኣለኺ? ከምኡ እንድሕር ኮይኑ ናብ መሕረሲትኪ ክትድውሊ ኣለኪ።

እቲ ጌጋ ዝነበሮ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ኖቫፕሉስ ተ380/Novaplus T380 እዩ ሽሙ። ዳርጋ ሽድሽተ ሽሕ ሰባት ኣዮም ኣብ ስኮነ ነዚ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተገይሪለን። ሓደ ዕሽሪት መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተባላሽዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ማህጸን ከተውጽኦ እንከልኻ እዩ። ኣውራጃ ስኮነ ነዞም መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ጌጋ ከምዘለዎም ምስፈጠ ቀልጢፉ ምጥቃሞም ኣቋሪጹ።

በቶም ዝተባላሸዉ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራላት ነሓስ ዝተሃስየ ሰብ የለን። ግን ሓደ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ጠኒሰን። ሓደ ናይ ኣጋጣሚ ወይ እቶም መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራላት ነሓስ ተባላሽዮም ነይሮም ስለዝኾኑ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ቁሩባት ደቂ ኣስንትዮ ዋላ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ እንከለወን ክጠንሳ ልሙድ እዩ። ዋላ ሓደ መከላኸሊ ጥንሲ ንኸይትጠንሲ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣይከላኸልን እዩ።

እንድሕር ተሻቒልኪ ንመሕረሲትኪ ደውሊ

ኣብ መንጎ ጥሪ 2015ን ሓጋይ 2018ን ሓደ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተገይሩልኪ ድዩ? እንድሕር ተሳቒልኪ ንመሕረሲትኪ ደውሊ። ሽዑኡ ንመርመራ ክትምጺ ትኽእሊ ኢኺ፡ መባዝሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን። ሽዑኡ እታ መሕረሲት ኣየናይ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ከዘለኪ ክትርእይ ትኽእል።

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክስበር ይኽእል እዩ። ግን ኩሎም እቶም መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ክሳብ ብሓንቲ መሕረሲት ዝወጹ ይሰርሑ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሽዑኡ እዮም ዝስበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እንድሕር ዘይተሰይሩ ከምኡ’ውን ዘየስተውዒልክሉ ነቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ከተጽንሕዮ ትኽእሊ ኢኺ። ግን እንድሕር ዘይደሊኽዮ ነቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ክትቅይርዮ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ።

እንድሕር እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተሰይሩ ብኸመይ የስተውዕለሉ?

እንድሕር እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ተሰይሩ ጽግያት ክመዘኪ እንከሎ ናቱ ክፋላት ክወጹ ይኽእሉ እዮም። ሽዑኡ ንመሕረሲትኪ ትድውልላ። ንመርመራ ክትመጺ ትኽእሊ ከምኡ’ውን እታ መሕረሲት ነቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ብሓደ ሓድሽ ትቕይሮ። ነቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ንምቕያር ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።
ገለፍ ክፋላት ናይ’ቲ መከላኸሊ ጥንሲ ስፒራል ነሓስ ኣብ ማህጸን ክተርፉ ከጋጥም ይኽእል እዩ ከምኡ’ውን ባዕሎም ኣይወጹን እዮም። ከምኡ ምስዝኸውን እታ መሕረሲት ብራጂ ከምእትምርመሪ ትገብር። እንድሕር ዝተረፈ ክፋላት ኣሎ ኾይኑ ከምዝለግስ ይግበር።

ናይ ቁጠባዊ ክፍሊት መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ

ናይ ጥዕናን-ሕማምን ክንክ ክትወሃብ እንከለኻ እንድሕር ተሃሲኺ ናይ ቁጠባዊ ክፍሊት መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ። ኣብ’ቲ ናይ ሕሙም ማህሰይቲ ሕግ ኣሎ ከምኡ’ውን ናይ ሕሙም ውሕስነት ይበሃል።

Om den svenska patientförsäkringen på andra språk (lof.se)/ ብዛዕባ እቲ ናይ ሽወደን ናይ ሕሙም ውሕስነት ብኻልኦት ቋንቋታት። ደሓር ጉዳይካ ኣብኡ ብዲጂታልዊ ክትከታተሎ ትኽእል። ካብ’ቲ መርበብ ብዙሃን ፎርም እውን ከተውርድ ትኽእል ወይ ናብ ገዛ ከምዝሰደደልካ ትገብር።

To the top of the page