ምትርባዓት ኣብ እዋን ሕርሲ
Bristningar vid förlossningar - andra språk - tigrinskaቈልዓ ክውለድ ከሎ ኣብ ርሕሚ ቁስሊ ከጋጥም ልሙድ እዩ። እቶም ክስፈዩ ዘድልዮም ቁስሊ ምትርባዕ ተባሂሎም ይጽውዑ። ናእሽቱ ምትርባዓትን ዓበይቲ ምትርባዓትን ኣለዉ። እቶም ምትርባዓት ድሕሪ ሕርሲ ሽዑንሽዑ ብመሕረሲት (barnmorska) ወይ ሓኪም ይሕከሙ።
ምትርባዕ ኣጋጢሙኪ እንተ ኾይኑ እታ መሕረሲት ክትሕብረኪ እያ።
እታ መሕረሲት እቲ ምትርባዕ ኣበይ ከም ዘጋጠመ ከተርእየኪ ናይ እትኽእለሉ ብኢድ ዝተሳእለ ስእሊ ብልዕቲ ክወሃበኪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።
Läs texten på svenska här.
ከመይ ከም ዝስምዓኪ
እዞም ዝስዕቡ እቶም ልሙዳት ምትርባዕ ከጋጥም ከሎ ዝስምዑኺ ጸገማት እዮም፦
- ኣብ ብልዕቲ ቃንዛ ይገብረልኪ።
- ካብ ርሕሚ ደም ይወጽእ
- ዝፍሕፍሕ ስፋይ ክህልወካ ይኽእል።
- ሽንቲ ማይ ክትሸንን ቀልቀል ክትወጽን ከቢድ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸገማት መዓልታዊ እናሓሸ እዩ ዝኸይድ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝኸፍኣ ቃንዛ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ይገድፍ እዩ። ክሳብ ዝሓዊ ግን ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ።
ሕክምና
ዘጋጥሙ ምትርባዓት ድሕሪ ሕርሲ ሽዑንሽዑ እዮም ዝስፈዩ።
እቲ ንምስፋይ ዝተጠቀምሉ ፈትሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ባዕሉ ይጠፍእ ወይ ይወድቕ እዩ።
ዳግመ ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን (barnmorskemottagningen)
ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ሰሙን ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ዳግመ ምብጻሕ ክትገብሪ ኢኺ። ሽዑ ምስታ መሕረሲት ብዛዕባ ምትርባዓት ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?
ገሊኤን ኣዴታት ብዛዕባ ምትርባዓት ንምዝርራብ ክሳብ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን ዳግመ ምብጻሕ ዝገብራ ክጽበያ ኣይክእላን እየን። ቅድሚ እቲ ዳግመ ምብጻሕ ናብ ሕክምና ምኻድ የድልየን እዩ።
ገሊኤን ነቲ ምትርባዓት ድሒረን ይረኽብኦ። ኣብ ከምዚ ኵነት ድሕሪ እቲ ዳግመ ምብጻሕ ናብ ሕክምና ምኻድ ይከኣል እዩ።
ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ግበሪ፦
- ጸገማትኪ ኣብ ክንደ እናሓሸ ዝኸይድ እናገደደ ምስ ዝኸይድ።
- እቲ ምትርብዓት ንህይወትክን ጥዕናኽን ምስ ዝጸልዎ።
- ቀልቀል ክትወጺ ወይ ሽንቲ ማይ ክትሸኒ ከለኺ ምስ ዘቐንዝወኪ።
- ኣብ ብልዕትኺ ዘሎ ስፍየት ጸገም ክገብረሊ ከሎ።
ቀዳመ-ሰንበት ወይ ብዓል እንተ ኾይኑ፡ ክሳብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸውን ክትጽበዪ ትኽእሊ ኢኺ።
ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ክትገብሪ ብዝያዳ ህጹጹ ክኸውን ይኽእል እዩ፦
- እቲ ኣብ ብልዕትኺ ዘሎ ቁስሊ ብዝያዳ ምስ ዝሓብጥን ቃንዛ ክገብረልኪ ምስ ዝጅምርን።
- ረስኒ ምስ ዝገብረሊ ወይ ከም ዝሓመምኪ ኮይኑ ዝስምዓኪ።
- ሽንቲ ማይ ክትሸኒ ከጸግመኪ ከሎ።
ናብዚ ዝስዕብ ሕክምና ኪዲ
ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ፦
ኣብቲ ዝሓረስክሉ ክፍሊ መወልዳን።
- ሓደ ተረኛ ክሊኒክ
- ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን።
- ሓደ ክሊኒክ ጥዕና ማህጸን (gynekologisk mottagning)።
- ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና።
ዕጹው ምስ ዝኸውን ወይ ክቕበሉኺ ምስ ዘይክእሉ፡ ንሕክምና ናብ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት ኪዲ።
ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ
ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።
ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።
ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ብዙሕ ግዜ ናብ ሕክምና ኪዲ
በቲ ዝተዋህበኪ ሕክምና ዘይሓሸኪ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኪ፡ ናብ ሕክምና ተመሊስኪ ኪዲ።
ቈልዓ ካብ ትወልዲ ዋላ ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ ይኹን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ሓገዝ ኣሎ።
ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ
ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።
ባዕለይ እንታይ ክገብር እኽእል?
እቲ ምትርባዓት ክሓዊ ከሎ ባዕልኺ እዚ ዝስዕብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፦
- ህድእ በልን ኣዕርፍን
- ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ መህድእ ቃንዛ ከኒና ውሰዲ።
- ኮፍ ምባል ዘቐንዝወኪ እንተ ኾይኑ ጎቦ ዄንኪ ኣጥብዊ።
- ተንቀሳቐሲ። ንኣብነት ብእግርኺ ክትዛወሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ነብስኺ ኣብ ጋብላ (ባስካ) ክንዲ ምሕጻብ ብመዝነቢ (ሻወር) ተሓጸቢ። ውሽጢ ርሕምኺ ብሳሙና ኣይትሕጸብዮ። ነብስኺ ከተንቅጺ ከለኺ በቲ ሽጎማኖ ተጠንቒቕኪ ሕጸብዮ።
- ነብስኺ ኣብ ጋብላ (ባስካ) ክንዲ ምሕጻብ ብመዝነቢ (ሻወር) ተሓጸቢ። ውሽጢ ርሕምኺ ብሳሙና ኣይትሕጸብዮ። ነብስኺ ከተንቅጺ ከለኺ በቲ ሽጎማኖ ተጠንቒቕኪ ሕጸብዮ።
- ዝከኣል እንተ ኾይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይ ጸቢብ ክዳንን ናይ ውሽጢ ክዳንን ኩኒ። ናብ ብልዕትኺ ንፋስ ክኣቱ ጽቡቕ እዩ።
- ነቶም ኣብ ብልዕቲ ዘለዉ ጭዋዳታት ልምምድ ብምግባር ኣትርርዮም። እዚ ልምምድ ታሕተዋይ ክፋል ጎሎ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
- ብልዕትኺ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወየ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓኪ ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ተጸበዪ።. እዚ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ቃንዛ እንተ ገይሩልኪ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ዝግዛእ መድሃኒት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ቤት መድሃኒት ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።