ሕርሲ

ክፍሊ መወልዳን – ቈልዓ ክትወልዲ ምስ ቀረብኪ ናብዚ ትመጺ

Förlossningsavdelningen - hit kommer du när du ska föda barn - tigrinska

ቈልዓ ክትወልዲ ምስ ቀረብኪ ናብ ሓደ ክፍሊ መወልዳን ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ። ምስ ሓንቲ መሕረሲት ተራኺብኪ ድማ ትምርመሪ። ናይ በይንኺ ክፍሊ ክወሃበኪ እዩ።

Läs texten på svenska här.

ክፍሊ መወልዳን፡ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ንቘልዑ ዝወልዳ ሰባት ዝኸውን ክፍሊ እዩ። ቈልዓ ክትወልዲ ምስ ቀረብኪ ናብኡ ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ’ዚ መጻምድትኺ ወይ ካልእ ናይ ቀረባ ሰብ ሒዝኪ ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዛዕባ ምስ ክፍሊ መወልዳን ከመይ ገርኪ ከም ትራኸቢ ብዝያዳ ኣንብቢ።

ኣብኡ መን ይሰርሕ?

ኣብ ክፍሊ መወልዳን መሕረስቲ ይሰርሓ። ንሰን ናይ ሕርሲ ክኢላታት እየን።

መሕረስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ኮይነን እየን ዝሰርሓ። እዚ ምስ ሓንቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ወይ ምስ ካልእ መሕረሲት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ክፍሊ ናይ ሕርሲ ክኢላታት ዝኾኑ ሓካይም እውን ይሰርሑ እዮም። ከድሊ ከሎ ኣብ እዋን ሕርሲ ይሳተፉ እዮም።

ናብ ክፍሊ መወልዳን ምስ መጻእኪ እንታይ የጋጥም?

መጀመርታ ምስ ሓንቲ መሕረሲት ትራኸቢ።

ጥዕናኺ ከመይ ከም ዘለኽን ከመይ ይስምዓኪ ከም ዘሎን ትነግርያ።

እታ መሕረሲት እቲ ሕርሲ ብግቡእ ጀሚሩ እንተ’ሎ ኾይኑ ትምርምር።

ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብቲ ክፍሊ መወልዳን ክትጸንሒ ትኽእሊ።

መስርሕ ሕርሲ ምስ ዘይጅምር፡ እታ መሕረሲት ንገዛኺ ክትከዲን ድሒርኪ ክትምለሲን ክትሓተኪ ትኽእል እያ።

ናይ በይንኺ ክፍሊ ይወሃበኪ

ኣብቲ ዝተዋህበኪ ክፍሊ ፍሉይ ዓራት ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኮፍ ክትብለሉ ምቹእ ዝኾነ መንበር እውን ኣሎ።

ኣብቲ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ መደንዘዚ ጋዝ (lustgas) ኣሎ። ቃንዛ ክገብረልኪ ከሎ ክትጥቀምሉ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብቲ ክፍሊ መወልዳን መብዛሕትኡ ግዜ መሕጸቢ ሰብነት ብመዝነቢ ወይ ጋብላ መልክዕ ኣሎ።

ብዛዕባ ሕርስኺ ክትዘራረባ ኢኽን

እታ መሕረሲት ብዛዕባ እቲ ሕርሲ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘለኪ ሓሳባት ሕቶ ከተቕርበልኪ እያ። ንኣብነት ብዛዕባ ክትሓርሲ ከለኺ ክህልወኪ እትደልይዮ ኣካላዊ ኣቃውማ ክትዛረባ ኢኽን።

እታ መሕረሲት ጥዕና ቈልዓ ከመይ ከም ዘሎ ትምርምሮ

እታ መሕረሲት ከብድኺ ክትድህስስን ክትጥውቕን እያ። እዚ እቲ ቈልዓ ኣብ ማህጸን ብኸመይ ኣቃውማ ከም ዘሎ ንምምርማር እዩ። እታ መሕረሲት ኣፍ ክሳድ ማህጸን ተኸፊቱ እንተ ኣሎ ኾይኑ ንምፍታሽ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ እውን ትድህስስ እያ። እቲ ቈልዓ ክወጽእ ንኽኽእል ናይ ግድን ልስሉስን ዝተኸፍተን ክኸውን ኣለዎ።

ኤለክትሮኒካዊ ሓለዋ ኣብ እዋን ሕርሲ (CTG) ንህርመት ልቢ ናይቲ ቈልዓ ይዕቅን።

ክልተ ኣብ ከብድኺ ዝጣበቕ መዓቀኒ ይግበረልኪ

እታ መሕረሲት ንህርመት ልቢ ናይቲ ቈልዓ ብሓደ ሰተገ (CTG) ዝተባህለ መሳርሒ ትዕቕኖ።
እዚ፡ እቲ ቈልዓ ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ጽቡቕ ኣገባብ እዩ።

እተን እታ መሕረሲት ኣብ ከብድኺ ዘጣበቐትልኪ ክልተ መዓቀኒ ምስ መሳርሒ ዝተራኸባ እየን።

ብቑልፊ ተኣሰረን ድማ ይተሓዛ።

እታ መሳርሒት፡ ማህጸን ብሕማም ሕርሲ ክትጭበጥ ከላ ድማ ትዕቕን።

እቲ ምዕቃን ነቲ ቈልዓ ኣይጸልዎን እዩ።

እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ

እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ ንሓጺር ግዜ ኣብ ሆስፒታል ክትጸንሒ ኢኺ።

ክሳብ ክንደይ ከም ትጸንሒ ጥዕናኽን ጥዕና እቲ ቈልዓን እዩ ዝውስኖ።

ቅድሚ ሕጂ ዝወለድኪ ምስ እትኾኒ ካብ ሆስፒታል ብኣግኡ ምውጻእ ዝያዳ ልሙድ እዩ።

ኣብ ከምኡ ኵነት ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ንመርመራ ክትምለሲ ኢኺ።

ሓደ ሓደ ግዜ ንስኽን እቲ ቈልዓን ናብ ሓደ ክፍሊ መወልዳን (BB) ክትመጹ ኢኺም

ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል ንዝተወሰነ ግዜ እንተ ጸኒሕኪ ናብ ካልእ ክፍሊ ክትሰጋገሪ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ክፍሊ BB-ክፍሊ ይብሃል።

ኣብኡ ኣብቲ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ መጀመርታ ግዜ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ንኣብነት ኣብ ምጥባው ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።

ኣብ ክፍሊ መወልዳን (BB-avdelningen) መሕረስቲ፡ ተሓጋገዝቲ ነርስን ሓኻይምን ይሰርሑ።

ካልኦት ሰባት ንምብጻሕ ወይ ኣብኡ ንምድቃስ ክመጹ ምስ ዝደልዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ መጻምድትኺ ወይ ካልእ ኣብ እዋን ሕርሲ ምሳኺ ዝነበረ ወይ ዝነበረት ሰብ ኣብኡ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።

መብዛሕት ግዜ መቕርብን የሕዋትን ናይቲ ቈልዓን ክበጽሑ ይፍቀደሎም እዩ።

ቅድሚ ንገዛ ምኻድኩም እቲ ቈልዓ ይምርመር እዩ

ንስኽን እቲ ቈልዓን ቅድሚ ንገዛ ምኻድኩም እቲ ቈልዓ ብሓኪም ናይ ቈልዑ ይምርመር እዩ።

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page