ምረዛ ጥንሲ
Havandeskapsförgiftning - tigrinskaምረዛ ጥንሲ ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ክሕዘኪ ዝኽእል ሓደ ሕማም እዩ። ልዑል ጸቕጢ ደም ይገብረልኪ። እዚ ንዓኽን ነቲ ቈልዓን ክጸልወኩም ይኽእል እዩ። ነቲ ጸቕጢ ደም ንምትሓቱ ዕረፍትን መድሃኒትን ከድልየኪ ይኽእል እዩ።
Läs texten på svenska här.
ምረዛ ጥንሲ ”ፕረክላምስያ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።
ምልክት ሕማም
መብዛሕትኣን እቲ ሕማም ከም ዝሓዘን ኣይፍለጠንን እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት እታ መሕረሲት እያ ኣብ እዋን መርመራ ነቲ ሕማም ትረኽቦ።
መዓስን ናበየናይ ሕክምናን እየ ክኸይድ ዘለኒ?
ነፍሰ ጾር ኣብ ዘለኹሉ እዋን ብዙሕ ግዜ ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ክትከዲ ኢኺ። ምረዛ ጥንሲ እንተ ኣሎኪ ኾይኑ ንተወሳኺ መረመራታት ናብኡ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ሕጹጽ ምስ ዝኸውን
መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሕማም ኣብ መወዳእታ እዋን ናይ ጥንሲ እዩ ዝሕዘካ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ እተን ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ሰሙናት። ይኹን’ምበር ኣቐዲሙ እውን ክሕዘካ ይኽእል እዩ።
ገለ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥመኪ፡ ምስ ሕክምና ርክብ ክትገብሪ ብዝያዳ ህጹጹ ክኸውን ይኽእል እዩ፦
- ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑኪ ዘይፈልጥ ሃንደበት ሕማም ርእሲ ምስ ዝገብረልኪ።
- ኣብ ምርኣይ ጸገም ምስ ዝገብረልኪ።
- ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ከብድኺ፡ ብፍላይ ብየማናይ ሸነኽ ትሕቲ መሰንገለኺ ብዙሕ ቃንዛ ምስ ዝገብረልኪ።
- ኣብ’ቲ መፋርቕ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጥንሲ ዕግርግርን ተምላስን ምስ ዝገብረልኪ።
- ኣብ ገጽኪ፡ ኣእዳውኪ ወይ ኣእጋርኪ ሕበጥ ምስ ዝገብረልኪ። እቲ ሕበጥ ድማ ሃንደበት ምስ ዝመጽእ።
- ብሓፈሻ ሕማም ክስምዓኪ ከሎ።
ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ርክብ ግበሪ፦
- ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን።
- ሓደ ተረኛ ዝኾነ ክሊኒክ።
ዕጹው ምስ ዝኸውን ወይ ክቕበሉኺ ምስ ዘይክእሉ፡ ንሕክምና ናብ ሓንቲ ካብዘን ዝስዕባ ክሊኒካት ኪዲ፦
- ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም፡ ምስ ሓደ ክፍሊ ህጹጹ ረድኤት።
- ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም፡ ምስ ሓደ ክፍሊ መወልዳን።
ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ
ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ።
ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ።
ባዕለይ እንታይ ክገብር እኽእል?
ምረዛ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመኪ ህድእ ክትብሊን ከተዕርፊን ኣገዳሲ እዩ።
መርመራታት
ናብ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ምስ ከድኪ ሓንቲ መሕረሲት ጸቕጢ ደምኪ ክትዕቅነኪ እያ።
ናይ ሽንቲ መርመራ ክትገድፊ ኢኺ።
ብኡልትራሳውንድ እውን ክትመርመሪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ መርመራ ናይቲ ኣብ ከብዲ ዘሎ ቈልዓ ስእሊታት ከርኢ ይኽእል እዩ።
ከምኡ’ውን ብሓደ ናይቲ ቈልዓ ህርመት ልቢ ዝዕቅን መሳርሒ ክትምርመሪ ትኽእሊ ኢኺ።
እዚ መሳርሒ ”ኤለክትሮኒካዊ ሓለዋ ኣብ እዋን ሕርሲ (CTG)” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ
ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ቆጸራ ናይ ምብጻሕኪ ክትሕዚ ከለኺ ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየኪ ሓብሪ።
ፍወሳ
ገሊኤን ነፍሰ ጾራት ገና ኣብ መጀመርታ ናይቲ ጥንሲ መቕጠኒ ደም መድሃኒት ክወሃበን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጥንሲ ምረዛ ጥንሲ ሒዙኪ ነይሩ እንተ ኾይኑ። እቲ መድሃኒት እቲ ሕማም ዳግማይ ከይሕዘኪ ክከላኸለልኪ ይኽእል እዩ።
ንዓኺ ምረዛ ጥንሲ ሒዙኪ ዘሎ፡ ንጸቕጢ ደም ዘትሕት መድሃኒት ክወሃበኪ ይኽእል እዩ።
ገሊኤን ድማ ሆስፒታል ይኣትዋ እየን። ኣብ ከምዚ ኵነት እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ነቲ ጸቕጢ ደምን ጥዕናኽን ብቐሊሉ ክቆጻጸርዎ ይኽእሉ።
ዕረፍትን ፍወሳን እኹል ምስ ዘይሕግዝ፡ እቲ ቈልዓ ቅድሚ ግዚ ኣቐዲምካ ከም ዝውለድ ምግባር ከድሊ ይኽእል እዩ።
እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ
ምረዛ ጥንሲ እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምውላዱ ይገድፈካ እዩ።
ገሊኤን ኣዴታት ድሕሪ ሕርሲ ንሒደት ኣዋርሕ መድሃኒት ምውሳድ የድልየን እዩ።
ድሒሩ ኣብ ህይወትኪ ሓደ ሓደ ሕማም ብቐሊሉ ክሕዘኪ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ምስ ልብን ሰራውር ደምን ዝተተሓሓዘ ሕማማት ብቐሊሉ ንኽሕዘኪ ብዝያዳ ዝተቓላዕኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ስለዚ ጥዕናኺ ሓሊኺ ክትነብሪ ጽቡቕ እዩ። ከምኡ ምስ ትገብሪ ሕማማት ንኽሕዘኪ ዘሎ ተኽእሎ ይቕንስ።