ንዓኹም ወይ ንዚቐርበኩም ሰብ ጉድኣት ወይ ዓመጽ ምስበጽሕ እንታይ ትገብሩ

När du eller någon i din närhet far illa - tigrinskaThe content concerns Kronoberg

ንዓኹም ወይ ንዚቐርበኩም ሰብ ጉድኣት ወይ ዓመጽ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብዛዕባ ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገርን ክትከድዎ እትኽእሉ ቦታን ዚምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቡ ኢኹም።

ሓገዝ እትረኽብሉ ቦታ

ንቆልዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን

Bris፡ ምስ ቖልዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን ዚዘራረብ ሰብ ይቕርብን ደገፍ ይህብን።

Ungdomsjouren Animo፡ ጾታዊ መንነት ብዘየገድስ፡ ንዂሎም ንኣሽቱ መንእሰያት ደገፍ ንኺህብ ተባሂሉ ዝቖመ እዩ። ኲሉ ግዜ፡ ሰሉስን ሓሙስን ካብ ሰዓት 6.00 ድ.ቐ–8.00 ድ.ቐ ክፉት ዚኾነ መንነትካ ከይገለጽካ እትግልገለሉ መበሃሃሊ (ቻት) ኣለዎም፣ እዚ ድማ ብኢ-መይል ይካየድ እዩ። ብዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣዝዩ ገዚፍ ወይ ኣዝዩ ንእሽቶ ዚብሃል ኣርእስቲ የለን።

Familjefrid Kronoberg፡ ኣብ ጥቡቕ ዝምድናታት ንዘጋጥም ዓመጽ ንዝተኣሳሰር ጉዳያት ዚምልከት ውልቃዊ ምኽርን ናይ ጉጅለ ንጥፈታትን፡ ንቖልዑን ዓበይትን ይህብ። ንግዳያትን ፈጸምትን ዓመጽ ይረኽቦም። ዝኾነ ዓይነት ሰነድ ኣይሕዝን፣ ምስጢራውነት ናይ ምዕቃብ ግዴታ ድማ ኣለዎ። ካብ Familjefrid Kronoberg ዚውሃብ ደገፍ፡ ብናጻ ብዘይ-ክፍሊት እዩ።

ምስ ቆልዓ ቅርበት ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ እዋን። 

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ጀሚሩ ክሳዕ መዕቆቢ ቦታ ንዓኹም ኣብ ምሃብ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብ እትቕመጥሉ ምምሕዳር ከተማ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተወከሱ።

AlvestaLesseboLjungbyMarkarydTingsrydUppvidingeVäxjöÄlmhult.

Dinarattigheter.se፡ ኣብ ክብርኹም ዘተኮረ ጭቆና ብዛዕባ ዚተኣሳሰር መሰላትኩም ዚምልከት ሓበሬታ ይህብ። ብዛዕባ ደገፍ እትዘራረብሉ መስመር መበሃሃሊ (ቻት) ከምኡውን ናይ ኢ-መይል ደገፍ ኣሎ። እዚ መርበብ-ገጽ፡ ኣብ ስዊድን ብዚርከብ ሰይቭ ዘ ቺልድረን (Save the Children) ዚመሓደር እዩ።

Jagvillveta.se፡ ንኣሽቱ መንእሰያት፡ ጸረ ሕጊ እንታይ ምዃኑ፣ ብገበናዊ ኣዋጅ ትሕተቱ እንተዄንኩም ከመይ ስምዒት ከምዝስምዓኩምን ሓገዝ ኣበይ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉን ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽብሉ እትኽእልሉ መርበብ-ገጽ እዩ።

Killfrågor.se፡ ካብ 10–18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣወዳት ብመገዲ ኣገልግሎት መበሃሃሊ (ቻት) ደገፍ ዚህብ እዩ።

Tris.se፡ ኣሕጽሮት-ቃል ‘Tjejers rätt i samhället’ ኮይኑ፡ ‘መሰላት ኣዋልድ ኣብ ሕብረተሰብ’ ማለት እዩ። መስመር ተሌፎን ሓገዝ ኣለዎ፣ ኣብ ክብሮም ዘተኮረ ዓመጽ ንዘጋጥሞም ሰባት ደገፍ ዚህብ እዩ።

Ungasjourer.se፡ ንቖልዑ፡ በጽሕታትን ንኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ ምድጋፍን ዓቕሞም ኣብ ምጥንኻርን ምስ ዝሰርሓ ኣብ ስዊድን ንዝርከባ ኲለን ጉጅለታት ደገፍ የተሓባብር!

Ungarelationer.se፡  ነቶም ኣብ ዝምድናታቶም ግዳያት ንዝኾኑ፡ መሓዙት ግዳያትን ፈጸምቲ ዓመጽን ንዝኾኑ ክሳዕ 20 ዓመት ንዝገበሩ ሰባት፡ ደገፍን ሓበሬታ ይህብ። ኲሉ ግዜ ምሸት፡ ካብ ሰዓት 8.00 ድ.ቐ–10.00 ድ.ቐ፡ መንነትኩም ከይገለጽኩም ክትዘራረቡ (ክትበሃሃሉ) ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዓመጽ፣ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታትን ጽቡቕ ዝምድና ከመይ ኪመስል ከምዝኽእልን ዚምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንኻልኦት ሰባት ምስእተፈራርሁ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ ምስትፍጽሙ፡

ነቶም እተፈራርህዎም፡ ኣብ ልዕሊኦም ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ እትፍጽምሎም ካልኦት ሰባት ዚውሃብ ደገፍ

Familjefrid Kronoberg፡ ኣብ ጥቡቕ ዝምድናታት ንዘጋጥም ዓመጽ ንዝተኣሳሰር ጉዳያት ዚምልከት ውልቃዊ ምኽርን ናይ ጉጅለ ንጥፈታትን፡ ንቖልዑን ዓበይትን ይህብ። ንግዳያትን ፈጸምትን ዓመጽ ይረኽቦም። ዝኾነ ዓይነት ሰነድ ኣይሕዝን፣ ምስጢራውነት ናይ ምዕቃብ ግዴታ ድማ ኣለዎ። ካብ Familjefrid Kronoberg ዚውሃብ ደገፍ፡ ብናጻ ብዘይ-ክፍሊት እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌኹም ጉድኣት ወይ ዓመጽ ምስዘብጽሕ እንታይ ትገብሩ

Kvinnofridslinjen፡ ናይ ስዊድን ሃገራዊ መስመር ተሌፎን ሓገዝ ደቀኣንስትዮ እዩ፣ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓት ድማ ብመስመር ተሌፎን ኣገልግሎት ምኽሪ ይህብ። ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ህጹጽ ረድኤት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣገልግሎታት ረድኤት ደቀኣንስትዮን ዚምልከት ዝርዝር መወከሲ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ድማ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። እቲ እትገብርዎ ጻውዒት ተሌፎን፡ ብናጻ ብዘይ-ክፍሊት እዩ፣ ኣብ መኽፈሊ ኣገልግሎት ተሌፎን ድማ ኣይርኣይን እዩ።  ቊጽሪ ተሌፎን፥ 020-50 50 50።

Kvinnojouren Blenda፡ ነተን ግዳያት ዓመጽ ዝኾና ካብ Alvesta፡ Lessebo፡ Tingsryd፡ Uppvidingeን Växjöን ንዝመጻ ደቀኣንስትዮ ይቕበል። ነተን ግዳያት ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽ ወይ ዓመጻት ዝኾና ደቀኣንስትዮ፡ ምኽርን ማዕዳን ይህብ። እቲ ርክብ፡ በተን ደቀኣስንትዮ ዝደላያኦ ኣገባብ ይግበር፣ ኣብቲ ዘድልየን ነገራት ምርኩስ ዝገበረ ስለዝኾነ ድማ ንዕኤን ኣብ እንረኽበለን እዋን መንነተን ከይገለጻ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

Kvinnojouren Märta፡ ነተን ግዳያት ዓመጽ ዝኾና ካብ Ljungby፡ Markarydን Älmhultን ንዝመጻ ደቀኣንስትዮ ይቕበል። ነተን ግዳያት ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽ ወይ ዓመጻት ዝኾና ደቀኣንስትዮ፡ ምኽርን ማዕዳን ይህብ። እቲ ርክብ፡ በተን ደቀኣስንትዮ ዝደላያኦ ኣገባብ ይግበር፣ ኣብቲ ዘድልየን ነገራት ምርኩስ ዝገበረ ስለዝኾነ ድማ ንዕኤን ኣብ እንረኽበለን እዋን መንነተን ከይገለጻ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ጀሚሩ ክሳዕ መዕቆቢ ቦታ ንዓኹም ኣብ ምሃብ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብ እትቕመጥሉ ምምሕዳር ከተማ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተወከሱ።

AlvestaLesseboLjungbyMarkarydTingsrydUppvidingeVäxjöÄlmhult.

Familjefrid Kronoberg፡ ኣብ ጥቡቕ ዝምድናታት ንዘጋጥም ዓመጽ ንዝተኣሳሰር ጉዳያት ዚምልከት ውልቃዊ ምኽርን ናይ ጉጅለ ንጥፈታትን፡ ንቖልዑን ዓበይትን ይህብ። ንግዳያትን ፈጸምትን ዓመጽ ይረኽቦም። ዝኾነ ዓይነት ሰነድ ኣይሕዝን፣ ምስጢራውነት ናይ ምዕቃብ ግዴታ ድማ ኣለዎ። ካብ Familjefrid Kronoberg ዚውሃብ ደገፍ፡ ብናጻ ብዘይ-ክፍሊት እዩ።

Victim Support Kronoberg፡ ንግዳያት ወይ መሰኻኽር ገበን ወይ ኣዝማድ ግዳያት ገበን ወይ ጥርጡራት ምስ ዝውሃብ ኣገልግሎት ማዕዳን ግብራዊ ምኽርን ብቐንዱ ዝተኣሳሰር ኣገልግሎት ደገፍ ዚህብ እዩ።

Manscentrum i Stockholm፡  ማእከል ቅልውላው ደቀተባዕትዮ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢት ለበዳ ኮቪድ-19 ድማ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚውሃብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፍወሳታት እናስፍሔ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ፍወሳ'ዚ፡ ብኦንላይን ወይ ብመስመር ተሌፎን ይካየድ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናብ kriscentrum@manscentrum.se ኢ-መይል ስደዱ ወይ ናብ 08-6431183 ደውሉ።

Roks፡ ኣብ ስዊድን ዚርከብ ሃገራዊ ውድብ መዕቆቢ ደቀኣንስትዮን መዕቆቢ ንኣሽቱ ደቀኣንስትዮን ኮይኑ፡ ብመስመር ተሌፎንን ብኻልእ ተበግሶታትን ንደቀኣንስትዮን ኣዋልድን ደገፍ ዝህባ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ማእከላት ህጹጽ ረድኤት ኣለዎ።

Terrafem፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት መበቆል ንዘለወን ደቀኣንስትዮ ኣመልኪቱ ኣብ ስዊድን ብሃገር ደረጃ ኣገልግሎት ዚህብ እንኮ መስመር ተሌፎን ሓገዝ እዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ደቀኣንስትዮ፡ ደገፍን ምኽርን ብ43 ቛንቋታት ክረኽባ ይኽእላ እየን። ቊጽሪ ተሌፎን፥ 020- 52 10 10። እቲ እትገብርዎ ጻውዒት ተሌፎን፡ ኣብ መኽፈሊ ኣገልግሎት ተሌፎን ኣይርኣይን እዩ።

Unizon፡ ብመስመር ተሌፎንን ብኻልእ ተበግሶታትን ንደቀኣንስትዮን ኣዋልድን ደገፍ ዝህባ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ማእከላት ህጹጽ ረድኤት ኣለዎ። ገለ ማእከላት ህጹጽ ረድኤት ድማ ኣብ ደቀተባዕትዮ ግዳያት ዓመጽ ዓሊመን ኣገልግሎት ይህባ እየን። 

Hedersfortryck.se፡ ንግዳያትን ኣብ ክብሪ ንዘተኮረ ጭቆና ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ክረኽቡ ንዝደልዩን ሓበሬታ ዚህብ እዩ።

Bris፡ ናይ ወለዲ መስመር ተሌፎን ሓገዝ ኮይኑ፡ ዓበይቲ ድማ ምኽርን ደገፍን ኪረኽቡ ይኽእሉ።

ሃገራዊ ማሕበር ማእከላት ደገፍ ናይተን ኣብ ግዜ ቆልዕነተን ብቐረባ ዘመድ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕትን ዝበጽሔን ደቀኣንስትዮ (RISE)፡ ኣብ ግዜ ቆልዕነተን ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝኾና ደቀኣንስትዮ ኣገልግሎት ዚህብ እዩ። እዚ ማሕበር'ዚ፡ ደገፍ ንኽትረኽቡ ክትድውልሉ እትኽእሉ መስመር ተሌፎን ሓገዝ (08 - 696 00 95) ኣለዎ።

ንደቀተባዕትዮ ኣገልግሎት ዚህብ ሃገራዊ ማሕበር ማእከላት ቅልውላው ስዊድናውያን፡ ነተን ኣብ ቅልውላው ዝርከቡ ደቀተባዕትዮ ደገፍ ንኽህባ ዝሰርሓ ማእከላት ዝጥርንፍ ጽላል ውድብ እዩ። ዝርዝር መወከሲ ሓበሬታ ናይተን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ንደቀተባዕትዮ ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት ቅልውላው ኣብዚ ክትረኽቡ ኢኹም።

ናይ RFSL ደገፍ ግዳያት ሰዶማውያን (LGBTQ)፡ ብመስመር ተሌፎን ኣገልግሎት ማዕዳ ይህብ።

ደገፍ ግዳያት ስዊድን፡ ንግዳያት ገበን ደገፍ ዚህብ እዩ።

Kom till oss፡ ኣብ ጥቡቕ ዝምድናታት ብዛዕባ ዘጋጥም ገበናት ዚምልከት መርበብ-ገጽ ሓበሬታ ፖሊስ ስዊድን እዩ።

Jourhavande medmänniska፡ ብመገዲ መበሃሃሊ (ቻት) ከምኡውን ብመስመር ተሌፎን ኣገልግሎት ምኽሪ ዚህብ ዘይ-መንግስታዊ ውድብ እዩ።

To the top of the page