ትግርኛ/Tigrinska

ምክንኻን ቈልዓ

Att ta hand om barn - tigrinska

Content - ምክንኻን ቈልዓ

Visa innehåll som:
  • መርመራታት ጥዕና ናይ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን

    Undersökningar av det nyfödda barnet - tigrinska

    ሓደ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ኣብ ውሽጢ እተን ቀዳሞት መዓልታት ዕድሚኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይምርመር። መብዛሕትኡ መርመራታት ቅድሚ ንቤትኩም ምኻድኩም ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝግበር። ብኣጋ ናብ ቤትኩም ምስ ትኸዱ ንመርመራታት ተመሊስኩም ናብ ሆስፒታል ምኻድ ከድልየኩም ይኽእል እዩ።

  • ምጥባው

    Amning - tigrinska

    ምጥባው ንቘልዓ መግቢ፡ ቅርበትን ውሕስነትን ይህቦ። ምጥባው ከም ዝግብኦ ንክሰርሕ ግን ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

  • ኣብ እዋን ምጥባው ዘጋጥሙ ልሙዳት ጸገማት

    Vanliga besvär vid amning - tigrinska

    ከተጥብዊ ኣብ ዝጀመርክሉ እዋን ኣብ ኣጥባትኪ ጸገማት ከጋጥሙኺ ንቡር እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ይጠፍእ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ሕክምና የድልዪ እዩ።

  • መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደን ወሰኽ መኣዛዊ መግብን (tillskottsnäring)

    Bröstmjölksersättning och tillskottsnäring - tigrinska

    ጸባ ጡብ ኣደ ዘይረኽቡ ቈልዑ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ክወሃቦም የድሊ እዩ። ጸባ ጡብ ኣደ ከም ዝመስለ ተገይሩ እዩ ተሰሪሑ። እቲ ቈልዓ ልሙድ መግቢ ክበልዕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ክንዲ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ እቲ ወሰኽ መኣዛዊ መግቢ ዝብሃል ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

  • ንሓደጋ ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል ብኸምዚ ኣገባብ ትቕንስ

    Så minskar du risken för plötslig spädbarnsdöd - tigrinska

    ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል፡ እቲ ህጻን ምስትንፋስ የቋርጽን ይመዉትን ማለት ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ የጋጥም። ግን ኣዚዩ ብዙሕ ዘይልሙድ እዩ። ነዚ ሓደጋ ንምቕናስ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ እቲ ህጻን ብሕቖኡ ክድቅስ ከሎ እዩ።

  • መደብ ክታበት ንቈልዑ

    Vaccinationsprogrammet för barn - tigrinska

    ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑ ጸረ ዓሰርተ ክልተ ሕማማት ክታበት ክወስዱ ዕድል ይወሃቦም። እዚ፡ እቲ ቈልዓ ብኸቢድ ንኸይሓምም ንምክልኻል እዩ። እቶም ክታበታት ካብ ክፍሊት ብናጻ እዮም ዝወሃቡ።

  • ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ በቨሰ (Barnavårdscentralen, BVC)

    Barnavårdscentralen, BVC - tigrinska

    እዚ ጽሑፍ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይምልከት። ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ዘገልግል ክሊኒክ እዩ። ኣብኡ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ቈልዓ ጥዕናን ዕብየትን ከመይ ከም ዘሎ ይምርምሩ። ብዛዕባ ኩሉ ንቈልዑን ወላዲ ምዃንን ዝምልከት ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

To the top of the page