ናብሕክምናምኻድ

ኣብ ሽወደን ክንክን ጥዕና ከምዚ ዝስዕብ እዩ

Så fungerar vården i Sverige - tigrinska

ንዓኻ ኮነ ንገለ ኣባላት ስድራኻ ክንክን ጥዕና ምስ ዘድልየኩም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሕክምና ኣበይ ከም ትረክብ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውል። ብሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። እተን ዝምልሳልካ ኣለይቲ ሕሙማት ጥዕናኻ ንኽምሓየሽ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ምኽሪ ክህባኻ እውን ይኽእላ እየን። 

ኣብ ሸወደን ኣገልግሎት ክንክን ሕማም ዞባ ተባሂለን ብዝፍለጣ ዝተፈላለያ ከባቢታት እዩ ዝምሓደር። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ እንታይ ከም ዘገልግል ንምፍላጥ ኣብ’ዚ ገጽ ኣብ ላዕሊ ዞባ ምረጽ። 
 
ኣብዚ ጽሑፍ ናብቲ ክሊኒካት ክትደልየሉ እትኽእል 1177.se ዘእቱ መላግቦ ኣሎ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ ብሽወደንኛ እዩ። ምስ ዘድልየካ ካብ ሓደ ሽወደንኛ ዝዛረብ ሰብ ሓገዝ ሕተት።  
ብዛዕባ 1177 ኣብዚ ጽሑፍ ብዝያዳ ኣንብብ።

Läs texten på svenska här.

ማእከል ክንክን ጥዕና (Vårdcentralen) ኣብ ጥቓ እቲ ትነብረሉ ቦታ ኣሎ

ማእከል ክንክን ጥዕና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥቓ እቲ ትነብረሉ ቦታ ዝርከብ ሓደ ክሊኒክ እዩ። ማእከል ክንክን ጥዕና ንኣብነት ሄልሶሰንትራል (hälsocentral)፡ ሁስሌካርሙታግኒን (husläkarmottagning) ወይ ፋሚልየሌካርሙታግኒን (familjeläkarmottagning) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። 
ኣብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓኪም፡ ኣለይቲ ሕሙማትን ካልኦት ናይ ክንክን ሰራሕተኛታትን ኣለዉ። ንሶም ንስኻ ወይ ሓደ ሰብ ካብ ስድራኻ እንተ ሓሚምኩም ወይ ቅዛነት ምስ ዝስሞኣኩም ክሕግዝኹም ይኽእሉ። 

ማእከል ክንክን ጥዕና ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ ክፉት

ማእከላት ክንክን ጥዕና ኵሉ ግዜ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ እዋን ቀትሪ ክፉታት እየን። ሓደ ሓደ ማእከላት ጥዕና ኣብ ካልእ ግዜ እውን ክፉታት ክኾና ይኽእላ እየን።

ቅድሚ ናብኡ ምኻድካ መብዛሕትኡ ግዜ ቆጸራ ምሓዝ የድልየካ እዩ

ኣብዚ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ። 

ተረኛ ክሊኒካት ኣብ እዋን ምሸት፡ ቀዳመ-ሰንበትን በዓላትን

ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ተዓጸወ ሕክምና ምስ እትደሊ፡ ተረኛ ክሊኒካት ክህልዋ ይኽእላ እየን። ንሰን ኣብ እዋን ምሸት፡ ቀዳመ-ሰንበትን በዓላትን ክፉታት እየን። 

ኣብዚክፉታት ተረኛ ክሊኒካት ኢልካ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ። 

ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ብኸቢድ ምስ ትሓምም

ብኸቢድ ምስ ትጕዳእ ወይ ብጽኑዕ ምስ ትሓምም ሕክምና ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ድለ። ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ። ኣቐዲምካ ቆጸራ ምሓዝ ኣየድልየካን እዩ።  

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤትእቲ ካብ ኵሎም ብዝያዳ ብኸቢድ ዝሓመመ መጀመርታ ሕክምና ይረክብ። እዚ ንስኻ ብኸቢድ ዘይሓመምካ ክሳብ ሓገዝ ትረክብ ቁሩብ ከም ትጽበ ክገብር ይኽእል እዩ። 

ኤስ.ኦው.ኤስ ኣላርም - 112 (SOS Alarm - 112)

ኣዚዩ ህጹጽ ምስ ዝኸውን ወይ ናትካ ህይወት ወይ ናይ ካልእ ሰብ ህይወት ኣብ ሓደጋ ምስ ዝህሉ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 112 ደውል።  
እቲ ተሌፎን ዝምልስ ሰብ ሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ እዩ ዝዛረብ። ይዅን’ምበር ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ። ንስኻ ወይ እቲ ሓሚሙ ዘሎ ሰብ ብቕልጡፍ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤትምኻድ ዘድልየኩም እንተ ኾይኑ ኣምቡላንስ ትልኣኸልኩም እያ። 

ክሊኒካት ንቘልዑ

ንዅሎም ቈልዑ ክሳብ ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ዝኾኑ ፍሉይ ክሊኒካት ኣሎ። እዚ ክሊኒካት ማእከላት ክንክን ጥዕና ቈልዑ (barnavårdscentraler) ተባሂሉ ይጽውዕ። እቲ ቈልዓ ብስሩዕ ናብኡ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣብኡ እቲ ቈልዓ ክታበት ይወሃቦ። 

ኣብዚ  ማእከላት ክንክን ጥዕና ቈልዑ ኢልካ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ። 

ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ንቘልዑ ፍሉይ ሆስፒታልን ክፍሊ ህጹጽ ረድኤትን ኣሎ። 

ክሊኒካት ንመንእሰያት

ንዓኻ ኣብ መንጎ 13ን 15ን ዓመት ዕድሜኻ ዝኸውን ክሊኒክ መንእሰያት (Ungdomsmottagningen) ኣሎ። ኣብኡ ንኣብነት ንኸም መከላኸሊ ጥንሲ፡ መርመራ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ወይ ንዝርርብን ምኽርን ዝኣመሰሉ ነገራት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።  

ኣብyoumo.se. ብዝያዳ ኣንብብ። 

ኣብዚ ክሊኒክ መንእሰያት ኢልካ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ።

ክሊኒካት ንደቀንስትዮ

ንደቀንስትዮ ዝኸውን ፍሉይ ክሊኒካት ኣሎ። እዚ ክሊኒካት ክሊኒክ ኣዴታት (barnmorskemottagning)፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣዴታት (mödravårdscentral) ወይ ክንክን ጥዕና ደቀንስትዮ (kvinnohälsovård) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብኡ ንኣብነት ንኸም ምኽሪ፡ መከላኸሊ ጥንሲ፡ መርመራ ናይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝኣመሰሉ ነገራት ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ከምኡ’ውን ነፍሰ-ጾር ምስ ትኾኒ ንመርመራ ናብኡ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። 

ኣብ ግዜ ሕርሲ ናብ ክፍሊ መወልዳን (förlossningsavdelning) ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ክፍሊ መወልዳን ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ። 

ኣብዚ ክሊኒክ ኣዴታት ኢልኪ ክትደልዪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ። 

ካልኦት ክሊኒካት

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ካልእ ክሊኒክ ክንክን ምርካብ ከድልየካ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደ ናይ ቆርበት ክሊኒክ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ ወይ ሓደ ናይ ዓይኒ ክሊኒክ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ከምዚ ኵነት ሓደ ውከሳ ዝብሃል ከድልየካ ይኽእል እዩ። ሓደ ውከሳ መርመራ ወይ ሕክምና ከም ዘድልየካ ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እቲ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ትረኽቦ ሰብ ነቲ ውከሳ ክሰዶ ይኽእል እዩ።

ናብ ከም’ዚ ዓይነት ክሊኒክ ንምብጻሕ ቆጸራ ንኽወሃበካ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ክሊኒካት ሕክምና ስኒ 

ሕክምና ስኒ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልእ ሕክምና ዝኸበረ እዩ። ቅድሚ ሕክምና ምግባርካ ክንደይ ከም ዝኽፈሎ ሕተት። መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑን መንእሰያትን ብናጻ እዮም ሕክምና ስኒ ዝረኽቡ። 

ኣብዚ ክሊንክ ሕክምና ስኒ ትረክብ እቲ ገጽ ብሽወደንኛ እዩ። 

ክንክን ጥዕና ክንደይ እዩ ዝኽፈሎ?

ኣብ ሽወደን ንኽትሕከም ዝተፈላለየ ክፍሊት እዩ ዝኽፈሎ። ንኣብነት ሕክምና ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምስ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ከተወዳድሮ ከለኻ ኣብ ክሊኒክ ህጹጹ ረድኤት ዝያዳ ይኽፈሎ።  

ከምኡ’ውን ኣብ ዕድሜኻን ኣብ ሽወደን ዲኻ ትቕመጥ ወይስ ካብ ካልእ ሃገር መጺእካ ተመርኵሱ እቲ ክፍሊት ክፈላለ ይኽእል እዩ።  

ንቘልዑን መንእሰያትን መብዛሕትኡ ግዜ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ። 

ብቛንቋኻ ሓገዝ ንምርካብ ኣስተርጓሚ ክግበረልካ ሕተት

ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ ኣስተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣስተርጓሚ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ። ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ንኽግበረልካ ንስኻ ትኸፍሎ ነገር የለን። ብቛንቋኻ ሓገዝ ንምርካብ ቅድሚ ምኻድካ ምስ ሕክምና ብምርኻብ ሓብር። 

ኣብ ክንክን ጥዕና ውሕስነት ክስምዓካ መሰል ኣለካ

ኵሎም ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ዝኾነ ነገር ንሓደ ካብ ሕክምና ወጻኢ ዝሰርሕ ሰብ ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ። እቲ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ንዅሎም ኣብ ሕክምና ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ይምልከቶም እዩ፡ ንኣስተርጐምትን ኣብ ቤት መድሃኒት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እውን።  

ናብ ሕክምና ክትከይድ ከለኻ ስምካን መን ምዃንካን ክትነግር የድልየካ እዩ። መንነትካ ዘርኢ ሰነዳት ምስ ዝህልወካ ምሳኻ ሒዝካዮ ክትከይድ ጽቡቕ እዩ።  

ኣብ youmo.se ንዓኻ መንእሰይ ብዛዕባ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢርን ስቱርነትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ብብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ።  

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page