Undersökningar och prover - ምርመራታት/ቅምሶታት

ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ ንቫይረስ HPV ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድ ክትግበር እዩ

Självprovtagning för HPV i Västmanland - tigrinskaThe content concerns Västmanland

ኣብ ውሽጢ ዓመት 2022 ዞባ ቨስትማንላንድ ንካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ን HPV መመርመሪ ዝኸውን መጋበርያ ክሰድድ ክጅምር እዩ። እዚ ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ-HPV ኣብ ክንዲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ ከም ኣማራጺ እዩ።

ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ ንቫይረስ HPV ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድ ክትግበር እዩ

እቲ መርመራ እንታይ እዩ ዘርኢ

እዚ ዝውሰድ መርመራ ናይ HPV, (ሁማንት ፓፒሎን ቫይረስ) ክስተት ከይህሉ ንምርኣይ እዩ።እብቲ ናይቲ መርመራ ውጽኢት HPV ዝበሃል ቫይረስ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክትፈልጢ ኢኺ።ነዊሕ ዝገበረ ረኽሲ ናይ HPV ኣብ ክሳድ ማህጸን ናይ ዋህዮታት ምቅይያር ከስዕብ ይኽእል cellförändringar på livmoderhalsen.

ኣንጻር HPV ክታበት ወሲድኪ እንተኾንኪ

ዋላኳ ክታበት ኣንጻር HPV ወሲድኪ እንተነበርኪ፡ ኣንጻር እቶም ኵሎም ናይ ዋህዮታት ምቅይያር ከስዕቡ ዝኽእሉ ጠንቅታት HPV ክከላኸል ስለ ዘይኽእል እዚ መርመራ እዚ ክትገብርዮ ኣሎኪ።

እዚ ናይ HPV ባዕላዊ መመርመሪ መጋበርያ ኣበየናይ ኵነታት እየ ክገብሮ ዘይብለይ?

  • ኣብ ግዜ ጥንሲ ምኽንያቱ ድማ እቲ መርመራ ብመዋለዲት ነርስ ስለዝውሰድ።
  • ኣቐዲሙ ማህጸንኪ ብመብጣሕቲ ለጊሱ እንተዀይኑ።
  • ካልኦት ሕቶታት ምስዝህልወኪ ወይ ድማ ነቲ ምውሳድ መርመራ ሓገዝ ዘድልየኪ እንተዀይኑ።

ምቅያይር ዋህዮታት ኣብ ክሳድ ማህጸን

ምቅያያር ዋህዮታት cellförändringar ባዕሉ ክሓዊ ልሙድ ተርእዮ እዩ፡ ግን ሓድሓደ ናይ ዋህዮታት ምቅይያር ሕክምና ዘድልዮም ኣሎዉ እንተዘይኮይኑ ሕማም መንሽሮ/ካንሰር ከስዕቡ ይኽእሉ።

ነቲ መርመራ ብኸመይ ይወስዶ?

ኣብ ጫፉ ጡጥ ዘለዎ ስንጫር ኣብ ራሕምኺ/ብልዕትኺ ተእትውዮ። ነቲ ስንጫር ካብኡ ኣውጺእኪ ኣብቲ ብልቃጥ ብምእታው ኣብቲ ዝተሰደኪ ፖስታ/ሰታሪት ትዕሽግዮ። ነቲ ፖስታ/ሰታሪት ኣብ ተራ ፖስታ ኣእቲኺ ኣብ ተራ ፖስታ ሳጹን ተእትውዮ። ዝርዝራዊ ሓበሬታ ምስቲ መጋበርያ ኣሎኪ።  

ድሕሪ ምውሳድ መርመራ እንታይ ይስዕብ?

እቲ መርመራ HPV ከምዘሎኪ እንተድኣ ኣርእዩ እቲ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ካብ ዝመጸሉ መዓልቲ ኣትሒዙ እንተቐልጠፈ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ መርመራ ናይ ምቅይያር ዋህዮታት ንኽትገብሪ ብመዋለዲት ነርስ መጸዋዕታ ይለኣኸልኪ። እታ መዋለዲት ነርስ ሓደ መርመራ ናይHPV ከምኡ እውን መርመራ ናይ ምቕይያር ዋህዮታት ኣብ ክሳድ ማህጸን ትገብረልኪ።

ኣብ ክሳድ ማህጸንኪ ምቅይያር ዋህዮታት ከምዘሎ እንተተራእዩ ብሓኪም ንኽትምርመሪ መጸዋዕታ ይለኣኸልኪ። HPV እንተዘይብልኪ ካልእ ዋላሓንቲ እትገብርዮ ነገር ኣይህሉን።

መልሲ ናይቲ መርመራን ተኸታታሊ መርመራ ንምውሳድን ስለምንታይ እዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ?

እቲ ኣብ መንጎ መርመራታት ዘሎ ግዜ ነቲ ረኽሲ HPV ባዕሉ ንኽሓዊ ግዜ ንምሃብ እዩ። ነቲ ዝቕጽል ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ 3–4 ኣዋርሕ ምጽባይ ሓደገኛ ኣይኮነን።

ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ HPV ልክዕ ከምቲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ HPV ርግጸኛ ድዩ ?

እወ። እቲ ናይ ነዊሕ ተመክሮ ናይ ምርምር መጽናዕትታት ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ HPV ልክዕ ከምቲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ HPV ርግጸኛ ምዃኑ እዩ።

ብትኽክል ከምቲ እታ መዋለዲት ነርስ እትወስዶ መርመራ ከመይ ጌረ ክገብሮ  ይኽእል?

እዚ ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ ናይ HPV ከምቲ እታ መዋለዲት ነርስ እትገብሮ ናይ ዋህዮታት መርመራ ናብ ርሕምኺ/ብልዕትኺ ኣዕሚቝኪ ምእታዉ ኣየድልየክን እዩ። ነቲ ጡጥ ዘለዎ ስንጫር ቍሩብ ኣዙር-ኣዙር ምባል ይኣክል እዩ። ከምኡ ብምግባር እቶም HPV ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምምርማር ዘድልዩ ዋህዮታት ይእከቡ።

ቅድሚ ሕጂ ምቅይያር ዋህዮታት ነይሩኒ ስለዝኾነ እቲ መርመራ ብግቡእ ከምእተወስደ ከረጋግጽ  ኣገዳሲ እዩ፡ነዚ ባዕለይ ከማልኦ ከምዝኽእል ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል?

ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቲ ልሙድ ናይ መጸዋዕታ ኣሰራርሓ ፍልይ ዝበለ ጽዑቕ ምክትታል ዘድልዮ ምቅይያር ዋህዮታት እንተነይሩኪ ባዕላዊ መርመራ HPV ንኽትገብሪ ኣይክትሕተትን ኢኺ። በቲ ልሙድ ኣሰራርሓ/መጸዋዕታ ተኸቲሉ ዝግበር ክትትል ዝግበረሉ ምቅይያር ዋህዮታት እንተልዩኪ ግን ባዕላዊ መርመራ HPV ንክትወስዲ ትሕተቲ።

ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ ናይ HPV ንኸመይ ዝበላ ይወሃብ ?

ዕድመኺ 30 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንተኾይኑ እሞ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምቅይያር ዋህዮታት ዘይነበረኪ ምስ እትኾኒ ባዕላዊ መርመራ HPV ንኽትወስዲ ትዕደሚ። ባዕላዊ መርመራ ናይ HPV ንኽትወስዲ እንተዘይተሓቲትኪ መርመራ ምቅይያር ዋህዮታት ንኽትገብሪ እቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ተኺቲሉ ካብ መዋለዲት ነርስ መጸዋዕታ ይለኣኸልኪ።

እቲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ ዋህዮታትን እቲ ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ HPV እንታይ እዩ ፍልልዩ?

መዋለዲት ነርስ ናይ ዋህዮታት መርመራ ክትወስድ እንከላ፡ዋህዮታት ካብ ክሳድ ማህጸንን ካብ ርሕምን/ብልዕትን እያ እትእክብ። ባዕላዊ መርመራ ናይ HPV ክውሰድ እንከሎ ግን እቶም ዝእከቡ ዋህዮታት ካብ ርሕሚ/ብልዕቲ ጥራይ እዮም። ካብ ክሳድ ማህጸን ባዕልኺ ዋህዮታት ክትእክቢ ዘይከኣል እዩ።

To the top of the page