ጥንሲ

ቃንዛ ጎሎ ኣብ እዋን ጥንሲ

Att ha ont i bäckenet under graviditeten - tigrinska

ነፍሰ-ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ኣብ ኣካላትኪ ዘለዉ መላግቦታት ዝያዳ ተንቀሳቐስቲ ይኾኑ። ኣብ ከባቢ ጎሎኺ ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ። እዚ ልሙድ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ድሕሪ ሕርሲ ይገድፍ እዩ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥም ቃንዛ ጎሎቃንዛ ጎሎተባሂሉ ይጽዋዕቀደም ብቋንቋ ሽወደን foglossning ማለትምስፋ ጎሎተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነይሩ 

Läs texten på svenska här.

መብዛሕትኡ ግዜ ኣበይ’ዩ ቃንዛ ዝገብር?

ኣብዚ ዝስዕብ ቦታታት ቃንዛ ክገብረልኪ ልሙድ እዩ፦ 

  • ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖኺ። 
  • መቐመጫኺ። 
  • ምሕኵልትኺ። 
  • ኣብ ዓጽሚ በገድ። 
  • ዳሕረዋይ ወገን ሰለፍኪ። 
  • ኣብ ረቓቒቶኺ። 

ምዓስእዩቃንዛ ዝገብር? 

ከም ልሙድ ክትንቀሳቐሲ ክሳብ ዝኸብደኪ ቃንዛ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ። 

ንገሊኤን ዳርጋ ኵሉ ግዜ ቃንዛ ይህልወን። ካልኦት ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ጥራይ ቃንዛ ይህልወን።  

እቲ ልሙድ ካብ ንግሆ ንላዕሊ ድሒሩ ኣብ ቀትሪ እዩ ዝያዳ ቃንዛ ዝገብር። 

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ነፍሰ ጾር እንተ ዄንክን ኣብ ሕቕዕኪ ወይ ጎሎኺ ቃንዛ ምስ ዝህልወክን ናብ ሕክምና ኪዲ።  

ምስ ሓንቲ መሕረሲት (barnmorska) ወይ ሓደ ፊዝዮተራፐኛ (fysioterapeut) ክትራከቢ ትኽእሊ ኢኺ።.

ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ሕርሲ ገና ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ ምስ ሓደ ፊዝዮተራፐኛ ርክብ ግበሪ። 

ናብቁጽሪተሌፎን 1177 ብምድዋልምኽሪርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ምስ ዘድሊ ናበየናይ ሕክምና ክትከዲ ከም ትኽእሊ ክሕብራኺ ይኽእላ እየን። 

እተን ኣለይቲ ሕሙማት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ። 

ኣብ መዓልታዊ ህይወትኪ ዝወሓደ ቃንዛ ንኽገብረልኪ ዝሕግዙኺ ምኽርታት

ክትፍትንዮም እትኽእሊ ሒደት ምኽርታት ኣብዚ እንሆ፦ 

  • ደው ምባል፡ ኮፍ ምባልን ምኻድን ብብእብረ ኣዘውትሪ። 
  • ክትከዲ ከለኺ ካብቲ ልሙድ ዝሓጸረ ስጕምቲ ብምስጓም ኪዲ። 
  • ኣብ ክንዲ ሓንሳብ ነዊሕ ናይ እግሪ ምንቅስቓስ ትገብሪ፡ ብዙሕ ግዜ ሓጸርቲ ናይ እግሪ ምንቅስቓሳት ግበሪ። 
  • ምስ ዝህሉ ሂስ ውሰዲ። 
  • ምቹእ ሳእኒ ተጠቀሚ። 
  • ኮፍ ክትብሊ ከለኺ ዓጽሚ ጭራኺ (ዓለለ) ብመተርኣስ ደግፊ። 
  • ብጎኒ እንተ ደቂስኪ ኣብ መንጊ ኣብራኽኪ መተርኣስ ግበሪ። 
  • ኣብቲ ቃንዛ ዝገብረልኪ ከባቢ ገለ ምዉቕ ነገር፡ ንኣብነት መሞቒ መተርኣስ (värmekudde) ግበሪ። 

ነዚ ዝስዕብ ከተወግዲ ይግብኣኪ፦ 

  • ከቢድ ዓረብያ ቈልዓ ወይ ዓረብያ ኣስቤዛ ምስሓብ ወይ ምድፋእ። 
  • እግርኺ ኣመሳቒልኪ ኮፍ ምባል። 
  • ከበድቲ ነገራት ምልዓል። 
  • መደያይቦ (trappor) ምድያብ። 
  • ብዙሕ ግዜ ንቕድሚት ገጽኪ ኣይትድነኒ። 

ልምምድ ጭዋዳታት ክትገብሪ ጽቡቕ እዩ 

ልምምድ ጭዋዳታት ናይ ሕቖን ከብድን ክትገብሪ ጽቡቕ እዩ። እዞም ጭዋዳታት ንጎሎ ክድግፍዎ ይኽእሉ እዮም። 

ሓደ ፊዝዮተራፐኛ ክመኽረኪ ይኽእል እዩ። 

ፍወሳ

Ett bäckenbälte som sitter under magen på en gravid person.
መቐነት ጎሎ ንጸገማት ከቃልሎ ይኽእል እዩ።

ካብ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ሓደ ፊዝዮተራፐኛ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ስዒቡ ኣብነታት እንሆ፦

  • ሓደ መቐነት ጎሎ (bäckenbälte) ዝብሃል ክትገዝኢ ወይ ክትልቅሒ ትኽእሊ ኢኺ። 
  • ሓደ ቴንስ ዝብሃል ኤለክትሮኒካዊ መዓገስ ቃንዛ (tensapparat) ክትካረዪ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ብሓገዝ ድኹም ኤለክትሪክ ዋሕዚ ነቲ ቃንዛ ከቃልሎ ይኽእል እዩ። 
  • ኣኩ’ፑንክቱር ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። 

ጠንቂ ቃንዛ ጎሎ እንታይ እዩ?

ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ኣብ መላግቦታት ኣካላትኪ ብዝያዳ ተንቀሳቓሲት ትኾኒ። ናይዚ ምኽንያት ሆርሞናት እዮም። 

እዚኦም ንጎሎ ጽንዓቱ ክቕንስዎ ይኽእሉ እዮም። ክም’ዚ ስለ ዝኾነ እዩ ቃንዛ ዘስዕብ።

ዳግም ምስ እትጠንሲ

ኣብ እዋን ሓድሽ ጥንሲ እቶም ጸገማት ክምለሱኺ ልሙድ እዩ።  

ንስኺ ዳግማይ ክትጠንሲ መደብ ዘለኺ ሓደ ሓደ ምውስዋስ ኣካላት ብምግባር ንኣካላትኪ ከተዳልውዮ ትኽእሊ ኢኺ። ካብ ሓደ ፊዝዮተራፐኛ ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page