ሕርሲ

ምትርባዓት ኣብ እዋን ሕርሲ

Bristningar vid förlossningar - andra språk - tigrinska

ቈልዓ ክውለድ ከሎ ኣብ ርሕሚ ቁስሊ ከጋጥም ልሙድ እዩ። እቶም ክስፈዩ ዘድልዮም ቁስሊ ምትርባዕ ተባሂሎም ይጽውዑ። ናእሽቱ ምትርባዓትን ዓበይቲ ምትርባዓትን ኣለዉ። እቶም ምትርባዓት ድሕሪ ሕርሲ ሽዑንሽዑ ብመሕረሲት (barnmorska) ወይ ሓኪም ይሕከሙ።

ምትርባዕ ኣጋጢሙኪ እንተ ኾይኑ እታ መሕረሲት ክትሕብረኪ እያ  
እታ መሕረሲት እቲ ምትርባዕ ኣበይ ከም ዘጋጠመ ከተርእየኪ ናይ እትኽእለሉ ብኢድ ዝተሳእለ ስእሊ ብልዕቲ ክወሃበኪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ 

Läs texten på svenska här.

ከመይ ከም ዝስምዓኪ

እዞም ዝስዕቡ እቶም ልሙዳት ምትርባዕ ከጋጥም ከሎ ዝስምዑኺ ጸገማት እዮም 

  • ኣብ ብልዕቲ ቃንዛ ይገብረልኪ  
  • ካብ ርሕሚ ደም ይወጽእ  
  • ዝፍሕፍሕ ስፋይ ክህልወካ ይኽእል 
  • ሽንቲ ማይ ክትሸንን ቀልቀል ክትወጽን ከቢድ ኮይኑ ክስምዓኪ ይኽእል 

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸገማት መዓልታዊ እናሓሸ እዩ ዝኸይድመብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝኸፍኣ ቃንዛ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ይገድፍ እዩክሳብ ዝሓዊ ግን ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ  

ሕክምና

ዘጋጥሙ ምትርባዓት ድሕሪ ሕርሲ ሽዑንሽዑ ዮም ዝስፈ 
እቲ ንምስፋይ ተጠቀም ፈትሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ባዕሉ ይጠፍእ ወይ ይወድቕ እዩ 

ዳግመ ምብጻሕ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን (barnmorskemottagningen)

ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ሰሙን ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ዳግመ ምብጻሕ ክትገብሪ ኢኺሽዑ ምስታ መሕረሲት ብዛዕባ ምትርባዓት ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ  

መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?

ገሊኤን ኣዴታት ብዛዕባ ምትርባዓት ንምዝርራብ ክሳብ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ-ጾራትን ሓራሳትን ዳግመ ምብጻሕ ዝገብራ ክጽበያ ኣይክእላን እየንቅድሚ እቲ ዳግመ ምብጻሕ ናብ ሕክምና ምኻድ የድልየን እዩ  

ገሊኤን ነቲ ምትርባዓት ድሒረን ይረኽብኦኣብ ከምዚ ኵነት ድሕሪ እቲ ዳግመ ምብጻሕ ናብ ሕክምና ምኻድ ይከኣል እዩ 

ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪምስ ሕክምና ርክብ ግበሪ 

  • ጸገማትኪ ኣብ ክንደ እናሓሸ ዝኸይድ እናገደደ ምስ ዝኸይድ 
  • እቲ ምትርብዓት ንህይወትክን ጥዕናኽን ምስ ዝጸልዎ 
  • ቀልቀል ክትወጺ ወይ ሽንቲ ማይ ክትሸኒ ከለኺ ምስ ዘቐንዝወኪ  
  • ኣብ ብልዕትኺ ዘሎ ስፍየት ጸገም ክገብረሊ ከሎ 

ቀዳመ-ሰንበት ወይ ብዓል እንተ ኾይኑክሳብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸውን ክትጽበዪ ትኽእሊ ኢኺ  

ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪምስ ሕክምና ርክብ ክትገብሪ ብዝያዳ ህጹጹ ክኸውን ይኽእል እዩ 

  • እቲ ኣብ ብልዕትኺ ዘሎ ቁስሊ ብዝያዳ ምስ ዝሓብጥን ቃንዛ ክገብረልኪ ምስ ዝጅምርን  
  • ረስኒ ምስ ዝገብረሊ ወይ ከም ዝሓመምኪ ኮይኑ ዝስምዓኪ 
  • ሽንቲ ማይ ክትሸኒ ከጸግመኪ ከሎ 

ናብዚ ዝስዕብ ሕክምና ኪዲ 

ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ 

ኣብቲ ዝሓረስክሉ ክፍሊ መወልዳን 

ዕጹው ምስ ዝኸውን ወይ ክቕበሉኺ ምስ ዘይክእሉንሕክምና ናብ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት ኪዲ 

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊእተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየንንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየንሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።  

ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ 

ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ብዙሕ ግዜ ናብ ሕክምና ኪዲ 

በቲ ዝተዋህበኪ ሕክምና ዘይሓሸኪ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኪናብ ሕክምና ተመሊስኪ ኪዲ 

ቈልዓ ካብ ትወልዲ ዋላ ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ ይኹንመብዛሕትኡ ግዜ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ሓገዝ ኣሎ 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ 
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ 

ባዕለይ እንታይ ክገብር እኽእል?

እቲ ምትርባዓት ክሓዊ ከሎ ባዕልኺ እዚ ዝስዕብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ 

  • ህድእ በልን ኣዕርፍን 
  • ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ መህድእ ቃንዛ ከኒና ውሰዲ 
  • ኮፍ ምባል ዘቐንዝወኪ እንተ ኾይኑ ጎቦ ዄንኪ ኣጥብዊ 
  • ተንቀሳቐሲ ንኣብነት ብእግርኺ ክትዛወሪ ትኽእሊ ኢኺ 

ነብስኺ ኣብ ጋብላ (ባስካ) ክንዲ ምሕጻብ ብመዝነቢ (ሻወር) ተሓጸቢውሽጢ ርሕምኺ ብሳሙና ኣይትሕጸብዮነብስኺ ከተንቅጺ ከለኺ በቲ ሽጎማኖ ተጠንቒቕኪ ሕጸብዮ 

  • ነብስኺ ኣብ ጋብላ (ባስካ) ክንዲ ምሕጻብ ብመዝነቢ (ሻወር) ተሓጸቢውሽጢ ርሕምኺ ብሳሙና ኣይትሕጸብዮነብስኺ ከተንቅጺ ከለኺ በቲ ሽጎማኖ ተጠንቒቕኪ ሕጸብዮ 
  • ዝከኣል እንተ ኾይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይ ጸቢብ ክዳንን ናይ ውሽጢ ክዳንን ኩኒናብ ብልዕትኺ ንፋስ ክኣቱ ጽቡቕ እዩ 
  • ነቶም ኣብ ብልዕቲ ዘለዉ ጭዋዳታት ልምምድ ብምግባር ኣትርርዮም እዚ ልምምድ ታሕተዋይ ክፋል ጎሎ ተባሂሉ ይጽዋዕ 
  • ብልዕትኺ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወየ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓኪ ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ተጸበዪ. እዚ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ 

ቃንዛ እንተ ገይሩልኪ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ዝግዛእ መድሃኒት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺኣብ ቤት መድሃኒት ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page