ምክንኻን ቈልዓ

መርመራታት ጥዕና ናይ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን

Undersökningar av det nyfödda barnet - tigrinska

ሓደ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ኣብ ውሽጢ እተን ቀዳሞት መዓልታት ዕድሚኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይምርመር። መብዛሕትኡ መርመራታት ቅድሚ ንቤትኩም ምኻድኩም ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝግበር። ብኣጋ ናብ ቤትኩም ምስ ትኸዱ ንመርመራታት ተመሊስኩም ናብ ሆስፒታል ምኻድ ከድልየኩም ይኽእል እዩ።

ገሊኡ መርመራታት መዓስ ከም ዝግበር ክፈላለ ይኽእል እዩ። ነዚ ጥዕናኽን ጥዕና ናይ’ቲ ቈልዓን እዩ ዝውስኖ።

Läs texten på svenska här.

ብቐጥታ ድሕሪ ሕርሲ

እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ ሽዑንሽዑ ብዙሕ ግዜ ክምርመር እዩ።

እተን ሰራሕተኛታት ካልእ ገዲፍካ ልቢ ከመይ ትሃርም ከም ዘላን እቲ ቆልዓ ከመይ የስተንፍስ ከም ዘሎን ክሰምዓ እየን።

ምስ ዘድሊ እቲ ቈልዓ ሕክምና ክግበረሉ እዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ መብዛሕት ግዜ ሓደ ወላዲ ነቲ ቈልዓ ክሕዞ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቈልዓ ኣብ ሓደ ፍሉይ ጣውላ ኮይኑ ይምርመር።

ሓንቲ መሕረሲት ነቲ ቈልዓ ክትምርምሮ እያ

ሓንቲ መሕረሲት እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ክትምርምሮ እያ። እቲ መርመራ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓለለ ክኸውን እዩ፦

  • እቲ ቈልዓ ይምዘንን ይዕቀንን።
  • ሙቐት ኣካላት ናይ’ቲ ቈልዓ ይዕቀን።
  • ሓደ ኣብ ደም ዝርከብ ፍሉይ ነገር ክዕቀን እዩ። እታ መሕረሲት ነዚ ሓደ መዓቀኒ ኣብ ቈርበቱ ተጠቂማ ትገብሮ። ሓደ ሓደ ግዜ መርመራ ደም የድሊ እዩ። እቲ መጠን ልዑል ኮይኑ ምስ ዝጸንሕ እቲ ቈልዓ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ቈልዓ ኣብ ሰለፉ ቪታሚን-ኮ ክውጋእ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ሽኮር ደም ይዕቀን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብመርፍእ ካብ እግሪ ናይ’ቲ ቈልዓ ይውሰድ።

ሓኪም ቈልዑ ነቲ ቈልዓ ክምርምሮ እዩ

ኩሎም ቈልዑ ቅድሚ ናብ ቤቶም ምኻዶም ብሓኪም ቈልዑ ይምርመሩ እዮም። እቲ መርመራ ሓጺር ግዜ እዩ ዝወስድ።

እቲ ሓኪም ቈልዑ ነዚ ዝስዕብ ክርእን ክሰምዕን እዩ፦

  • ልቢ
  • ሳምቡእን ምስትንፋስን
  • ከብዲ
  • የዕንቲ
  • ርእሲ
  • ጾታዊ ብልዕትን ባጡቕን
  • ቈርበት።

ኣብ ቤትኪ ምስ ትሓርሲ

ድሕሪ ሕርሲ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ሓደ ሓኪም ቈልዑ ነቲ ቈልዓ ክምርምሮ ኣለዎ።

ናይ ቆጸራ ግዜ ንምውጣን ቅድሚ ሕርስኺ ምስ መሕረሲት ተዛረቢ።

መርመራ ፐኮኡ፡ መርመራ ንምድህሳስ ሕማም ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ (PKU-prov)

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሓደ መርመራ ፐኮኡ ዝብሃል ናይ ደም መርመራ ክውሰድ እዩ። እቲ መርመራ ካብ ኢድ ወይ እግሪ እቲ ቈልዓ ዝርከብ ሰራውር ደም እዩ ዝውሰድ።

እቲ መርመራ እቲ ቈልዓ ዝኾነ ልሙድ ዘይኮነ ሕማም ከይህልዎ ንምርማር እዩ ዝውሰድ።

ምእንቲ እቲ ቈልዓ ክሃድእን ዝወሓደ ቃንዛ ክገብረሉን፡ ቅድሚ እቲ መርመራ ምውሳዱ፡ ቁሩብ ኣቐዲምኪ ምጥባዉ ጽቡቕ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ መርመራ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ነቲ ቈልዓ ኣብ ኣፉ ማይ ሽኮር ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

መርመራ ናይ’ቲ ቈልዓ ናይ ምስማዕ ዓቕሚ

እቲ ናይ ምስማዕ ዓቕሚ መርመራ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቈልዓ ምስ ደቀሰ እዩ ዝግበር።

መሕረሲት ናይ’ቲ ቈልዓ ናይ ምስማዕ ዓቕሚ ክትምርምሮ እያ። እቲ መርመራ መብዛሕት ግዜ እቲ ቈልዓ ምስ ደቀሰ እዩ ዝግበር።

ዳህሳስ መጠን ኦክስጅን ኣብ ደም (POX-screening)

እዚ መርመራ እቲ ቈልዓ መፈጠራዊ ናይ ልቢ ጸገማት ከይህልዎ ንምፍላጥ ይግበር።

ዳህሳስ መጠን ኦክስጂን ኣብ ደም ኣብ ዝግበረሉ እዋን ሓንቲ መሳርሒት ኣብ ኢድ ወይ እግሪ ናይ’ቲ ቈልዓ ትተሓሓዝ። እዛ መሳርሒት ብመቓቐር ወይ ባዕሉ ዝጣበቕ ቴፕ ትተሓዝ።

እዚ መርመራ መፈጠራዊ  ናይ ልቢ ጸገም ከይህልዎ ንምፍላጥ እዩ ዝግበር።

ቅልጡፍን ዘየቐንዙን እዩ።

ናይ’ቲ ቈልዓ ናይ መጀመርታ ሽንትን ቀልቀልን

ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ሆስፒታል ቅድሚ ንቤትኩም ምኻድኩም እቲ ቈልዓ ሸይኑን ቀልቀል ወጺኡን እንተ ኾይኑ ክምርምራ እየን።

ናይ’ቲ ቈልዓ ሽንትን ቀልቀልን ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን ከመይ ገይሩ ሕብሪ ከም ዝቕይር ኣብዚ ስእልታት ክትርእዪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ጽሑፍ ብሽወደንኛ እዩ

ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ሓላፍነት ይቕበል

ካብ ሆስፒታል ናብ ቤትኩም ምስ ተመለስኩም፡ ቀዳማይ ርክብ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (BVC) ክትገብሩ ኢኹም። ሽዑ ሓንቲ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ትሰርሕ ኣላዪት ሕሙማት ናይ ገዛ ምብጻሕ ክትገብር ክትመጻኩም እያ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ መሰል ክህልወኪ ይኽእል እዩ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page