ምክንኻን ቈልዓ

ምጥባው

Amning - tigrinska

ምጥባው ንቘልዓ መግቢ፡ ቅርበትን ውሕስነትን ይህቦ። ምጥባው ከም ዝግብኦ ንክሰርሕ ግን ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ብኸምዚ ኣገባብ ጽቡቕ ምሓዝ ናይ ምጥባው ክትገብሪ ትኽእሊ

ጸባ ጡብ ኣደ ካብ ሕማማት ክከላኸል ይኽእል

ጸባ ጡብ ኣደ ካብ ሓደ ሓደ ሕማማት ይከላኸል እዩ።  

ከምኡ’ውን ምጥባው ንሓደጋ ሃንደበታዊ ሞት ህጻን ይንክዮ እዩ። 

መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ንጸባ ኣደ ክትክኦ ይኽእል እዩ 

ገሊኤን ኣዴታት ከጥብዋ ኣይክእላን ወይ ኣይደልያን እየን። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ቈልዓ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ይወሃቦ።  

እዚ ብዝተኻእለ መጠን ምስ ጸባ ጡብ ኣደ ከም ዝመሳሰል ተገይሩ ይስራሕ። 

ቈልዓ ክሳብ ወዲ ክንደይ ዝኸውን ክጠቡ ኣለዎ? 

ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ቈልዓ ጸባ ጡብ ኣደ ወይ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ጥራይ ክወሃቦ ኣለዎ። 

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ውሑድ ዓቐን መግቢ ክትህብዮ ክትጅምሪ ትኽእሊ ኢኺ። ማዕረ ማዕሪኡ ምጥባው ወይ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ምሃብ ቀጽልዮ። እቲ ቈልዓ እንተ ወሓደ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝኸውን ቀጽልዮ።

ንሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ምጥባው ምጅማር

እቲ ህጻን ሓድሽ ውላድ ኣብ ዘለወሉ እዋን ቆርበት ምስ ቆርበት ኣጣቢቕካ ምሓዙ ጽቡቕ እዩ።

እቲ ቈልዓ ባዕሉ ንጡብ ክደሊ ክጅምር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ቈልዑ ግን ቁሩብ ሓገዝ ከድልዮም ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ጸባ ጡብ ኣደ ልግዐ ይብሃል፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ድማ እዩ።

ምጥባው ንምጅማር  ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ምጥባው ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ቈልዓ ቅድሚ ጽቡቕ ገይሩ ምጥባው ምምሃሩ ቁሩብ ግዜ ክወስደሉ ይኽእል እዩ።

እቲ ቈልዓ ንጡብ ኣዕቢዩ ምሓዝ የድልዮ

ቈልዓ ንጫፍ ጡብን ከባቢ ጫፍ ጡብን ብኣፉ ኣዕብዩ ክሕዞ የድልዮ። ሽዑ እቲ ቈልዓ እኹል ጸባ ይረክብ።  ከምኡ’ውን ከተጥብዊ ከለኺ  ከጋጥመኪ ንዝኽእል ጸገማት  ይንክዮ እዩ።

እቲ ቈልዓ ንጡብ ኣዕብዩ ሒዝዎ ከም ዘሎ ብኸምዚ ዝስዕብ ትርእይዮ፦

  • እቲ ቈልዓ ብዝተኽእለ መጠን ንከባቢ ጫፍ ጡብ ኣብ ኣፉ ኣእትይዎ ኣሎ። 
  • እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምጥባዉ ከባቢ ጫፍ ጡብ ልክዕ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ይመስል። 
  • ናይቲ ቈልዓ ከናፍር ንደገ ገጾም ተዓጺፎም ኣለዉ።. 

ብኢድኪ ጸባ ምሕላብ ከድልየኪ ይኽእል እዩ  

እቲ ምጥባው ምጅማር ምስ ዝኣቢ ካብ ጡብኪ ብኢድኪ ወይ መሕለቢ ፓምፕ ጻባ ምሕላብ ከድልየኪ ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ቈልዓ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ከድልዮ ይኽእል እዩ።  

እተን ኣብ BB (ክፍሊ መወልዳን) ዘለዋ ሰራሕተኛታት ብኢድኪ ከመይ ጌርኪ ከም ትሓልቢ ወይ ንመሕለቢ ፓምፕ ከመይ ጌርኪ ከም ትጥቀሚ ከርእያኺ እየን። 

ነቲ ቈልዓ ብማንካ ወይ ኩባያ ጌርኪ ጸባ ወይ መተካእታ ጸባ ጡብ ኣደ ክትህብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ቈልዓ እኹል ጸባ ከም ዝረክብ ዘሎ ከመይ ገይረ እፈልጥ?

መብዛሕትም ቈልዑ ምስ ዐገቡን ዝያዳ ምስ ዘይደልዩን መብዛሕት ግዜ የርእዩኻ እዮም።  

ብከምዚ ዝስዕብ እቲ ቈልዓ እኹል ጸባ ጡብ ኣደ ይረክብ ከም ዘሎ ከተስተብህሊ ትኽእሊ፦ 

  • እቲ ቈልዓ ንቑሕ እዩ።  
  • እቲ ቈልዓ ባዕሉ ተበራቢሩ ክጠቡ ይደሊ። 
  • እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምጥባዉ ሕጉስ ይመስል። 
  • እቲ ቈልዓ ክብደት ይውስኽ። ክብደት ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (BVC) እዩ ዝምዘን። 
  • እቲ ቈልዓ እንተ ወሓደ ክሳብ ሽዱሽተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ጨርቂ ሽንቲ ትልውጢ ይሸይን።  
  • ናይቲ ቈልዓ ቀልቀል ኣብታ መጀመርታ ሰሙን ሕብሩ ካብ ጸሊም ናብ ብጫ ይቕየር። 

ምኽርን ሓገዝን

ምጥባው ክሳብ ዝጅምርን ከም ዝግብኦ ዝኸውንን ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ካብ መቕርብን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ሓገዝ ምርካብ ጽቡቕ እዩ።  

እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ ኣብታ መጀመርታ ሰሙን ምስ BB (ክፍሊ መወልዳን) ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ድሕሪኡ ምስ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክሊኒካት ክትራኸቢ ትኽእሊ፦ 

  • BVC  (ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ) 
  • ምስ ሓደ ክሊኒክ ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን (barnmorskemottagning)  
  • ምስ ዝህሉ ምስ ሓደ ኣብቲ ትነብርሉ ከባቢ ዝርከብ ክሊኒክ ምጥባው (amningsmottagning)  

ኣስተርጓሚ ክግበረልኪ ይኽእል እዩ 

ሽወደንኛ ዘይትዛረቢ ምስ እትኾኒ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ርኸቢ 

ብዛዕባ እንታይ ክትገብሪ ከም ዘለኪ ሓገዝ ምስ ዘድልየኪናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ደውሊ። እተን ዝምልሳልኪ ኣለይቲ ሕሙማት እየን። ንሳተን ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ይዛረባ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኻልኦት ቋንቋታት ሓገዝ ምርካብ ይከኣል እዩ። ብናይ ወጻኢ ሃገር ቁጽሪ ተሌፎን ምስ እትድውሊ፡ ናብ 0046 771-11 77 00 ደውሊ። 

ዝያዳ ትሕዝቶ ብትግርኛ

ትግርኛ

ኣብዚ እቲ ብትግርኛ ኣብ 1177.se ዘሎ ትሕዝቶታት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝምልከቱ ኣየኖት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ገጽ ዞባ ምረጽ።

1177 in other languages

Here is a list of other languages that the material is available in. The page is available in English.

To the top of the page