ምክንኻን ቈልዓ

ደገፍ ወላዲ ምዃን ኣብ ቨስትማንላንድ

Föräldraskapsstöd - tigrinskaThe content concerns Västmanland

Link to Swedish version

ንስኻ ከም ወላዲ ወይ መቕርብ መጠን፡ ኣብ ሂወት ውላድካ እቲ ኣገዳሲ ሰብ ኢኻ፡ ስለዚ ኣብ ናይ ውላድካ ጥዕናን ኣነባብራን እወታዊ ጽልዋ ከተንብር ዓቢ ዕድል ኣሎኳ። ኵሉ ጊዜ እንታይ ክትገብርን ክትሓስብን ከምዘሎኳ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን፡ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክርከብ ከም ዝከኣል ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ።

ደገፍ ወላዲ ምኽዋን ንዓቕሚ ተራ ወላድን ዝምድና ኣብ ሞንጎ ወላድን ውሉድን ዘሓይል ኣስተዋጽኦታት ዝህብን ዝድግፍን እዩ። ህላዌ ጽቡቕ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ወላድን ውሉድን፡ ንምዕባሌ እቲ ቆልዓ ኣብ ምዕባዩን ዋላውን ዓብይ ኮይኑ ኣብ ዝነብረሉ ዕድመን ጽልዋ ኣሎዎ። 

ኣብ www.1177.se/vastmanland/foraldraskapsstod ደገፍ ወላዲ ምዃን እንታይ ምዃኑን ዓይነት ናይ ዘበርክቶ ደገፍን ከምኡ እውን ምስቲ ኣብ ዞባኻ ዝርከብ ኣካል ንምርኻብን ዝምልከቱ ሓበሬታት ኣሎዉ። ኣብዚ  pdf እዚ ብዛዕባ እቶም ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ብቋንቋኻ ከተንብብ ትኽእል።ወላዲ ኢልና ክንጽሕፍ መሪጽና እዚ ማለትና ግን ናይ ስጋ ወለድን፣ሞጕዚት ወይ ድማ ካልኦት ናይቲ ቆልዓ ሓላፍነት ዘለዎም ዓበይትን ክኾኑ ይኽእሉ። 

ናይ ኣደታትን-ቆልዑትን ክንክን ጥዕና

ክንክን ጥዕና ኣደታት  MHV ንጥኑሳትን ዋላውን ደገፍ ተራ ወለድን ከም ኣብነት፡ ከም ጉጅለ ወለዲ ኣብ ግዜ ሕርስን- ወለዲ ንምዃን ምድላዎምን ዝኣመሰሉ ደገፋት ይገብር። መብዛሕትኡ ግዜ እብ ክፍሊ ሕክምና ኣደታትን  MVC ወይ ድማ ክፍሊ ሕክምና ቆልዑትን ምስ ሓንቲ ናይ ቆልዑት ነርስ ትራኸብ ኢኻ። ኣብዚ ክፍሊ እዚ ንኣብነት ንልምዲ ኣነባብራን መከላኸሊ ጥንስን ዝምልከቱ ምኽርታት ትረክብ።

ኣብ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ቆልዑት BVC ውላድኩም ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ክሳብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝጅምርን  ናይ ጥዕና መርመራታትን ክታበታትን ይረክብ። ንስኻ ከም ወላዲ ብዛዕባ ናይቲ ቆልዓ ጥዕናን ምዕባሌኡን ምኽርን ደገፍን ትረክብ። እቲ ነዚ ኣገልግሎት ዝህብ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕናን ወይ ድማ ኣብ ማእከል ክፍሊ ስድራ-ቤታትን ይርክርብ፡ናብ ገዛ ብምምጻእ እውን ኣገልግሎት ይህቡ። ኣብ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ቆልዑት BVC እቲ ናብኡ ዝግበር ምብጻሓት ብወለንትናኻ ዝግበር ኮይኑ ንዅሎም ወለዲ ድማ ይቕበል። ናብ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ቆልዑት BVC ምምጻእ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ክንክን ጥዕናን-ሕክምናን

ክፍሊ ክንክን ጥዕናን-ሕክምናን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ንቆልዑትን ወለድን ክንክንን ደገፍን ይገብር። ማእከል ክንክን ጥዕና ኣብ ሕብረተ-ሰብ ስፍሕ ዝበለ ክፉት ኣገልግሎታት ዘለዎ ኰይኑ ብዘይካቲ ዝህቦ ስሩዕ ኣገልግሎት ጥዕና፣ብዛዕባ ናይ ውላድኩም ጽቡቕ ህልውና ዝምልከት ምኽርን ደገፍን የበርክት። ኣብ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ቆልዑትን-መንእሰያትን BU-hälsan ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድ ንዝነብሩ  ናብ ትምህርቲ ዝመላለሱ ቆልዑትን መንእሰያትን ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድመኦም፡ፈኲስን ማእከላይን ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀውሲ ምስ ዝህልዎም ሕክምና ይረኽቡ። ክንክን ጥዕና ቆልዑትን-መንእሰያትን BU-hälsan ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድ ሰለስተ ኣገልግሎት ዝህቡ ቦታታት ኣለዉዎ። እዚኣቶም ድማ ኣብ ቨስተሮስ፣ሸፒንግን ፋገሽታን ይርከቡ። ናብ ናይ ቆልዑትን-መንእሰያትን ክንክን ጥዕና ንምምጻእ እቲ ቆልዓ ወይ ድማ መንእሰይ ምልክታት ናይ ስነ-ልቦናዊ ቀውሲ ምስ ዝረኣዮ እዩ።

ንኣብነት እቲ ቆልዓ ድሕሪ ምስ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ተመሃራይ Elevhälsa ወይ ድማ ምስ ማእከል ጥዕና ምርኻቡ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ፣ ወይ ኣብ ቤት-ትምህርትን ምስ መሓዙቱን ጸገማት ምስ ዝህልዎ ናይ ቆልዑትን-መንእሰያትን ክፍሊ ስነ-ልቦናዊ ሕክምና BUP ኣሎ። እዚ ክፍሊ ሕክምና እዚ BUP ምጽራያትን፣ሕክምናን ከምኡ እውን ከቢድ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ንካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመኦም ቆልዑትን መንእሰያትን ንኣብነት፡ ከም ቅዛነት፣ጭንቀትን ምስዘርእዩን ከምኡ እውን ስሚዒታትካን ምስ ካልኦት ዘሎኳ ርክባትን ናይ ምእላይ ጸገማት እንተልዩዎን። ምስ ክፍሊ ክንክን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቆልዑትን-መንእሰያትን ምርኻብ መጀመርታኻ እንተድኣ ኰይኑ ምስ BUP start ተራኸብ። እዚ ማእከል ጥዕና እዚ ንምሉእ ኣውራጃ ዘማእከለ ኰይኑ ኣብ ቨስተሮስ እዩ ዝርከብ ናብ ክፍሊ ክንክን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቆልዑትን መንእሰያትን BUP ድማ የምርሕ።

ክፍሊ ክንክን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቆልዑትን መንእሰያትን፣ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ስንክልና ንዘለዎም ቆልዑትን መንእሰያትን ከምኡ እውን ናይ ቆልዑት ክሊኒካትን፡እቲ ቆልዓ ሕማም ወይ ገለ ዓይነት ስንክልና ምስ ዝህልዎ ንወለዲ ነዚ ንምእላይ ንክኽእሉ ምኽርን ደገፍን ይህቡ። ክፍሊ ክንክን ጥዕና ስንክልና ንዘለዎም ቆልዑት፡ ንሕዱር ስንክልና ንዘለዎም ሰባት እዩ ዘገልግል። ኣብኡ መቕርብ ዝኾኑ ሰባት እውን ደገፍን ፍልጠትን ይረኽቡ።

ክፉት ቅድመ ምጅማር ትምህርቲ

እዚ ክፉት ቅድመ ምጅማር ትምህርቲ ኣብቲ ንቡር ቅድመ ምጅማር ትምህርቲ ዘይተመዝገበ ቆልዓ ንዘለዎም ወለድን ወይ ድማ ኻልእ ሓላፍነት ናይ ቆልዓ ዘለዎ ዓብይ ሰብን እዩ ዘተኵር። ኣብዚ ብዘተባብዕ ሃዋህው እቲ ቆልዓ ምስ ካልኦት ቆሎዑት ንክጻወትን ክራኸብን ይኽእል፡ ወለዲ ድማ ኣብ ዙርያ ኵነታት ደቆምን፡ተራ ውለድን፡ዘለዎም ተመክሮታትን ንሓድሕዶም ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ይኽእሉ። ከምኡ እውን መምህራን ናይቲ ክፉት ቅድመ ትምህርቲ ነቲ ቆልዓ ወይ ድማ ንተራ ወለድን ዝምልከቱ ሕቶታት ምኽርን ደገፍን ይህቡ።

እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ፡ግንከ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሙናት ፍልልይ ክህሉ ይኽእል፡እቶም ተሳተፍቲ ምዝጉባት ክኾኑ ኣድላዪ ኣይኮነን ኣብ ዝደለዩዎ ግዜ ክሳተፉ ይኽእሉ። እዚ ክፉት ቅድመ ምጅማር ትምህርቲ እዚ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወለዲ ከም መራኸቢ ኮይኑ የገልግል ኣብ ርእሰኡ ድማ ምስ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ርክብ ንኽገብሩ ይሕግዝ።

ናይ ወለዲ ማእከል

ናይ ወለዲ ማእከል ክበሃል እንከሎ ምትሕብባር ናይ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ኣደታትን፣ክንክን ጥዕና ቆልዑትን፣ ክፉት ቅድመ ምጅማር ትምህርትን ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ምስ ናይ ወለዲ ማእከል ዝተኣሳሰሩ ሃነጽቲ ንጥፈታትን ካልኦት ዓይነታት ደገፋትን የጠቓልል። ኣብዚ ዝሰርሑ ኣካላት ድማ፡ ናይ ቆልዑት ኣለይቲ ሕሙማት/ነርሳት፣ኣለይቲ ሕሙማት/ነርሳት፣መምህራን ቅድመ ምጅማር ትምህርቲ፣ጸሓፍቲ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ እንሓንሳብ እውን ኣማኸርቲ ስድራ-ቤታዊ ጉዳያት፣ኣለይቲ ንጥፈታት ትርፊ ግዜ፣ናይ ስነ-ልቦና ሰብ ሞያን ሓካይምን እዮም። ኵሎም ኣብ ናይ ወለዲ ማእእከል ዝሰርሑ ኣካላት ኣብ ምዕባሌ ጥዕና ቆልዑት እወታዊ ውጽኢት ንምምጻእ እዩ። እዚ ምንጥጣፍ እዚ ናብ ቆልዑትን ወለድን ዘተኮረ ኮይኑ ንጥዕና ዘቐድምን ክኽሰቱ ንዝኽእሉ ጸገማት ምክልኻልን ደጋፍን እዩ።

ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት-ትምህርትን

ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት-ትምህርትን ፍሉይ ቤት-ትምህርትን፡ኣብ መንጎ ቆልዑትን ወለዶምን መምህራንን ተሓባቢሮም ንኽሰርሑን ዝዕድሙን ዘራኽቡን ኣገደስቲ ቦታታት እዮም።ኣብ ዓመታት ናይ መዋእለ-ህጻናትን እቶም ቀዳሞት ናይ ትምህርቲ ዓመታትን ንቆልዓ ከተምጽእዎን ክትወስዱዎን እንከለኹም ኣብ ዘሎ መዓልታዊ ርክባት ምስ መምህራን፡ንዓኻ ከም ወላዲ ሓፈሻውን ኣገዳስን ደገፍ እዩ። ብዛዕባ እቲ ቆልዓ ሓበሬታን ምትሕብባርን ዝፈጥር ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዩ። ካልኦት ኣገደስቲ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ንኣብነት ናይ ወለዲ ኣኼባን፣ ሓበሬታ ዝወሃቡሎም ምሸታትን ንምዕባሌ እቲ ቆልዓ ዝምልክቱ ምምይያጣትን ዝኣመሰሉ እዮም።

ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት-ትምህርትን ፍሉይ ቤት-ትምህርትን፡ኣብ መንጎ ቆልዑትን ወለዶምን መምህራንን ተሓባቢሮም ንኽሰርሑን ዝዕድሙን ዘራኽቡን ኣገደስቲ ቦታታት እዮም።ኣብ ዓመታት ናይ መዋእለ-ህጻናትን እቶም ቀዳሞት ናይ ትምህርቲ ዓመታትን ንቆልዓ ከተምጽእዎን ክትወስዱዎን እንከለኹም ኣብ ዘሎ መዓልታዊ ርክባት ምስ መምህራን፡ንዓኻ ከም ወላዲ ሓፈሻውን ኣገዳስን ደገፍ እዩ። ብዛዕባ እቲ ቆልዓ ሓበሬታን ምትሕብባርን ዝፈጥር ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዩ። ካልኦት ኣገደስቲ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ንኣብነት ናይ ወለዲ ኣኼባን፣ ሓበሬታ ዝወሃቡሎም ምሸታትን ንምዕባሌ እቲ ቆልዓ ዝምልክቱ ምምይያጣትን ዝኣመሰሉ እዮም።

ክፍሊ ምክትታል ጥዕና ተመሃራይ

ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝርከብ ምክትታል ጥዕና ቆልዑት፡ ቆልዑት ጽቡቕ ጥዕና ንክህልዎምን፡ ክምዕብሉን ንክመሃሩን ካብ ቅድመ ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ሓገዝን ደገፍን ይግበረሎም። ምክትታል ጥዕና ቆልዑት ተመሃሮን ወለድን ኣብ ዙርያ እቲ ቆልዓ ንኣብነት ቤት-ትምህርቲ ከመይ ከም ዝሰማምዖን፣ ጥዕና ዝህብ ኣነባብራን፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን፣ ጸገማት ጠባያትን/ባህርያትን ከምኡ እውን ስንክልናን ዝምልከቱ ጉዳያት ሓበሬታን ደገፍን ዘለዎ ምዝርራብ ይገብር። ኣብኡ ብምኻድ ድማ ቆልዑት ኵነታት ጥዕናኦም ይምርመሩን ክታበት ይወስዱን።ቆልዑትን ንስኻ ከም ወላድን ካብ ቅድመ ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ እዚ ክፍሊ ምክትታል ጥዕና ተመሃራይ ክትራኸቡ ወይ ክትበጽሑ ትኽእሉ።

ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ወለዲ ኣብ ሓድ-ሓደ እዋን ከም ብቕዓት ዘይብሎም ኮይኑ ክስመዖም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ እቲ ቆልዓ ኣብ ቅድመ ምጅማር ትምህርቲ ወይ ቤት-ትምህርቲ ዘይምቹእ ኵነታት ምስዝህልዎ ወይ ድማ እቲ ቆልዓ ምልክት ናይ ሓደገኛ ምዕባሊ ምስ ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ ምስ ዝኸውን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ምኽርን ደገፍን ንምርካብ እቲ ኣብቲ ኮሙን  ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕበር ኣለዎ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ኵነታት ቆልዓ/ቆልዑት ስክፍታ ምስ ዝህልወካ፡ዋላውን ውላድካ ኣይኹን፡ ኣብ ዙርያ ስክፍታታትካ ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ምስ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተራኸብ።

ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ከም ስድራ-ቤታዊ ኣልያን፣ኣገልግሎት  መብረይን ንመቕርብ ዝድግፉ ስድራ-ቤትን እዚ ድማ ኣድላይነቱ ድሕሪ ምግምጋምን ማለት መጽናዕቲ ምስ ተገብረ እሞ መሰል ናይ ምርካብ ደገፍ  ኣብ ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምርኰስ ምዅእኑ ምስ ተጻረየን እዩ ዝትግበር። ስንክልና ዘለዎ ቆልዓ ዘለዎም ወለዲ፡ኣብ ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን LSS  ዝምርኰስ እቲ ቆልዓ ንሓጺር ጊዜ ዝጸንሓሉ ቦታ ንምርካብ፣ዝኣልዮ/ዝራኸቦ ሰብ ክምዘዘሉን ኣብ ገዛ እናመጸ ዘብርን፡ ዝኣመሰሉ ደገፋት ንኽረኽቡ ከመልክቱን ክረኽቡን ይኽእሉ። ካብቶም ወለዲ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ምስ ዝህሉ ኣብ ገዛ እናመጸ ዝመርሖምን/ዘማኽሮምን ብተግባር ዝደጋገፎምን ክምደበሎም ከመልክቱ ይኽእሉ፡ እዚ ኣብ ዝበዝሑ ኮሙናት ዘቤታዊ ደገፍ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ወብሳይት ዝመሰረቱ ደገፍ ወላዲ ምዃን

ብርክት ዝበላ ወብሳይታት ኣብ ዙርያ ኣተኣላልያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት፡ ንቆልዓን ምዕባሌኡን ብዝምልከቱ ምኽርታትን ደግፈታን የበርክቱ እዮም። 1177 Vårdguiden och Gravid.se  ኣብ ዙርያ እዚ ኣርእስትዚ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ  ብሰብ ሞያ ዝተመርመረ እዩ።

በርገሳዊ ሕብረተ-ሰብ

ብ በርገሳዊ ሕብረተ-ሰብ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት/ደገፋት ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ስፖርት ብዝነጣጠፉ ማሕበራት፣ ባህላውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና፣ ተጣበቕቲ መሰል ቆልዑት ከም BRIS ከምኡ እውን ውድብ ቆልዑት ኣድሕን Rädda barnen ከምኡ እውን ማሕበራት ትምህርታዊ ማእከላትን ኣብያተ-እምነታትን ኣብያተ-ክርስትያናትን ዝኣመሰሉ እዮም።

ብዙሓት ወለዲ ናብ መድረኽ በርገሳዊ ሕብረተ-ሰብ ምምጻእ/ምርኻብ ዝቐለለ ኮይኑ ይስመዖም፡ንኣብነት ኣብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ክርከበሉ ኣብ ዘይብሉን ወይ ድማ ከም ውልቀ-ሰብ እቲ ተማ ዘይሰማማዓካ ምስ ዝኸውን።

To the top of the page