ኣብ ጊዜ ጥንስኺ ሽጋራ ምስታይን ትምባኾ ምጥቃምን፥ ነቲ ጥንሲ ብጐዳኢ ንጥረ-ነገራት ከም ዚጥቃዕ ምግባሩ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ”ድቂን” ነቲ ጥንሲን ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ማለት’ዩ። ትምባኾ ምጥቃም ኣብ ዝገደፍክሉ ግዜ፡ ሽዑ- ንሽዑ ድማ እቲ ሓደጋ እናጐደል ይኸይድ። ኵሉ ሰብ ትምባኾ ምጥቃም ጠጠው ከብል ይኽእል’ዩ። ከቢድ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑኪ፡ ሓገዝ ምርካብ ትኽእሊ ኢኺ። ይኹን እምበር፡ ”ኒኮቲን-ፕሎስተር”፡ ”ኒኮቲን-ማስቲካ” ከምኡ ውን ”ኒኮቲን-ኤሌክትሮኒክ ሽጋራ” ግን ኣይትጠቐሚ።