ጥንሲ

ነንበይኖምን ዝተፈላለዩ መድረኻት-ሕርሲ

Förlossningens olika faser - tigrinskaThe content concerns Östergötland

ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን’ዩ ዘሎ፡ ብኸፋት ናይ ብልዕቲ ኣቢሉ ድማ ክውለድ’ዩ። ኣብቲ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይቲ ማህጸን፥ “መውጽኢ-ካናለ” ዝመስል፥ “ክሳድ-ማህጸን” (livmodertappen) ዝስመ ኣቀራርጻ ዘሎዎ እዩ። እዚ ካናለ እዚ፡ ክሳብ ኣፍ ናይ ብልዕቲ፡ ንታሕቲ ገጹ ዝቕጽል’ዩ። ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ጥንሲ ድማ፡ እዚ ካናለ-ማህጸን’ዚ ክልስልስ ይጅምር። ሽዑ ድማ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሐ ናይ “ምፍሳስ” ተርእዮታት፡ ክርኣየኪ ይኽእል’ዩ። ካልእ ሓደ ሓፊስ “ለጎግታ”ውን ኪወጽእ ተኽእሎ ኣሎ። ገለ እዋናት፡ እዚ ለጎግታ’ዚ፡ “መወተፊ-ለጎግታ”ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ’ዩ። ነዚ “መወተፍታ-ለጎግታ’ዚ” ከም ዘለወን፥ ኵለን ጥኑሳት ኣይኰነን ዝዕዘብኦ።

Läs texten på svenska

እምበኣር እቲ ሕጻን መታን ምውጻእ ክኽእል፡ እዚ “ካናለ-ማህጸን’ዚ” ክኽፈት የድልዮ። ኣብታ እቲ ህጻን ዚወጸላ ግዜ፡ እቲ “ካናለ-ማህጸን” ይሓጽርን (ይስብሰብ) ይጸፍሕን። ድሕሪ “ካናለ-ማህጸን” ምኽፋቱ፡ እታ እቲ ህጻን ብብልዕቲ ጌሩ ዚወጸላ ከፋት፡ ናታ “ሰንጣቒ-ግፍሓት” 10 ሰ/ሜ ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን። እዚ “ካናለ-ማህጸን” (Livmodertappen) “ክሳድ-ማህጸን” (livmoderhals) ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ’ዩ።

መድረኽ “ድጉል-ሕርሲ” - Latensfasen

እቲ ቀዳማይ መድረኽ ናይ ሕርሲ፡ “ድጉል-ሕርሲ” (latensfasen) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ናይ ድጉል-ሕርሲ መድረኽ፡ ኣካልትኪ፡ ቆልዓ መታን ክውለድ፡ ነቲ ንጡፍ ዝዀነ ናይ ሕርሲ-መድረኽ ንምጅማር  ምድልዋት ዝገብረሉ እዋን’ዩ። እዚ ናይ ”ድጉል-ሕርሲ”መድረኽ፡ ክሳብ 20 ሰዓታት ኣቢሉ ዝጸንሕ መድረኽ’ዩ። ገለ ገል እዋናት ካብኡ ዝነውሐ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብ ንቡር ኩነታት፡ “እዋን-ሕርሲ” ብቅልውላው’ዩ (ብምቕንዛው) ዝብገስ። እዞም ቃንዛታት እዚአቶም፡ ማህጸን ክጭበጥ ክጅምር ከሎ ዘጋጥም’ዩ። እቶም ኣብ ግዜ “ድጉል-ሕርሲ” ዘጋጥሙ ቃንዛታት፡ እቲ ሕጻን ንኽውለድ ነቲ ማህጸን ዝገብሩሉ ምድላው እዩ። እዞም ቃንዛታት እዚኣቶም፡ እቲ ቆልዓ መታን ክወጽእ፡ ነቲ “ካናለ-ማህጸን”፡ ከም ዝልስልስን፡ ከም ዝሓጽርን፡ ከም ዝኽፈትን ዝገብርዎ ተርእዮታት እዮም።

ኣብቲ ናይ መጀመርያ ጊዜ፡ እቶም ቃንዛታት ከም ናይ ”ወርሓዊ-ጽግያ” ምምጻእ ዚመስል ስምዒታት እዮም ዝፈጥሩ። ኣመጻጽኦኦም ውን፡ ምዱብ ናይ ጊዜ ንውሓት የብሎምን። ገለ እዋን፡ ክሳብ’ቲ ናይ ምጭባጥ-ቃንዛ ዝመጽኪ፥ ነዊሕ ክጽንሕ ይኽእል’ዩ።

እቲ ናይ ሕርሲ መስርሕ፡ ኣብ ብልዕትኺ ብቑሩብ ናይ ደም ምፍሳስ ውን ኪጅምር ይኽእል’ዩ። እዚ፡ ”መመላኸቲ-ደም” ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ’ዩ።

ብህድኣት ክትቅበልዮ ፈትኒ

ኣብቲ መድረኽ ናይ “ድጉል-ሕርሲ”፥ ብዙሕ ጊዜ ንነገራት ብህድኣት እናሰዓብካዮ፡ ኣብ ገዛኻ ኢኻ ትጸንሕ። ነፍስኺ ክተዛንይዮን፡ ሓይልኺ ውን ክትዕቕቢ ምፍታን ጽቡቕ ነገር’ዩ። ዘድልየኪ እንተ ዀይኑ፡ “ፈውሲ-ቓንዛ” (paracetamol) መድሃኒት ክትወስዲ ውን ትኽእሊ ኢኺ። ናይ ሙቐት “ማሳጅ” (ምድራዝ=massage) ምግባር፡ ነቲ ቓንዛ ንምህዳእ ይሕግዝ’ዩ።

እዚ ”መድረኽ’ዚ” ሕይል ኢሉ’ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ዳርጋ ቀጻሊ ዝዀነ መጠነኛ ቃንዛ ስለ ዘሎኪ እዩ።

ምስ ”ክፍሊ-መወልዳን” ዝግበር ርክብ

ኣብቲ ናይ ”ድጉል-ሕርሲ” መድረኽ፡ ርክብ ምስ “ክፍሊ-መወልዳን” ምግባር፡ ሰዓቱ ኣኺሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ንሳቶም ድማ፡ ነቲ ናትኪ ምምጻእ ምድላው ኪገብሩ’ዮም። ዘድልየኪ እንተ ዀይኑ ውን ምኽርን ሓበሬታን ኪህቡኺ ይኽእሉ እዮም። መድረኽ ”ድጉል-ሕርሲ” ፡ ሓደ ለይትን-መዓልትን እንተ ደኣ ደንጕዩ፡ ናብ “ክፍሊ-ወልዳን ”ምምጻእ ከድልየኪ እዩ። ኣብኡ ምስ መጻእኪ ድማ፡ ነቲ ቃንዛኺ ዘህድእ ኣፋውስ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ድማ፡ መታን እቲ ኣካላትኪ ኣዕሪፉ ክጸንሕን፡ ቅድሚ’ቲ ንጡፍ ናይ ሕርሲ መድረኽ ምጅማሩ ድማ መታን ከይትደኽንምን ከይትሕለልን ክሕግዘኪ እዩ።

ገለ ገለ እዋናት፡ ነቲ ናይ ሕርሲ መስርሕ ባዕልኻ ምብግጋሱ ዘድልየሉ ኩነታት ኣሎ። እታ “መሕረሲት-ነርስ”፡ ነቲ ማህጸን ኣንኲላ ነቲ ማይ ከም ዚፈስስ ክትገብሮ ትኽእል’ያ። ምናልባት ንቅልውላው ሕርሲ ዘበራትዕ ነጠባጣብ ውን ክወሃበኪ ይኽእል’ዩ።

ገለ እዋን፡ እቲ ሕርሲ ብማይ ምፍሳስ ወይ ብብርቱዕ ቃንዛ ይጅምር’ዩ

ገለ ገለ እዋናት፡ ነቲ ናይ ”ድጉል-ሕርሲ” መድረኽ ኣጸቢቕኪ ከይተስተውዕልሉ ትኽእሊ’ኺ። ሽዑ ድማ እቲ “ቅልውላው” ብቐጥታ ብብርቱዕ ቃንዛ ጀሚሩ፡ ንስኺ ናብ ሕክምና ክፍሊ መወልዳን” ክሳብ ትመጺ፥ ማህጸን ድሮ ብዙሕ ሴ/ሜ ተኸፊቱ ኣሎ ማለት’ዩ።

ገለ ገለ ዓይነታት ሕርሲ፡ እቲ ማህጸን ተኸፊቱ፡ ብብልዕትኺ፡ ብምፍሳስ ”ማይ-ማህጸን” ይጅምር።

“መድረኽ-ምኽፋት” - Öppningsskedet

ብድሕሪ መድረኽ ”ድጉል-ሕርሲ”፡ ”መድረኽ-ምኽፋት’ዩ” ስዒቡ ዝመጽእ። ሽዑ ድማ እቲ ቆልዓ፡ ካብቲ ማህጸን ብብልዕቲ ጌሩ ንኺወጽእ፡ “ክሳድ-ማህጸን” ከም ዝኽፈት ይኸውን። ኣብታ ናይ ማህጸን ምኽፋት መድረኽ፡ እቲ ምቕንዛው (ቅልውላዋት) ዝሓየለ’ዩ። ዝነውሐን፡ እቲ ኣመጻጽእኡ ውን፡ ብዚያዳ ምዱብ-ተደጋጋምነት ዘሎዎ ይኸውን። ሽዑ፡ ናብቲ ሕክምና ክፍሊ መወልዳን ምምጻእ ጽቡቕ’ዩ። ኣብኡ ምስ መጻእኪ ድማ፡ ነቲ ቃንዛ ንሙጉዳሉ ሓገዝ ክትረኽቢ ኢኺ። ገለ ገለ እዋን፡ ነቲ ናብ “ሕክምና ክፍሊ መወልዳን እትመጽእሉ ልክዕ ሰዓት ንምግማጋም የሸግር’ዩ። ንስኺ ግን ኵሉ ጊዜ፡ ናብቲ ሕክምና ክፍሊ-መወልዳን ደዊልኪ፡ ምኽሪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።

ንበኳር ወላዲት መብዛሕትኡ እዋን ንውሕ ዝበል ጊዜ ይወስድ’ዩ

ንመጀመርታ ጊዜ ብብልዕትኺ ትወልዲ ምስ ትህልዊ፥ መስርሕ ምኽፋት ”ክሳድ-ማህጸን”፥ ኣብ ሰዓት ፍርቂ ሴ/ሜ ኣቢሉ’ዩ ዚኸውን። እንተኾነ ግና ካብኡ ንላዕሊ ኪድንጉን ወይ ኪቕልጥፍ ውን ንቡር ተርእዮ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝወለድኪ ኣደ ምስ ትዀኒ፡ “ክሳድ-ማህጸን” ቅልጥፍ ኢሉ’ዩ ዝኽፈት። ምናልባት ሓደ ሴ/ሜ ኣብ ሰዓት ኪኸውን ይኽእል።

ኣብ መወዳእታ ናይ ”መድረኽ-ምኽፋት”፥ ርእሲ ናይቲ ሕጻን፡ ናብ ሓደ “ስፒናዬ” (spinae) ዝበሃል ቦታ ናይቲ ጎሎ ይሓልፍ። ኣብዚ “ስፒናዬ” እዚ፡ እቲ ርእሲ ናይቲ ሕጻን ንኽሓልፍ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ድማ ብወገን ድሕሪት ናይቲ ‘ዓጽሚ-ጎሎ”፡ መጽቀጥቲ ክስምዓኪ ይኽእል’ዩ። ናይ ተምላስ ዕግርግር ውን ኪስምዓኪ ይኽእል’ዩ። ገለ ዝሓርሳ ኣንስቲ ውን የምልሰን እዩ።

ብድሕሪ’ቲ ”ስፒናዬ”፡ እቲ ህጻን ናብ ታሕቲ ገጹ፡ “ብታሕተይ-ጎሎ” ጌሩ ኪሓልፍ ኣሎዎ። ኣብዚ ድማ፡ ክሳብ’ቲ ዝመጽእ “መድረኽ-ሕርሲ” ሰዓቱ ዝበጽሕ፡ ተወሳኺ ቃንዛታት ይገብር’ዩ።

”መድረኽ-ምድፋእ” - ኢሕታ - Utdrivningsskedet – att krysta

እቲ ናይ መወዳእታ መስርሕ ሕርሲ፡ ናይ ”ምድፋእ-መድረኽ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። ሽዑ እቲ ሕጻን፡ ክሳብ ታሕታዋይ ጎሎ ሓሊፉ ስለ ዘሎ ኢሕ ኢልኪ ነቲ ቆልዓ ብብልዕትኺ ንምውጻእ፡ ሰዓቱ ኣኺሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ነቲ ህጻን ዒሕ ኢልኪ ደፊእኪ ናይ ምውጽኡ ስምዒት ክመጸኪ’ዩ። ኣብቲ ጊዜ እቲ፡ እቲ ቃንዛ ክስምዓኪ ከሎ፡ ቀልቀል ከም ዝመጸኪ ኮይኑ ኪስምዓኪ ይኽእል’ዩ።

ገለ ኣብ ሕርሲ ዘሎዋ ኣንስቲ፡ ገና እቲ ህጻን ዝኣክል ከይሓለፈ (ንምውጻእ ከይተዳለወ) ኸሎ፡ እቲ ናይ ምድፋእ ኢሕታ ስምዒት ክመጸን ዝኽእል ኣሎዋ’የን። ከምኡ ምስ ዘጋጥም፡ እታ መሕረሲት ነርስ፡ ጊዚኡ ከም ዘይኣኸለ ሓበሬታ ክትህበኪ እያ። ሽዑ ድማ፡ ኢሕ ኢልኪ ከይደፋእኪ፡ ነቲ ስምዒት ናይ ኢሕታ፡ ብምትንፋስ ጥራይ ንኽትሰግርዮ ፈትኒ። ከመይ ክትገብሪ ከም ዘሎኪ፡ እታ መሕረሲት ነርስ ክትሕግዘኪ’ያ።

በኳር እንተ ደኣ ዄንኪ፡ እቲ ብብልዕልትኺ ቆልዓ ምውላድ፡ ክሳብ እቲ ቆልዓ ተደፊኡ ዝወጽእ፡ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ናይ ኢሕታ ጊዜ ኪህልወኪ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ግዜ ክወስድ ውን ይኽእል’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ወሊድኪ እንተ ዄንኪ፡ ካብ 30 ደቓይቕ ንላዕሊ ኢሕ ክትብሊ ኣየድልየክ’ዩ።

”ኢሕ” ክትብሊ ከሎኺ፡ ነቲ ቆልዓ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ደፊእኪ ናይ ምውጻእ ስምዒት ክመጸኪ ይኽእል’ዩ። ብዙሕ እዋን ግን፡ ቁሩብ ግዜ እንተ ቐጸለ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ናይ ብልዕትኺ ምኽፋት ዝኣክል ንኽምጠጥ ዕድል ንኺረክብ ብማለት’ዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ነቲ ኣብ ብልዒት ከጋጥም ዝኽእል ናይ ምትርባዕ ሓደጋ የጓድሎ’ዩ።

ብድሕረ-ሕርሲ - እቲ ሕጻን ምስ ተወልደ - Efterbördsskedet - när barnet är fött

እቲ ልሙድ ዘጋጥም፡ እቲ ሕጻን ውጽእ ምስ በለ፡ ክበክን ከተንፍስን ይጅምር’ዩ። ኣብተን ናይ መጀምርታ ደቓይቕ ውን፡ እቲ ህጻን ፍሉይ ሕብሪ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ርእሱ ውን ከም ዝተጨፍለቐ ኰይኑ ክርኣየካ ይኽእል’ዩ። እዚ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን።

ውልድ ምስ ኣበልኪ፡ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ምስ ዝህሉ፡ ነቲ ቆልዓ ብቐጥታ’የን ዘሕቁፋኺ። እቲ ቆልዓ ጽቡቕ ምህላዉ እትግምግም፡ እታ መሕረሲት ነርስ እያ። ንስኺ ግን ብዛዕብኡ ብዙሕ ዘሕስብ የብልክን። እታ መሕረሲት-ነርስ ነቲ ቆልዓ ትሕብሶ፡ ኣብ ርእሱ ውን ቆብዕ ትኸድኖ። እቲ ሕጻን፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ኮቦርታ ምሳኺ ቆርበት-ንቖርበት ተላጊቡ ክመውቕ ጽቡቕ’ዩ።

ገለ ሕጻናት ግን፡ ብድሕሪ’ቲ ሕርሲ፡ ንኽበራበሩ ወይ ነቲ ምትንፋሶም ንምብግጋስ ሓገዝ የድልዮም’ዩ። ሽዑ ድማ ሰራሕተኛታትና፡ ነቲ ሕጻን ናብ ሓደ ፍሉይ ሰደቓ ይወስድኦ እሞ፥ መሕረሲት-ነርስ ወይ ብናይ “ቆልዑ ሓኪም”፡ ሓገዝ ከም ዝግበረሉ ይኸውን።

እቲ ማህጸን ይጭበጥ

እቲ ቆልዓ ምስ ወጸ፡ እቲ መዳሕንቲ ካብ መንደቕ ናይቲ ማሕጸን ይለቅቕ። ሽዑ ካብቲ እቲ መዳሕንቲ ለጊቡሉ ዝጸንሐ ናይቲ ማህጸን ቦታ፡ ደም ምፍሳስ ይጅምር። ሽዑ-ንሽዑ ድማ እቲ ማህጸን ክጭበጥ ይጅምር፡ ምስኡ ድማ እቲ ቁስሊ ናይቲ መዳሕንቲ ስለ ዝንእስ፡ መድመይቲ እናወሓደ ይኸይድ።

እቲ መዳሕንቲ ውን ክወጽእ ኣሎዎ። መዳሕንቲ ግን ልስሉስን ተለዋዋይን ስለ ዝዀነ፥ ብቐሊሉ’ዩ ዝወጽእ። እታ መሐረሲት-ነርስ፡ ከብድኺ እናጸቐጠት እቲ መዳሕንቲ ካብቲ መንደቕ ማህጸን ምልቃቑን፡ እቲ ማሕጸን ድማ ይጭበጥ ምህላዉን ክትከታተል’ያ።

ማህጸን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክጭበት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ብዙሕ ግዜ እታ ኣዋላዲት-ነርስ፡ ብመርፍእ ጌራ ”ኦክሲይቶሲን”(Oxytocin) ትወግኣኪ እያ። እዚ “ኦክሲይቶሲን” (Oxytocin)፡ ሓደ ነቲ ማህጸን ንኽጭበጥን ነቲ ምድማይ ድማ ከም ዝጐድልን ዝገብር “ሆርሞን” እዩ።

መሕረሲት-ነርስ ነቲ ዝወጸ መዳሕንቲ ትምርምሮ

መዳሕንቲ ምስ ወጸ፡ ብምሉኡ ምውጽኡን፡ ከምቲ ዚግብኦ ኰይኑ ምህላዉን ትምርምሮ። ንሳ፡ ነቲ ናይ ሕምብርቲ “ዕትብቲን” ነቶም ኣብኡ ዘሎዉ ሰራዉር ደም ድማ ትቆጽሮም። ብድሕሪ’ቲ ሕርሲ፡ እታ መሕረሲት-ነርስ፡ ዝተተርብዐ ነገር ንኸይህሉ፡ ነቲ ብልዕትኽን ነቶም ከናፍር-ብልዕትን፡ ከምኡ ውን ነቲ ኣብ መንጎ መሸኒን መሃንቱስን ዘሎ ኣካልኪ (ፈንዶት) ትፍትሾ።

ኣብ እዋን ሕርስኺ፡ ክሳብ ሓደ ሊትሮ ዚኸውን ደም ክኸደኪ ልሙድ ነገር’ዩ። እዚ ብዙሕ ኰይኑ ክስምዓኪ ይኽእል ይኸውን። እንተ ዀነ ግን፡ ኣካላትኪ ከምኡ ንክኸውን ንዕኡ ተዳልዩ’ዩ ዝጸንሕ። ኣብ እዋን ጥንስኺ፡ ተወሳኺ ደም ኣብ ኣካላትኪ ተፈጢሩ ይጸንሕ’ዩ።

እተን ቀዳሞት መዓልታት ብድሕሪ-ሕርሲ - De första dygnen efter förlossningen

ቆልዓ ድሕሪ ምውላዱ፡ ኣካላትኪ ነቲ ዘይጥንስቲ ምዃንኪ ዘሎ ሃለዋት ከሰማምዖ ይጅምር። እቶም ”ሆርሞናት”፡ ነቲ ኣካልዊ ይኹን ስነ-ልቦናዊ ሃለዋትኪ፡ ጽልዋታት ይገብሩሉ እዮም። ብድሕሪ ሕርሲ፡ ብዙሓት ኣዴታት ድቑስቁስ ከም ዝበላ ኰይኑ’ዩ ዚስምዐን። ከምቲ ብድሕሪ ምውስዋስ ኣካላት ዘጋጥም ቃንዛ፥ ተተንካፊነት፡ ናይ ብልዕቲ ሕበጥን ናይ ጡብኪ ወጥርን ክስምዓኪ ይኽእል’ዩ።

ሕማም-ደሓር

ምጭባጥ ማህጸን ቐጻሊ ስለዝኸውን ፡ ሕማም-ደሓር” ዚበሃል ቃንዛ የስዕበልካ’ዩ። እዚ ድማ፡ መታን ማህጸን ብስርዓት ጌሩ ንኽጭበጥ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ሕማም-ደሓር፡ ኣብ መጀርታ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ተጥብዉሉ ጊዜ፡ ቃንዝኡ ሕይል ዘበለ’ዩ። በኳር እንተ ደኣ ዄንኪ፡ ሕመማ ደሐር ከም ናይ ወርሓዊ-ጽግያት ምምጻእ ስምዒት’ዩ ዝህበኪ። ደጋጊምኪ ዝወለድኪ ምስ ትኾኒ ግን፡ ብዙሕ ግዜ፡ ሕማም-ደሓር ቃንዝኡ ዝገደደ’ዩ።

ምፍሳስ “ሕዋስ-ደም”

ምፍሳስ “ሕዋስ-ደም”፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዘሎ ቁስሊ ምውጻእ ይቕጽል’ዩ። እዚ ምፍሳስ “ሕዋስ-ደም” ክሳብ ሸሞንተ ሰሙናት ዝኣክል ክወጽእ ይኽእል’ዩ።

ስምዒታት

ብምኽንያት ምቅይያራት ሆርሞን፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ለይትን-መዓልትን፡ ስምዒታዊ ተነቃፍነት ከም ዘጋጥመኪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ምብካይን ናይ ምቕዛንን ስምዒት ኪመጸኪ ይኽእል’ዩ። ብድሕሪ ክልተ-ሰለስተ መዓልታት ግን፡ እዚ ሓላፊ እዩ። ገለ ኣንስቲ፡ ምስ ምሕራስ ብዝተተሐሐዘ ምኽንያት፡ ክሳብ ጭንቀት ውን ይገብረለን’ዩ።

To the top of the page