ትግርኛ/Tigrinska

ንቘልዓ ምሕቋን ጕድኣት ሓንጐል ከስዕበሉ ይኽእል እዩ።

Att skaka ett barn kan ge hjärnskador - tigrinskaThe content concerns Västra Götaland

ሓደ ናጽላ ቈልዓ ክውጭጭ ተራ ነገር እዩ። ሓደ ቈልዓ እንታይ ኰይኑ ይውጭጭ ኣሎ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ክትርደኦ ከቢድ እዩ። ቈልዓ ክውጭጭ ከሎ ድማ ከም ወለዲ መጠን ከጨንቐኩም ልሙድ ነገር እዩ። ክትበሳጮ፥ ሕልናኻ ክደኽመካ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክትቍጣዕ ትኽእል ኢኻ። እንተ ዀነ ግን ውላድካ ፈጺምካ ኣይትሕቈኖ። ንቈልዓ ምሕቋን ንህይወቱ ሓደገኛ እዩ። ነቲ ቈልዓ ናይ ሓንጎል ማህሰይቲ ከስዕበሉ ይኽእል እዩ።

ወላዲ ምዃን ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ሓጎስ ዘሎዎ ዓቢ ኣጋጣሚ እዩ። ግን ከኣ ከቢድ ዝገብሮ ኣጋጣሚ ’ውን ኣሎዎ። እቲ ቈልዓ ኣብ ዝውጭጨሉ ግዜ ኣሸጋሪ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ከም ወላዲ መጠን ዘይዕዉት ኴንካ ክስምዓካ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቈልዓ ትቝጣዕ፡ ወይ ድማ እቲ ቈልዓ ከየሕምሞ ክትፈርሕ ትኽእል። ምናልባት ከም ወላዲ መጠን ንፉዕ ድየ ኣነ ኢልኩም ትሓስቡ ትዀኑ፡ ወይ ’ውን እዚ ቈልዓስ ይፈትወኒ ዶ እምበር እዩ ዝብል ሓሳብ ይሕዘኩም ይኸውን እዩ።

ብምውጫጭ ዝግለጽ ድልየት

ቈልዑ ዝደለዩዎ ነገር ንኽገልጹ እዮም ዝውጭጩ። ውሑድ ዝውጭጩ ወይ ’ውን ብዙሕ ዝውጭጩ ቈልዑ ኣለዉ። ንስኻን ውላድካን ብዝያዳ ተቐራሪብኩም ክትለማመዱ ምስ ጀመርኩም ውላድኩም እንታይ ደልዩ ይውጭጭ ኣሎ ክትርድኡዎ ክትጅምሩ ኢኹም። ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ድማ ሓደ ናጽላ እንታይ ኰይኑ እዩ ዝውጭጭ ዝብልን እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

När små barn skriker

በዚ ምኽንያት እዩ ቈልዓ ዝውጭጭ

ናጽላ ዝብሃል ሓደ ዓመት ዘይመልአ ቈልዓ እዩ። ንሓደ ናጽላ ከብክዩዎ ወይ ከወጭጭዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ምኽንያታት ኣሎዉ። ንኣብነት፡

  • እቲ ቈልዓ ጥቓኻ ክኸውን ደልዩ።
  • እቲ ቈልዓ ጠምዩ ኣሎ።
  • እቲ ቈልዓ ዘይጠልቀየ ፓምፐር ደልዩ።
  • እቲ ቈልዓ ስለ ዝደኸመ ክድቅስ ደልዩ ኣሎ።
  • እቲ ቈልዓ ሙቐት ወይ ቁሪ ኮይኑዎ ኣሎ።
  • እቲ ቈልዓ ኣዳቕሳ ኣይጠዓሞን።
  • እቲ ቈልዓ ሰላምን ህድኣትን ደልዩ ኣሎ።
  • እቲ ቈልዓ ይቕንዞ ኣሎ ወይ ሓሚሙ ኣሎ። ንኣብነት ቃንዛ ከብዲ።

እቲ ቈልዓ እንተ ዘይዓጊቡ፡

ነቲ ቈልዓ ምቹእነት ክፈጥሩሉ ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኣሎዉ። ንኣብነት፡

  • ነቲ ቈልዓ ናብ ነብስኻ ኣልግቦ ’ሞ ቀስ ጌርካ ድማ ረሩዎ።
  • ነቲ ቈልዓ ብማሕዘል ሕዘሎ።
  • ነቲ ቈልዓ ዝሑላት ደርፍታት ድረፈሉ።
  • ምስቲ ቈልዓ ብህዱእ ኣገባብ ተዛረብ።
  • መብራህቲ ኣጥፍኣያ ’ሞ ህዱእ ሙዚቃ ወልዕ።
  • ነቲ ቈልዓ ኣብ ቫገን ጌርካዮ ደገ ተዛወር።
  • ነቲ ቈልዓ ሒዝካዮ ብማኪና ተጓዓዝ።

ነቲ ቈልዓ ምእባድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ግዜ ትገብሮ፡

ነቲ ቈልዓ ምእባድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ግዜ ክትገብሮም ትኽእሎም ዝተፈላለዩ ነገራት ኣለዉ፡ ንኣብነት፡

  • ነቲ ቈልዓ ንምእባድ ምስ ናይ ቀረባ ሰብኩም ኩኑ ወይ ቅረቡ።
  • ንቘልዓኻ ክሕግዘካ ናብ ዝኽእል ሰብ ደውል።
  • ቁሩብ ከተዕርፍ ምእንቲ ንገለኦም ሓገዝ ሕተቶም።
  • ብኢርፎን ሙዚቃ ስማዕ ወይ ድማ ንእዝንኻ መኸልከሊ ግበረሉ።
  • ነቲ ቈልዓ ኣብ ዓራት ኣደቅሶ። ጸጸኒሕካ ድማ ደሃዩ ግበር።
  • ናብ ካልእ ክፍሊ ኪድ። ቁሩብ ደቓይቕ ድማ ኰፍ በል።
  • ምስ ተረጋጋእካ ድማ ነቲ ቈልዓ ኣልዕሎ።

ቈልዓ ፈጺምካ ኣይትሕቈን

ዝተፈጥረ ይፈጠር፡ ትገብሮ ዋላ ሰኣን ወይ ይጭነቕካ ፈጺምካ ነቲ ቈልዓ ኣይትሕቈኖ።

ንናጽላ ቘልዓ ኣትሪርካ ምሕቋን ንነዊሕ ዝኸይድ ሓያል መጕዳእቲ ናይ ሓንጎል ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። ርእሲ ናይ ሓደ ቈልዓ ምስ ነብሲ ከተወዳድሮ ከለኻ ዓቢ እዩ። ጭዋዳታት ክሳዱ ድማ ከምቲ ዝድለ ዝማዕበሉ ኣይኰኑን። እቲ ቈልዓ ክሕቈን ከሎ ድማ ክጻወሮ ኣይክእልን።

ኣብ ግዜ ምሕቋን ናጽላ፡ ሓንጎል ናይቲ ቈልዓ ምስ ኣዕጽምቲ ሽክና ርእሱ እዩ ዝጋጮ። እቶም ብውሽጢ ሓንጐልን  ብወተግ ናብ ሕቘን ዝኸዱ ደቀቕቲ ዋህዮታት ደም ይስበሩ እሞ ምፍሳስ ደም ኣብ ሓንጐል የጋጥሞ። እቲ ቈልዓ ድማ ብምኽንያት ሕበጥ ናይ ሓንጐል ናይ ኣየር መዕበስቲ ጸገም ኣብ ሓንጐሉ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።

ናይ ዓበይቲ ሰባት ኣእዳው ንኣፍልቢ ናይቲ ህጻን ኣትሪሮም ምስ ዝጸቕጡዎ ሳናቡኡ ክጭፍለቕ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቈልዓ ምስትንፋስ ደው ከም ዘብል ክገብሮ ይኽእል እዩ።

ሓገዝ ክንክን ሕክምና መዓስ እየ ዝረክብ?

እቲ ቈልዓ ምሳኻ ዘሎዎ ርክብን ምዝንጋዕን ምስ ዘቋርጽ ’ሞ ብትኽክል የተንፍ ብዛዕባ ምህላዉ ርግጸኛ እንተዘይኴንካ ናብ 112 ደውል። እቲ ቈልዓ እዋናዊ ረዲአት እንተ ዘይረኺቡ ዝበኣሰ ነገር ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ዋላ ’ውን እቲ ቈልዓ ናብ ንቡሩ ይመለስ ኩነታቱ ንምግምጋም ዝኣክል ማለት ዋላሓንቲ መጕዳእቲ ከም ዘይብሉ ንምርግጋጽ ዝኣክል ናይ ግድን ክትትል ጥዕና ክረክብ ኣለዎ። ብምልእታ እታ ስድራ ህጹጽ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ኣለዋ።

ብዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ ዶ?

ኣብቲ መቐበሊ ቈልዑን ሓራሳትን ምስ ዘላ ሓኪም መዋልዳን ተዘራረብ። ወይ ድማ ኣብ ማእከል ሕክምና ቈልዑ ምስ ዘላ ናይ ሓኪም ክንክን ጥዕና ቈልዑ ተዘራረብ። ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ጽሑፍ ብዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህሉወካ ክምልሱልካ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ናይቲ ቈልዓ ሕማምን ጥዕናን ንዝምልከት ሓበሬታ ድማ ብ ቍጽሪ ስልኪ 1177 ደውል። ቀትርን ለይትን ምሉእ ዓመት ናብ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣዝዩ ህጹጽ ወይ ዘየላቡ ሕማም ናይ ሓደ ሰብ ምስ ዘጋጥም ናብ ቍጽሪ 112 ደውል።

To the top of the page