ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ ቫይረስ HPV ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድ
Självprovtagning för HPV i Västmanland - tigrinskaዕድመኺ 30ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምስ እትኾኒ መርመራ ዋህዮታት ባዕልኺ ንክትገብሪ መርመራ ንምውሳድ ዘኽእለኪ መጋበርያ ናብ ቤትኪ ክለኣኸኪ እዩ። ኣብ ክንዲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ ባዕልኺ ኣብ ቤትኪ ትወስድዮ። እዚ ድማ ከምቲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ ዘተኣማምን እዩ። ብመዋለዲት ነርስ ክውሰደልኪ እንተድኣ ደሊኺ ምስታ መዋለዲት ነርስኪ ብምርኻብ ቆጸራ ትሕዚ።
እቲ መርመራ እንታይ የርኢ
እዚ ዝውሰድ መርመራ ናይ HPV, (ሁማንት ፓፒሎም ቫይረስ) ከምዘሎክን ዘይብልክን ንምርኣይ እዩ። ኣብቲ ውጽኢት መርመራ፡ HPV ምህላዉን ዘይምህላዉን ትፈልጢ። ነዊሕ ዝገበረ ረኽሲ HPV ኣብ ክሳድ ማህጸን ናይ ዋህዮታት ምቅይያር ከስዕብ (cellförändringar på livmoderhalsen) ይኽእል።
ምቅይያር ዋህዮታት ኣብ ክሳድ ማህጸን
ምቅይያር ዋህዮታት ባዕሉ ክሓዊ ልሙድ ተርእዮ እዩ፡ ግን ሓድሓደ ናይ ዋህዮታት ምቅይያር ሕክምና ምግባር ዘድልዮም ኣሎዉ፡ እንተ ዘይኮይኑ ሕማም መንሽሮ/ካንሰር ከስዕቡ ይኽእሉ።
ኣንጻር HPV ክታበት ወሲድኪ እንተኾንኪ
ዋላኳ ክታበት ኣንጻር HPV ወሲድኪ እንተነበርኪ፡ ኣንጻር እቶም ኵሎም ናይ ዋህዮታት ምቅይያር ከስዕቡ ዝኽእሉ ጠንቅታት HPV ክከላኸል ስለ ዘይኽእል እዚ መርመራ እዚ ክትገብርዮ ኣሎኪ።
እዚ ናይ HPV ባዕላዊ መመርመሪ መጋበርያ ኣበየናይ ኵነታት እየ ክገብሮ ዘይብለይ?
- ኣቐዲሙ ማህጸንኪ ብመብጣሕቲ ለጊሱ እንተዀይኑ።
- እቲ መርመራ ብመዋለዲት ነርስ ክውሰደልኪ ምስ እትደልዪ።
ነቲ መርመራ ብኸምዚ ዝስዕብ ትወስድዮ
ነቲ መርመራ ኣብ ጫፉ ጡጥ ብዘለዎ ስንጫር ትወስድዮ።
- ነቲ ስንጫር ኣስታት 5 ሰንቲመተር ናብ ውሽጢ ራሕምኺ ተእትውዮ።
- ነቲ ስንጫር ኣብ መናድቕ ራሕምኺ ብምጽጋዕ ብምድግጋም ተዙሪዮ።
- ነቲ ጡጥ ዘለዎ ጫፍ ናብቲ ብልቃጥ ኣእቲኺ ነቲ ልዓቱ ትሰብርዮ።
- ነቲ ብልቃጥ ዓጺኺ ናብቲ ዝተሰደደልኪ ፖስታ/ሰታሪት ኣእቲኺ ትዕሽግዮ።
- ነቲ ፖስታ/ሰታሪት ኣብ ተራ ፖስታ ሳጹን ተእትውዮ። ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብቲ መጋበርያ ኣሎኪ።
ኣብቲ ዝውሰድ መርመራ ገለ ጌጋ እንተጋጠመ
ኣብቲ ዝውሰድ መርመራ ጌጋ ክርከብ ልሙድ ኣይኮነን። እንተ እጋጢሙ ግና ናብ መዋለዲት ነርስ መጺእኪ ክትምርመሪ ቆጸራ ይወሃበኪ።
ሓድሽ ባዕላዊ መመርመሪ HPV ክትጠልብ/ክትእዝዝ ኣይከኣልን
ኣብቲ ዝውሰድ መርመራ ኣብቲ መጋበርያ ገለ ጌጋ እንተተረኽበ (ንኣብነት እቲ ፈሳሲ ካብቲ ብልቃጥ እንተ ተኻዕወ) ሓድሽ መመርመሪ መጋበርያ ክትእዝዚ ኣይትኽእልን። ከምኡ እንተ ኣጋጠመ ምስ መዋለዲት ነርስኪ ብምርኻብ ቆጸራ ብምሓዝ መርመራ ዋህዮታት ትወስደልኪ።
መልሲ ናይቲ መርመራን ተኸታታሊ መርመራ ንምውሳድን ስለምንታይ እዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ?
እቲ ኣብ መንጎ መርመራታት ዘሎ ግዜ ነቲ ረኽሲ HPV ባዕሉ ንኽሓዊ ግዜ ንምሃብ እዩ። ነቲ ዝቕጽል ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ 3–4 ኣዋርሕ ምጽባይ ሓደገኛ ኣይኮነን።
ድሕሪ ምምርማር ዝስዕብ
እቲ ዝተወስደ መርመራ HPV ከምዘሎኪ እንተድኣ ኣርእዩ ድሕሪ ኣስታት ኣርባዕተ ሰሙናት ምስ መዋለዲት ነርስ ቀሪብኪ መርመራ ክግበረልኪ መጸዋዕታ ይመጸኪ። ኣታ መዋለዲት ነርስ ሓደ መርመራ ናይ HPV ካልኣይ ድማ መርመራ ምቅይያር ዋህዮታት ካብ ክሳድ ማህጸን ትወስድ።
ኣብ ክሳድ ማህጸን ናይ ዋህዮታት ምቅይያር እንተ ተራእዩ ንተወሳኺ መርመራ ብሓኪም ክግበረልኪ ትጽውዒ።
HPV እንተዘይብልኪ እትገብርዮ ተወሳኺ ነገር ኣይህሉን።
ባዕላዊ መርመራ HPV ልክዕ ከምቲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ HPV ርግጸኛ እዩ
እቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝተወስደ መጽናዕታት ከም ዘመላኽቶ፡ እቲ ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ HPV ልክዕ ከምቲ ብመዋለዲትነርስ ዝውሰድ መርመራ HPV ርግጸኛ ምዃኑ እዩ።
እቲ ኣወሳስዳ መርመራ ልክዕ ከምታ መዋለዲት ነርስ ብዝግበር ኣገባብ ክትገብርዮ ትኽእሊ
ባዕላዊ መርመራ HPV ክትወስዲ እንከሎኺ ከምታ መዋለዲት ነርስ መርመራ ዋህዮታት ክትወስድ እንከላ እትገብሮ ናብ ራሕሚ ኣወሺጥኪ ምእታው ኣየድልየክን እዩ። ጡጥ ዘለዎ ስንጫር ናብ ራሕሚ ኣእቲኻ ደጋጊምካ ብምዛር ይኣክል እዩ። ከምኡ ብምግባር ነቶም HPV ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ ዘድልዩ ዋህዮታት ክትእክብ ይከኣል።
ቅድሚ ሕጂ ምቅይያር ዋህዮታት ነይሩኒ ስለዝኾነ እቲ መርመራ ብግቡእ ከምዝተወስደ ከርጋግጽ ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ ባዕለይ ከማልኦ ከምዝኽእል ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል?
ብኣገባብ ክትግበር ዝኽእል ቀሊል ነገር እዩ፡ ግን እቲ መርመራ ብመዋለዲት ነርስ ክውሰደልኪ ምርጫኺ እንተዀይኑ ኣብቲ ተመዝጊብክሉ ዘሎኺ ክፍሊ መዋለድያን ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ።
እዞም ዝስዕቡ ባዕላዊ መርመራ HPV ንኽገብሩ ይዕደሙ
ዕድመኺ 30 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ባዕላዊ መርመራ HPV ንኽትገብሪ ትዕደሚ። መርመራ HPV ክትገብሪ እንተ ዘይተነግረኪ ናይ ዋህዮታት ምቅይያር መርመራ ንኽትገብሪ በቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ካብ መዋለዲት ነርስ መጸዋዕታ ይመጸኪ።
ፍልልይ ናይቲ ብመዋለዲት ነርስ ዝውሰድ መርመራ ዋህዮታትን እቲ ባዕላዊ ምውሳድ መርመራ HPV
መዋለዲት ነርስ ናይ ዋህዮታት መርመራ ክትወስድ እንከላ፡ ዋህዮታት ካብ ክሳድ ማህጸንን ካብ ራሕምን እያ እትእክብ።ባዕላዊ መርመራ HPV ክውሰድ እንከሎ ግን እቶም ዝእከቡ ዋህዮታት ካብ ራሕሚ ጥራይ እዮም። ባዕላዊ መርመራ HPV ንምግባር ዋህዮታት ካብ ክሳድ ማህጸን ክትወስድ ኣየድልየካን እዩ፡ ባዕልኺ ክትወስድዮ ድማ ኣይከኣልን።