መምርሕታትን መሰላትን

ናብ ቋንቋይ ምስቱርጓም

Tolkning till mitt språk - tigrinska

እዚ ጽሑፍ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይምልከት። ሽወደንኛ ዘይትዛረብ ምስ ትኸውን ሓገዝ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣስተርጓሚ ናብ ክንክን ጥዕና ወይ ክንክን ስኒ ክትበጽሕ ከለኻ ኣብ ምስቱርጓም ይሕግዘካ። ቈጸራ ክትሕዝ ከለካ ቋንቋኻ ዝኽእል ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየካ ሓብሮም።

Ett vårdbesök med tolk.
ሓደ ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ ምስትርጓም ይሰርሕ።

ዝግበረልካ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ፡ ንዓኻ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። 

Läs texten på svenska här.

ናይ ቋንቋ ኣስተርጓሚ እንታይ እዩ ዝገብር?

እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝዛረብዎ ምእንቲ ክርድኣካ ሓደ ኣስተርጓሚ የስተርጉሞ። እቲ ኣስተርጓሚ ሽወደንኛን ትግርኛን እዩ ዝኽእል።

ሕቶታት ምስ ዝህልወካ እቲ ኣስተርጓሚ ከተርጉሞ ይኽእል። ድሕሪኡ እቲ ኣስተርጓሚ ነቲ ናይ ክንክን ጥዕና መልሲ ናብ ቋንቋኻ የስተርጉሞ።

ሓደ ኣስተርጓሚ መብዛሕትኡ ግዜ ንጽሑፍ ኣየስተርጉምን እዩ።

ሓደ ኣስተርጓሚ ዘለዎ ርክብ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦

እዚ ኣብነት፡ ናይ ሓደ ኣስተርጓሚ ዘለዎ ርክብ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ፦

  • እቲ ኣስተርጓሚ ኣብቲ ምስ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕን ዝግበር ርክብ ይሳተፍ።
  • እቲ ኣስተርጓሚ ብተሌፎን ወይ መጉልሕ ድምጺ ይሳተፍ።
  • ንስኻ፡ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን እቲ ኣስተርጓምን ብመንገዲ ካሜራን ኮምፕዩተርን ርክብ ትገብሩ። ኣዚ ናይ ቪደዮ ምስቱርጓም ይብሃል።

ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ናብ’ ቆጸራኻ ዘድልየካ ዓይነት ኣስተርጓሚ ክግበረልካ ነቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ሕተቶም።

ኣስተርጓሚ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ

ሓደ ኣስተርጓሚ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎ። እዚ ማለት እቲ ኣስተርጓሚ ብዘይ ፍቓድካ ንኻልእ ሰብ ሓበሬታ ከውጽእ ኣይፍቀዶን እዩ።  

ሓደ ሓደ ግዜ ስድራ ወይ የዕሩኽ ኣብ ምስቱርጓም ክሕግዙ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ዘይምርድዳእ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ንሳቶም ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር እውን የብሎምን። ስለዚ ብሓደ ከም ኣስተርጓሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ሰብ ሓገዝ ምርካብ ዝሓሸ እዩ።

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page