ክታበት ኣንጻር ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ ኣብ ቨስትማንላንድ
Vaccination mot influensa i Västmanland - tigrinskaThe content concerns Västmanlandኣብ ጕጅለ ተነቀፍቲ/ተጠቃዕቲ ትስራዕ እንተድኣ ኰንካ ኣንጻር ወቕታዊ ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ (säsongsinfluensan) ክታበት ክትወስድ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ብሕማም ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ ወይ ድማ ብካልኦት ሳዕቤናት፡ንኣብነት ከም ነድሪ ሰናቡእ ዝኣመሰሉ ብኸቢድ ንከይትሓምም ክታበት ክትወስድ ኣሎካ።
ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣባኻ ዝረኣዩ እንተኾይኖም ክታበት ትወስድ:
- ዕድሜኻ 65 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ (1957 ዓ.ም. ወይ ቅድመኡ ዝተወልዱ )።
- ኣብ መበል 12 ሰሙናት ጥንሲ ወይ ድሕረኡ እትርከብ።
- ቅድሚ 12 ሰሙናት ጥንሲ ምስ ዝህሉን እሞ ገለ ካብዞም ነጥብታት ኣባኺ ዝረኣዩ እንተኾይኖም።
- ምስ ነብሰ-ብይንነቱ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለ ሰብ ትቕመጥ እንተኾንካ።
- ካብዞም ዝስዕቡ ሕማማት ወይ ኵነታት እንተድኣ ሃልዮምኻ:
- ሕዱር ሕማም ልቢ
- ሕዱር ሕማም ሰናቡእ (KOL) ወይ ኣዝማ
- ካልኦት ናብ ድኽመት መስርሕ ሰናቡእን ንምስዓል ናብ ዘጸግሙ ኵነታት ዘምርሑን
- ሕዱር ድኽመት ጸላም ከብድን-ወይ ድማ ኮላሊትን
- ብዝሒ ሽኰር ኣብ ደም
- ብሰንኪ ምውሳድ መድሃኒት ኣዝዩ ትሑት ነብሰ-ብይንነት ምስ ዝህሉ
ኣንጻር ሰዓልን/ኢንፍሉወንሳን ኮቪድ-19 ብሓንሳብ ክታበት ውሰድ
ኣንጻር እዚ ወቕታዊ ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ ክትበት ኣብ እትወስደሉ ግዜ፡ኣንጻር ኮቪድ-19 እውን ተኸተብ። ኣብቲ ቦታ ክታበት ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክልተኡ ክታበታት ክህቡኻ ዝከኣል እንተኾይኑ ተዘራረብ።
ክታበት ምውሳድ ክንደይ እዩ ዋጋኡ?
ኣብ ጕጅለ ተንቀፍቲ/ተጠቃዕቲ ንዝርከቡ ሰባት እቲ ክታበት ብናጻ እዩ ዝወሃብ። ኣብቶም ዝተጠቕሱ ጕጅለ ንዘይኮኑ ግን እቲ ክታበት 262 kr እዩ ዝኽፈሎ።
Other languages
Influenza vaccination in Västmanland - engelska
Influenssarokotus Västmanlandissa - finska